ርሑስ በዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ይግበረልና
ዝኸበርኩም ስድራቤት ኤሪሳት: ክቡራት ተኸታተልቲ ኤሪሳትን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ፡ ርሑስ በዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒትና ክንገልጽ ከለና ፥ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ናይ ተጻብኦ መድረኽ ሰጊርና ኣብ ሓድሽ ዓመት በርቲዕናን ሓይልናን ንመጸሉ ዓመት ምዃኑ ብርእሰ ተኣማንነት ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኤሪሳት ብስርዓት ህግደፍ ናይ ዓፈና ስጉምቲ ከምዝተወስደላ ኣቐዲምና ኣብዘውጻናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢርና ኔርና ፡ እንተኾነ ድምጺ ህዝቢ ተረጊጹ ከምዘይነብር ነዚ ናይ ጭንቀት ፈተነ ዝወሰደ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ስርዓት ህግደፍ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። ክንድዝኾነ ልሳንን ዓይንን ህዝባ ዝኾነት ኤሪሳት ዝለዓለ ብቕዓት ዝውንኑ ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ዉፉያት ሃገራውያን ፥ ብዓቢኡ ድማ ብደገፍ ሓፋሽ ህዝቢ ዝበለጸ መደብ ሒዛ ክትቀርብ ናይ መወዳእታ ምጽፋፍ ትገብር ኣላ። ስድራቤት ኤርትራ ዝኣኻኽብ ፥ ፍትሒ ነጊሱ ተማሃራይ ናብ ምህሮኡ ሓረስታይ ንዋቱ ሓንጊሩ ናብ ማሕረሱ ዝምለሰሉን፥ ንመዋእል ኣብ ጉድጓዲ ዘለዉ ንጹሃት ደቂ ዛ ብርኽቲን ለዋህን መሬት ሓራ ዝወጹሉ ፥ ኣብ ዝኸድናዮ ከም ኤርትራዊ ንሓፍረሉ ዘይኮነ እንኾርዓሉን ፥ ንቡር ሲኢኑ ዝነበረ ህዝቢና ንቡር ዘስተማቕረሉ፥ ተዃሪዮም ንዝነበሩ የሕዋትን ኣሓትን ይቕረ ተባሂሎም ንኻልኦት ዘቕንእ ፍቕሪ ዘሰፍኑሉ፡ መሰል ሃይማኖታትና ዝኽበረሉ ፡ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጠፍኡ የሕዋትን ኣሓትን ንድበሰሉ፥ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ዝእወጀሉን ዓመት ይግበረልኩም ይግበረልና ትብል።