ንሃገር ምሕላይን ንዓመጽቲ ምእዛዝን ክልተ ዝተፈላለዩን ዝጻረሩን ኣርእስታት’ዮም። ንስለ ሃገር ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝኸፈሎም መስዋእትታት ካብ መጥን ንላዕሊ ብዙሓት’ዮም። ልምዲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕድ ሓለፋ ምሃብ ስለዝዀነ’ዩ ናጽነት ተረኺቡ ኸሎ ህዝቢ ንርግኣትን ዕቤትን ሃገሩ ኽብል ብዙሕ ዋጋታት ከፊሉ። ከምቲ ዝግባእ ናጽነት ምርካብ ማለት መስዋእቲ ምኽፋል ሓሊፉ፡ ብስራሕ ዝዕበየሉ መድረኽ’ኳ እንተነበረ፡ መስዋእቲ ምኽፋል ኣየቋረጸን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ ከሎ ንኣብነት ብዙሓት ኣብ መሪሕነት ዝነበሩን ካልኦት ዜጋታትን ዕቃበታት’ኳ እንተነበሮም ንፖለቲካዊ ርግኣት ብምቕዳምን፡ ንሓሳብ ካልኦት ናይ ምስማዕ ባህሎም ንምኽባርን እቲ መደብ ተበጊሱ።
እቶም ፈለማ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተወስዱ መንእሰያት እቶም ኣብ ምሕራር ሃገር ቅድሚ ናጽነት ብዝነበረ ባህሊ ተበኪሎም ተባሂሎም ተባሂሎም፡ መንግስቲ ደርግ ብዘመዝገቦ ገበናት ተኸሲሶም ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት’ዮም። ካብቲ መዓልቲ’ቲ ንድሕሪት፡ እቲ ስልጣን ክብሕት መደባት ኣዋዲዱ ድሮ ኽዕወተሎም ጀሚሩ ዝነበረ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ዘይኰነ፡ ንገዛእ’ቲ ጉጅለ እትኸውን ሃገር ከረጋግጽ ከምዝሰርሕ ዘስተውዓሉሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሳተፉ መንእሰያት ብቓላት መራሒ’ቲ ጉጅለ ማዳ ሃገር ምስተባህሉ እቲ ጉጅለ ኣንጻር ህዝቢ ኽገጥም ከምዝተዳለወ ንጹር ኰይኑ። ሓፈሻዊ ዝግበረሎም ዝነበረ ጽልኣት ዝመልኦ ኣተሓሕዛን ዘስተውዓሉ እቶም ቀዳሞት ናይ ናጻ ኤርትራ ወተሃደራት ንዕላማ’ቲ ህዝቢ ገና ዝግርሃሉ ዝነበረ ጉጅለ ኸስተውዕልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን።
ሃገር ንምህናጽን ንምድሓንን ክጠቅም ዝተጀመረ ምዃኑ ህዝቢ ዝተረድኦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃነጽቲ መንእሰያት በቲ ጽባሕ ክተልብዎ ዝኽእሉ ለውጢ ኣቐዲምካ ብምቕጻዕ፡ ኣእምሮኦም ኣደንዚዝካ፡ ልቦም ኣቕሒርካ፡ ዕላማን ትርጉምን ህይወቶም ንኽመዛበሎም ዝተበገሰ መደብ ኰይኑ። ካብቲ መዓልቲ’ቲ ክሳብ ሎሚ ን22 ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዜጋታት ሃገሮም ስለዘፍቅሩ ዝፍጽምዎን ኣብ ስራሕን ምክልኻልን ሃገር ከለዉ ብወከልቲ ናይቲ ጉጅለ እናተሳቐዩ ዝኸዱሉ፡ ሓይሊ ፍቕሪ ሃገርን ሓይሊ ስቓይ እቶም ምስ ምስ ሃገር ከጻልኡ ዝተላእኩን ዝቃለሱሉ ዓውዲ’ዩ ዀይኑ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መሐየሊ ሃገር ዘይኰነ፡ ከም መደስከሊ ኩለንተናዊ ዕቤት ሃገርን ከም መቕጽዒ ናይቶም ድሮ ኸጸብቕዋ ዝተበገሱን መንእሰያት ኰይኑ።
ናይቶም ይቕረ ግበሩልና ኸይተባህሉ ይቕረ ይኹንኩም ዝብሉ ንዱላት ወደስቲ ህግደፍ ጠዋይ ትንተና ገዲፍካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸውን ዘሎ ርኡይ ነገር’ዩ። ስቓይ ብዘይካ ስቓይ ምዃኑ ብምብዛሕ ዘረባ ካድራት ጣዕሚ ኣይከውንን’ዩ። መቕጻዕቲ ንዝበደለ ጥራይ’ዩ ዝወሃብ። ይነገር ኣይነገር እቲ ቐጻዒ ብገለ መኽንያት ከይተቐየመ ኣልዕል ኣቢሉ ኣይቀጽዖን’ዩ። ስለዚ ‘ህግደፍ ንኤርትራውያን መንእሰያት ብምንታይ ስለዝተቐየመሎም’ዩ ንርብዒ ዘመን ከየዕረፈ ዝቐጽዖምን ነናብ ዝኸድዎ እናሰዓበ ዕረፍቲ ዝኸልኦምን ዘሎ፧’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግዲ ይኸውን። መንእሰያት መጻኢ ሃገርዘውሕሱ ሕመረት ሕብረተሰብ እንተዀይኖም፡ ነዚ ሕመረት ምቕታል ማለት ንመላእ ሕብረተሰብ ምቕታል ማለት’ዩ። ስለዚ ህግደፍ ንዘዝጐበዙ መንእሰያት ከም ምሩኻት ካብ ማእከል ቤቶም እናጨፍጨፈ ወሲዱ ንዓመታት ዝቐጽዓሉ መኽንያት፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ንጹር ዕላማ ስለዘለዎ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ዕላማ ከምቲ ልሙድ ናይ ውልቀመለኽቲ ምውናን ስልጣንን ምኽዕባት ቢልዮናት ዶላራትን ወይ ውን ወይ’ውን ካልእ ካብኡ ዝገድድ ስዉር መልእኽቲ ይኹን፡ ንሃገር ዘውርደላ ማህሰይቲ፡ ኣብ ህዝቢ ዘብጽሖ ዘሎ ምጽናት ሓደ’ዩ።
እቶም እዚ ኹሉ ዝወርድ ኣደራዕ ብሓልዮት ሃገር ምዃኑ ከእምኑ እናጸዓሩ፡ ሃገር ክትጸድፍ ከላ ዘጣቕዑ ዘለዉ፡ ንቓላቶም ይኣምንዎ እንተዀይኖም ንኹሉ’ቲ ዝወርድ ኣደራዕ ባዕላቶም ምስተሰከምዎ ንህዝቢ ኤርትራ ይመለስዎ። ውሉዶም ንዕስራ ዓመት ኣብ ቤቶም ከይነብሩ፡ ስድራ ኸይምስርቱ፡ ህይወቶም ከይመርሑ ምስተኸልከሉ ሽዑ ትኽክል ምዃኑ ይመስክሩ። ደቆም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ምስሞቱ፡ ውላዶም ብጽጋቡ ኸምዝሞተ ይመስክሩ። ውላዶም ከም ግፍዒ ባርነት ህግደፍ ከምልጥ ኣብ ማእከል ከተማ ብተመልከተለይ ምስተቐትለ፡ ሽዑ እቲ ውላዶም ጌገኛ ብምዃኑ ከምዝተቐትለ መስኪሮም ብዘይሓዘን ይንበሩ።እንተዀነ፡ እዚ ኣዝዩ ብርቱዕ ስቓይ ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቶም ዘሽካዕሉሉ ይኹን ኣብ መቕርቦም ክወርድ ዘይምነዮ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ዘበገሰሉ መኽንያት ዘዘርከበ ገዛኢ እናቐጽዐ ከናብሮ፡ ንዘልኣለም ክጻወርን ክጭፍለቕን ስለዘይክእል’ዩ። ብምብራቕን ብምዕራብን ዝመጸ ወፍሪ ቱርኪ ክሳዕ ሎሚ ‘ግዝኣት ቱርኪ’ እናተባህለ ሰባት ዝስክሑሉ ጨካን ኣተሓሓዛ’ዩ ኔሩ። ካልኦት ንህሰም መግዛእቲ ዝገልጹ ምስላታት’ውን ኣለዉ። ብዘበን ውበ ዝጸመመ፡ ውበ ኽብል ነበረ’ውን ተባሂሉ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዝመጹ ሕሱማት ገዛእቲ ዘውረዱሉ መቕጻዕቲ ስለዝበዝሖ’ዩ ተቓሊሱ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ንመግዛእቲ ዝምልከት ምስላ ኽምስል ዘየድልዮ ሕብረተሰብ ክምስርት ተቓሊሱ።
ህዝቢ ኤርትራ ዶባዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ፡ ንገዛእ ርእሱ ግና ካብ ደጋዊ መግዛእቲ ናብ ሃገራዊ መግዛእቲ’ዩ ሰጊሩ ዘሎ። ሰብ ርሑቕ ክሳብ ንተገዛእቲ ፈሊጦም ነቲ ህዝቢ ዘሕምሞ ዝፈልጡ ግዜ ይወስድ ይኸውን፡ ምስቲ ህዝቢ ዝነብሩ ኽተናዀልዎ ኸልዉ ግና መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጥልመትን ስቓይን’ዩ ዝኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ተመንይዋ፡ ኩሉ ዝተሓተቶ ኸፊሉላ ስለዝዀነ ዝቐጽዕዎ ጉጅለ ድሌቶም እንታይ ምዃኑ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክበርህ ኣይክእልን’ዩ። ንሳቶም ግና ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዝወርዶ ዘሎ መከራ ከመስግኖም ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ኽስዕስዕን ውዳሴኦም ክዝምረሎምን ይዳለዉ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ተጋፊዑ ከይኣኽሎ፡ ነቲ ውርደት ምስጋና ኽህበሉ ይግደድ ኣሎ።
ህዝቢ ንቕያ ናጽነት ሃገሩ ኽዝክር ክጽምብል ክነብር’ኳ እንተዀነ፡ ዓመጽቱ ብደዎም ከለዉ ናጽነቱ ምልእቲ ኸምዘይኰነት፡ ካብዚ እዋን’ዚ ንደሓር ነዊሕ እንተጸኒሖም ከኣ ጽባሕ ዝጽምበል ዘይብሉ ኽተርፍ ከምዝኽእል ይፈልጥ ኣሎ። መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ትርጉም ናጽነቱ ዘስተንትነሉ ዝኽሪ’ዩ። እዚ ዝኽሪ’ዚ በቲ ዘጋጠመ ምስራቕ ናጽነቱ ኣዕሚቑ ብምሕሳብ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብዛ ሃገር ከምኡ ዝመስል ሓደጋ ዘየጋጥመሉ ስርዓት ክተክል ዝብገሰሉ መሰጋገሪ ምዕራፋት ታሪኽ’ዩ።