ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ታዕሊም ሳዋ ዝወሃብ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ንተመሃሮን መምሃራንን ኣብ ቀጻሊ ቀይዲ ኣጽኒሕካ ብመንገዲ ደረት ኣልቦ ጉልበታዊ ስራሕን ባርነታዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ልዕሊኦም ኩሉዓይነታዊ ምዝመዛ ኽውን ንምግባር ዝዓለመ ኾይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ብ9 ነሓሰ ዝዘርገሖ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።
እቲ “የባርዩና’በር ይምህሩና የለዉን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ደረት ኣልቦ ዕስክርና ብኸመይ ንመሰላትን ርኽበት ትምህርቲን መናእሰያት ኤርትራ ዓንቂጹ ኸምዘሎ ንምቅላዕ ኣብ 84 ገጻት ሰፊሩ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፥ መንግስቲ ኤርትራ ክሳዕ እዚ ግዜ’ዚ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ተመሃሮ ካብ መንጎን ኣብ ምዝዛምን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህቶም ናብ ወተሃደራዊ ስልጠና የፈናቕሎም ኸምዘሎ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ መምሃራን ካልኣይ ደረጃ ናብ’ተን ትካላት ትምህርቲ ተደኲንለን እዩ ዝበሃለለን ወተሃደራውያን መዓስከራት ኣገዲድካ ብምጽንባር ብብቕዓትን ሞያውነትን ዘይተዋሕሰ ትምህርቲ ኽህቡን ካብ ሞያኦም ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ጉልበታዊ ኣገልግሎታት ኽሳተፉን ይድፍኡ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ድማ ንቚመና ትካላት ትምህርቲን፡ እተን ትካላት ዝህብኦም ኣገልግሎታትን ናብ ዝተሓተ ብርኪ ኽወርድን ንሓያሎ መንእሰያት ተስፋ ኣቚሪጹ ካብ ሃገር ኽርሕቊን ይገብር ምህላዉ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ’ዚ እዋናዊ ጸብጻቡ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያ’ተ ትምህርቲ ማእከል ዒላማ ናይ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ንምቕያድ ዝኽተሎ ኸይዲ ኾይነን ምህላወን ዝጠቐሰት ላዕለወይቲ ኣባል መጽናዕቲ ኣብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ለተንሽያ ባድር፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣብ ዝዘልቐሉ ዘሎ እዋን መሰላትን ናጽነታትን ኤርትራውያን መናእሰያት ንቡር ኽረክብ ዝግባእ ምንባሩ ኣዘኻኺራ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት በቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝዓብለሎ ትምህርታዊ ስርዓት ዝሓለፉ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ዜጋታት ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ሽግር ቅርበት ንዘለዎ ክኢላታት ተወኪሱ ሰኒድዎ ዘሎ እዋናዊ ጸብጻብ ፥ ጉጅለ ህግደፍ ማእከሎት ትካላት ትምህርቲ ከም ቀንዲ መናሃርያ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ተመሃሮን ኽጸንዕ ዝደልዮ ባርነት ንምውሓስ ይጥቀመለን ምህላዉ፥ ተመሃሮ ድሕሪ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ናብ ሳዋ ወሪዶም ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኽመሃሩን ዘይተዳለዉሉ መልቀቒ ፈተና ኽወስዱን ኸምዝግደዱ፥ ሓያለ ተመሃሮ ናብ’ቲ መዓስከር ኸይውሰዱ ቅድሚ ናብ 11 ክፍሊ ምብጻሖም ብተደጋጋሚ ኽተርፉ ኸምዝመርጹ፥ ተመሃሮ ድሕሪ መልቀቒ ፈተና ዘምጽእዎ ነጥቢ ብዊንታ ኻድረታት ስርዓተ-ትምህርቲ ህግደፍ ናብ ዘይመረጽዎም ዓውድታት ትምህርቲ ኽጽንበሩ ኸምዝንገሮም፥ መምሃራን ብዘይክብረትን ኣብ ዘየድምዕሉ ዓይነት ትምህርቲን- ኣብ ዝተነግሮም ዓውዲ ኽነጥፉ ኸምዝድፍኡ፥ ተመሃሮን መምሃራንን ዘይፈላለ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ኸምዝበጽሖምን ካልእን ዝብሉ ሓቅታት ኣብሪሁ ኣሎ።

ትካላውነትን መንግስትነትን ቐቲሉ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሩ ጌጋን ኽፋእን ኸለልዩ ዘይእግሞም መናእሰያት ኣብ ምህዳንን ኣብ ግሉል ቦታ ኣኺብካ ምእዙዛት ንምግባርን፡ ዝከኣሎ ሓይሊን ግዜን ኣብ ምውፋር ከምዝርከብ ይፍለጥ። ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናጽነት ፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ናይ ሽዑ መንእሰያት ካብ ኹለን ዓበይቲ ከተማታት ሃገር ተለቒሞም ናብ ግሉላት ከባቢታትን ደሴታትን ሃገርና ተወሲዶም ህግደፍ ዝመርጾ ስርዓተ-ባህሪ ኽስዕቡ ተፈቲኑ እዩ። ድሒሩ’ውን ፡ ካብ 1994 ዛጊት ንተመሳስሊ ዕላማ ባርነት ህዝብን ሃገርን ሓያሎ መዓስከራት ተቐጺረን ዕድልን ህይወትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ምጽልማት ይርከባ።
ጉጅለ ህግደፍ መዓከር ሳዋ ስለዝደኮንኩን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስለዝኣወጅኩን ሃገር ኣድሒነ ኢሉ ዝንየተሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጻውዒትን ሓልዮትን ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጥራይ ፍቕሪን ድሕነትን ሃገሩ ዝስወጦ ህዝቢ ከምዝኾነ ጌርካ ንምስትንዓቚ እዩ። እቲ ሓቂ ግዳ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ፡ ድሒሩ ድማ ንድሕነትን ንልምዓትን ሃገሩ ባዕሉ ነቒሉ ባዕሉ ዝጽበ ዘሎ መራሒ ባዕሉ ዝኾነ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።