ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ በይኑ ከመንግዎ  መዲቡ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ  ፣ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ክጽንበርኦ ከምዝወሰነ ገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ ፣ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን እቲ ሕብረት ምስ’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መቐለ ምብጻሕ ዝፈጸሙ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝርከብዎም ኣምባሳደራት ሃገራት ምዕራብ ተዘራረቡ ፣ እቲ ዘተ ሰላም ኣሕባሪን ዉሑስን ኪኸዉን ንዘኽእል ኣማራጺ ግንዛቤ ክወሃቦ ድሕሪ ምስምማዑ እዩ።

ብመሰረት መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፣ እቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ከም መንጎኛታትን ኣዉሓስትን እቲ ዘተ ንምጽንባሮም ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ነቲ ዘተ ሰላም መን ይምራሓዮ ኣብ ዝብል ኣብ ሞንጎ ሞንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንዝጸንሐ በበይኑ ጠለባት ንምዝናቕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናይጀርያዊ ኦሊሰጎን ኣበሳንጆ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ፡ ብሞንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ጥራይ ኪቃናዕ ኽጠልብ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ መራሕቲ ህወሓት ድማ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምሉእ እምነት ከምዘይብሎም ብምጥቃስ ቀዲሞም ብፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ፣ ጸኒሖም ድማ ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ክጽንበራኦ እዮም ክጠልቡ ጸኒሖም።

በዚ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ዉሳኔ መሰረት  እምበኣር፣ ኣበሳንጆን ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሰላምን ጸጥታን እቲ ሕብረትን፡ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሃና ተተህ፣ ፍልይቲ ልእኽቲ  ኤውሮጳዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣኔት ወበር ፣ ከምኡ’ዉን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ብሓባር ክሰርሑ እዮም ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ዘተ ሰላም ብመሪኽነት ዘካይዶ ኮይኑ፣ ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ድማ ከም እቲ ጉዳይ ዘገድሶም ተሻረኽቲ ብምዃን ኣብ ምዕዋት እቲ ዘተ ተራን ጽልዋን ክህልዎም እዩ።

ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዉሳኔ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጉብ ከምዘይኮነ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ፣ ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ጠለባት ህወሓት ይደናግጻ ኣለዋ ክብል እዩ ብወግዒ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ድሮ ካብ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ ካብ ኣመሪካ ክረኽቦ ጀሚሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊ ደገፍ ከይከስር ነቲ ሓድሽ ዉሳኔ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይህልዎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።