ስምዒታት እንዳን ወገንን ገሲጹ፡ ዓመጽ ከሪሁ፡ ፍልልያት ምንጪ ዓወት ጥራይ ክኾኑ ዝፈቅድ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ኣብ 28 ናይ ናጽነት ዓመታት!!!

ህዝቢ ኤርትራ ፣ ንተጠናናጊን ተወራራሲን መስገደላት መግዛእቲ እንዳሰገረ ከም ሓደ ልዑልን ወናንኒ ፍሉጥ መንነትን ህዝቢ ዘቐጽሎ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ዘይንደልን ንዉልቃውነት ከሪሁ ሓባራዊ ረብሓ ዘናዲን ክቡር ናይ ምንብባር ባህሉ እዩ። እዚ ክቡር ባህሊ ብዘየሰልክዩ ናይ ኣነባብራ ልምድታታት ዝተገዝአ ብምዃኑ ድማ ብጸቕጥን ወቕትን ከይተባወዘ ጸኒዑ ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ክቡር ባህሊ፡ ኣብ’ዘን ካብ ውሽጢ እንዳተገዛእና ዛጊት ሓሊፍናየን ዘሎና 28 ዓመታት ናጽነት ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ፧ እቲ ንኽብረትናን ልዕልናናን ኸነዉሕስ ፈልሚናዮ ድሕሪ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ንዝተዓወትናሉ ቃልሲ ንሓርነት ጨውዩ ዘጋፍዓና ዘሎ ወገን ነዚ ክቡር ባህሊ እዚ ንምጽናት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓመታት ናጽነት እንታይ ገበረ፧ ስምዒታት እንዳን ወገንን ገሲጹ ፍልልያት ምንጪ ዓወት ጥራይ ክኾኑ ዝፈቅድ ሃገራዊ ባህልና ምስ’ዚ ኩሉ መሰናኽላት ኣበየናይ ብርኪ ይርከብ፧ እዚ ካብ ጥንቲ ዝተዋህለለ ናይ ምንብባር ባህሊን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ንእዋናዊ ፖለቲካዊ ባህሩ ብከመይ ይጸልዎ ኣሎ፧ ብጥቅላሉ፡ ካብ ምጅማር ክሳዕ እዚ እዋን ንምብታንና ዝህንጠዩ መግዛእትታትን ስርዓታትን ጼርና ልዕልናናን መንነትናን ክንዕቅብ ዘኽኣለና ባህሊ ድሕሪ 28 ናይ ናጽነት ዓመታት ከመይ ኣሎ፧

ምስ ስውር ዕላማኡ ኣብ ዝባን ሓቀኛ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ተሓዚሉ ዝመጸ ጸቢብ ወገን ፥ ነቲ ክሰርዖ ዝመደበ ምልኪ ንምኩዋን ካብ ፈለማ 1980ታት ጀሚሩ ንባህሊን ልምድታትን ማሕበረሰባት ኤርትራ ብዝተወደበ መልክዕ ከጽንዖ እዩ ተራእዩ። ኣብ ሞንጎ ብሄራት ኤርትራ ፍልልያት ብኸመይ ክጋፋሕ ይከኣል፥ ኣብ ሞንጎ ዓዲ እገለን ዓዲ እገለን ዝተረስዐ ናይ መሬት ይዂን ካልእ ዘይምርድዳእ ብከመይ ይበራበር፥ ብልምዲ ዝስረሓሉ ዝነበረ ደሞክራስያዊ ኣነባብራን ነቲ ኣነባብራ ዝመርሑ ባህርያውያን ሕግታት ንምፍራሶም ዘኽእሉ ኣማራጺታት እንታዎት እዮም ፤ ብሓፈሻ – ነቲ ጥንቲ ዝፋልማዩ ናይ ምክብባር፣ ምትእምማን፣ ምምልላእ፣ ምትሕልላይ፣ ከምኡ’ዉን ናይ ምትሕልላቕ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ቀቲልካ ምልክን በደልን እንዳተሰርዐን፡ ወገኑን ሓዉን እንዳተገድዐን ዕዝም ብዝብል ህዝቢ ንምትካኡ ዘኽእሉ ሜላታት ንምርካብ ነዊሕ ተሰሪሑ።
መሰረታዊ ዕልማ ናይ’ቶም መጽናዕትታን ነዞም መጽናዕትታት ዝመርሑ መደባትን ናብ ድሕሪ ናጽነት ዘመልከቱ እዮም ነይሮም። ነቲ ኣብ ዝተበራረየ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተርኒዑ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ድማ ጥርዙ ዘነጸረ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ክቕተል ኣለዎ ዝብል መደብ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ክቡር ልምድን ባህሊን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሱ ዓጸፋ ዘዋህለሎ ዉሁድ ሃገራዊ መንፈስ ስለዝተደገፈ፣ ምልኪን መለኽቲን ኣብ መሬትን ፖለቲካዊ ሂወትን ኤርትራ ባይታ ክረኽቡ ዝከኣል ስለዘይከውን።
እምበኣር እዚ ክቡርን ነዊሕ መስገደል ሓሊፉ ዝተረረን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ክዓኑ እንተደኣ ኮይኑ፥ ፈለማ ነቲ ሃገራዊ ባህሊ ክወርስ ተራኡ ዝነበረ መንእሰይ ወለዶ ምርሓቕን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀጽሪ ምእታዉን ዝብል መደብ ክትግበር ነይርዎ። ኮይኑ ድማ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 (2) ኣዋጅ ቁጽሪ 37/ 1993 ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረን ጸቢብ ወገን ሻቡ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ ንዘሎ መንእሰይ ናብ መዓስከር ሳዋ ከርሕቖ ጀሚሩ። ቅድሚ እቲ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዋጅ እዉን ፥ ካብ ምዝማም 1991 ክሳዕ ምዝዛም 1993 ካበየ ከባቢታት ሃገር ተወሲዶም ዝተሰወሩ ኣሽሓት መንእሰያት ኣለው። እቲ ጸቢብ ወገን ዓዲ ካብ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ወራር ምእዋጁ እምበኣር፡ እቲ ንኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ደዉ ኣቢሉ ከቐጽላ ዝጸንሐ ሃገራዊ ባህሊ ብንኡስ ወለዶ ከይዉረስን ቀጻልነት ከይህልዎን ካብ ዝብል ሓሳብ እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ’ዩ እቲ ጸቢብ ወገን፣ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ’ቲ ክብሪ ወለዲን ሕብረተሰብን ዝግንዘቡሉ ዕድመ ምስ በጽሑን ካልኣይ ደረጃ ምስ ዝዘሙን ናብ መዓስከራት እንዳወሰደ ንዝተመስረሐ ጉጅለኣዊ ባህሉ ጥራይ ክቐስሙ ዝግድድ ዘሎ።
ሓቚፉ ዘይፍኑ፣ ለጊሱ ዘይቅበል፣ ረኺቡ ዘካፍል፣ ብዱልን ተበዳሊን ቅድሚ ናብ ፍርዲ ናብ ዕርቂ ዝደፍእ፣ ወገኑ ክጒዳእ ሆ! ወገኑ ክብድል ዓገብ! ዝብል፣ ንኽብረትን ብሕትዉናን ወገናቱ ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ሓባራዊ ስራሕን ረብሓን ዝዓስል፣ ጎረባብቱ ጽቡቕ ተረኸቡ ከምናቶም ዝምነ፡ ሕማቕ ተጎኖፎም ደሓኖም ዝህንጠ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደስቲ ወለዶ ናጽነት ነዞም ልምድታት ከዉርስ እቲ ዝነኣሰ ዕድል’ኳ ኣይረኸበን ። ደቁ እኽል ምስ በሉ ካብ ዓይኑ ክርሕቕዎ፥ ብዝተወስዱዎ ክጠፍኡ፥ በደል ነዊሕዎም ካብ ሃገር ክሃድሙ ደኣ ይርኢ ኣሎ።
እዚ ጸቢብ ወገን፡ ነዞም ክቡራት ልምድታት ኤርትራዊ ባህሊ ብግቡእ ተገንዚቡ ንሓለዋኦምን ቀጻልነቶምን ድዉ ዝብል ሃገራዊ ሕጊ ማለት ቁዋም ክሳዕ እዛ እዋን ቀቲሉ ምህላዉ እዉን ካልእ ኣብነት እዩ። “ዓንቀጽ-7” ናይ’ቲ ብመሰጋገሪ ባይቶ ጸዲቚ ንተግባር እንዳተቓረበ በዚ ጸቢብ ወገን ዝተኾልፈ ቁዋም ከምዚ ይብል፣ “ምስ ሃይማኖት ህዝቢ ኤርትራ ዜተኣሳሰሩ መለኮታዊ እምነታት፡ ስሩጽ ባህልታትን ልምዲታትን ከም ምንጪ ሕጊ ኮይኖም፡ ብደረጃ ማእከልን ዞባን ዝወጹ ሕግታት ከኣ ኣብኡ ዜተሞርኮሱ ይኾኑ”። ኣዚ ማለት ቀጻልነትናን ስርርዕናን ከም ሃገርን ህዝቢን ኣብ ዝሰረጹ ባህልታትናን ልምድታትናን እዩ ዝንጸፍ። እዚ ክውንነት ግን ነዚ ጸቢብ ወገን ከም ሰይፊ ናብ ክሳድ’ዩ።
ሓደ ህዝቢ ባህሉን ልምዱን ክዕቅብ ምስ ግዜ ድማ ከሀድስ፡ ትምህርቲ መሰረታዊ እዩ ። ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን ሓለፋ ካልኦት እዋናት ክብርታትን ልምድታትን ሓደ ህዝቢ ብትምህርቲ እዩ ዝመሓላለፍ። እዚ ስለዝኾነ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝህሉ ስርዓተ ትምህርቲ – ክቡር ባህሊን ልምድን ህዝቢ እታ ሃገር ሰረቱ ከይከሰረ ኪቕጽል፣ ከምኡ ድማ ተዋዳዳርነቱን እዋናውነቱን ኸዉሕስ ዘኽእል ስርዓት ክኸዉን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸቢብ ወገን- ኣብ ውሽጢ’ዘን 28 ዓመታት ዝደባለቖም ስርዓታት ትምህርቲ ግና ንጸኒሕ ኤርትራዊ ባህሊ ንምብላል ዘንቀዱን ምስ ዘይማሰሉና ባህልታት ጎዶቦ ብሓይሊ ከተሓናፍጹ ዝህቅኑን ኮይኖም ኣለው። ኣብዚ ዕዉሉም ዓለም ምስ ባህልታት ካልኦት ኣህዛብ ክትሳነ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ፥ ዕላማ እዚ ጸቢብ ወገንስ’ሲ ካልእ እዩ። ኣብ’ዘን 28 ዓመታት ናጽነት ኣብ ሃገር ትምህርቲ ዝቐሰመ ኤርትራዊ ወለዶ፣ ንባህልን ታሪኽን ህዝቡ ብዝምልከት ብዘይካ 9 ብሄራት ዝነብሩለን ከባቢታትን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣአንን፤ ብዘይካ’ቶም ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ኣብ ኤርትራ ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ንሱ’ውን ብኣዝዩ ንኡስን ቅዩድን መልክዑ፤ ብዘይካ ምጅማር ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲን ፍሉጣት ወራራትን፣ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ዓሚዩቕ ሓበሬታን ፍልጠትን ኣይተኸፍተሉን። ነጻነት ሓበሬታ ኣብ ዘይብላ ሃገር ክፉትን ንጹህን ስርዓተ ትምህርቲ ዘይሕሰብ እዩ። ስለዝኾነ ስሩጻት ባህልታትን ክቡራት ልምድታትን ህዝብና ብትምህርታዊ መዳይ ናብ ሓድሽ ወለዶ ምስግጋር ዛጊት ኣይተስርሐን ማለት’ዩ።
ተኸባበርቲ ሃይማኖታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕላዉን ምቕጻልን ክቡራት ልምድታትና ዝህልዎም ተራ ልዑል ከምዝኾነ ካብ ቅድም ዝተገንዘበ እዚ ጸቢብ ወገን፣ ንነጻነታት እምነት ናብ ጸቢብ ቦታ ካብ ዝዳጒኖም ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ክብርታትካን ልምድታትካን መንፈሳዊ ምእዘና ምስ ዝስእኑ ቀጻልነቶም ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ። ስለዝኾነ፡ እዚ ጸቢብ ወገን ኣብ ሃገር መንፈሳዊ ርግኣት እንተሰፊኑ ቀጻልነት ናይቲ ንምልኪ ፈንፊኑ ኣብ ፍትሒን ርትዒን ዝነብር ኤርትራዊ ባህሊ ዘዉሕስ ስለዝኸዉን ኩለን ሃይማኖታት ይንኣሳ ይዕበያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ኣእቲዩወን ኣሎ።
ኣምበኣር ነንነብስና ንሕተት!። ከምዚ ኢልና ንሕተት!። “ንምንታይ ኢና ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ምሳና ዝጸንዐትን መንነትና እትልግስን ሃገር ከላትና ፋሕ ንብልን በብዝኸድናዮ ዘይንምለስን ዘሎና፧” “ንምንታይ ኢና ከም ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣሕዋት ሓንቲ ስድራ ዝእክብ ክቡር ሃገራዊ ባህልና ንስእኖ ዘሎና፧” “ሰብኣዊ ክብረት ሓለፋ ካልኦት ክብረታት ጠሚቱ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ደዉ ዝብል ሃብታም ኣመሓዳድራና ብኸመይ ተሰሪቚ እዩ ሕጂ ኣምለኽቲ ሓደ ኣብ ዝጸበበ ዓንኬል ምሕደራ ኮይኑ ዝገዝእ ጉጅለ ንኸዉን ዘሎና፧” “ፍልልያት ከም ብልጭታት ገይሩ ዝቕበል ባህሊ ሓደነትና ሕጂ ንምንታይ ሓደ ጸቢብ ወገን ብዝዘርኦም ከይስታት ይገማማዕ ኣሎ፧” “ብከመይ ኢና ኣሕዋትና፣ኣሕትና፣ ስድራና፣ ደቂናን ብጾትናን እንዳደመዩን እንዳተሞቚሑን ንዕዘም ዘሎና፧” “ወረ እንታይ ኮይና ኢና ሙቱ ተተባሃልና ንመዉት፣ ተኾርሞዩ እንተተባሃልና ድማ ሰገጥ ዘይንብል ዘሎና፧”
ብዛዕባ እዞም ሓቅታት እስኪ ንሕተት!!። ነፍሲወከፍና ክንሓቶን ክንምልሶን ሓጺር ግዜ፣ ተግባራዊ ፍታሕ ክንረኽበሉ ድማ ገዚፍ ትብዓት ይጽበየና ኣሎ። ነዚ ድሉዋት እንተደኣ ኮይንና ድማ፣ ነቶም ንኣማቲ ዓመታት ዘጻንሑና፣ ንኣእላፍ መጻእቲ ዓመታት’ውን ከሳልዩና ዝኾኑ ክቡራት ልምድታት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዳግም ወነንቶም ኮይና ካብ ጥፍኣት ክንምለስ ኢና።