ቅዋማትን ዘፍቅድዎ ሕግታትን ንዜጋታት ዝህብዎም መሰላት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለዩ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ገለ ሃገራት ንዜጋታት ዝወሃብ ሓርነት ምስ ባህላዊ ለውጢ እናተኣሳሰረ ካብ ካልኦት ብዝሕ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ዝቕበሎ ኣካይዳ ዝሰማማዕ ቅዋም ብምትካል፡ ዝወሓዱ ኽፋል ሕብረተሰብ ክልውጥዎ ዝጽዕሩሉ፡እንተዀነ ግና ኣብ መሰረታውያን ሰብኣውያን መሰላቶም ብዝሃሲ መገዲ ዘይትንክፎም ክኸውን ይኽእል። ካልኦት ሃገራት ንቕዋመን ምስ ውሁብ ኣነባብራን ባህልን ሕብረተሰበን ኣዛሚደን፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ዘለዎ ደረጃ ከደስክልዎ ዝኽእሉ ልምድታትን ባህልን ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት’ታ ሃገር ዕንቅፋት ከምዘየምጽኡ ዝገብር ቅዋም ይተኽላ። ንቕዋማት ብንጹር ዝመዝኖም ሓደ ነገር ግና ብፍቓድ ህዝቢ ተሓንጺጾም ንህዝቢ ብዘውሕስዎ ሙሉእ ናይ ሓሳብን ስራሕን መሰል’ዩ። ንመሰረታዊ ፍቓድ ህዝቢ ሸለል ብምባል ንሓሳብን ቁጠባን ሕብረተሰባት ዝውስን ቅዋም፡ ከም ተምሳል እምበር ከም ሓቀኛ ጸግዒ ሓፋሽ ክቝጸር ኣይከኣልን። ንጹር ኣንፈት ብዘትሕዝ መስመር ከይተጓዓዝካ ዝብጻሕ ስለዘየልቦ፡ ብዘይ ቅዋም ዝምራሕ ህዝቢ ክወድቕ እንተዘይኰይኑ ክግስግስ ኣይክእልን። ኣብ ኤርትራ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቕዋም ምስ ባህልን ኣነባብራን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ልምዳዊ ሕግታት፡ ተኸተልቲ እምነታት ዝስዕብዎ ኣነባብራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ሰሪሖም ካብ ዘዐወቱ ቅዋማት ተመኵሮ ብምውሳድ ዝተሓንጸጸ’ዩ። እቲ ቕዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል ከይከኣለ ኲናት ምስኣርከበ፡ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ህዝቢ ኣድህቦኡ ካብቲ ኣርእስቲ ተኣልዩ። እቲ ኣጋጣሚ ነቲ ሕጂ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ መላኽነቱ ዘረጋግጸሉ ዕድል ስለዝዀነሉ፡ ንስክፍታታት ደጋዊ ተጻብኦ ከም መሸቀጢ ተጠቒሙ ነቲ ዝስርሓሉ ዝነበረን ነቲ ኣብ ቅዋም ሰፊሩ ክሰርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረን ኩሉ ኣገባብ ብምጥሓስ ብዊንታታን መኽሰባትን ንእሽቶ ጉጅለ ዝምራሕ ኩነታት ተፈጢሩ። ኣብዚ እዋን እታ ኤርትራ እትጽውዓላ ሳጓ ብምዃን ኣብ ኣእዛን ኤርትራውያን ስማ ኻብ ዝደጋገም ዓመታት ኣቝጺራ ዘላ ሰሜን ኮርያ ኸይተረፈት ንጹር ዝዀነ ተግባራዊ ቅዋም እትውንን ሃገር’ያ። ብውሳኔ ሓደ ገዛኢ ስድራቤት ዝተሓንጸጸ ስለዝዀነ፡ እቲ ቕዋም ዜጋታት ሰሜን ኮርያ
መንግስቶም ካብኦም ዝጽበዮ ፍጹም ተገዛእነት እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጡን፡ ካብ ቁጥዓኡ ዘድሕኖም መገዲ ንኽኽተሉን እንተዘይኰይኑ ኣብ ዕቤቶም ዘምጽኦ ዝዀነ ይኹን ጠቕሚ የብሉን። ኤርትራውያን ግን ነብሶም ካብ በደል ዘድሕኑሉ መንግስቶም ብምንታይ ክቐጽዖምን ከምዝገድፎምን ዝፈልጡሉ መገዲ ስለዘይብሎም በዚ መዐቀኒ’ዚ ከይተረፈ ካብ ስሜን ኮርያውያን ሓደ ነጥቢ ድሒሮም ኣለዉ። 20 ኽፍለዘመን ዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት በብወገኖም እናተቐልቀሉ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ታሪኽ ብስነሓሳብ ዝተበገሱ ፍልልያት ኣባራዕቲ ኣህጉራዊ ኲናታት ዝዀኑሉ እዋን’ዩ ኔሩ። ካብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ብዝተሓልፈ ኣህጉራዊ ዓወታትን ውድቀታትን እቶም ዝሓሹ ዝብሃሉ ዓይነት መንግስታት ኣየኖት ዓይነት ምዃኖም ተነጺሩ’ዩ። እቶም ንህዝቢ ብሰላም ዘንብሩ፡ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ዕንቅፋታት ተጻዊሮም ናብ ውሑስ
ኣንፈት ማሕበራውን ቁጠባውን ገስጋስ ዘምርሑ ብደሞክራስያዊ ቕዋም ዝምርሑ፡ ግብራዊ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ኩሉ ኽፋላት ሕብረተሰብ ዘረጋግጹ ሜላታት ምዃኖም ተራእዩ። መሰረታዊ ፍልስፍናን ፖለቲካዊ ቁጠባን ከመይ ይትንተን ብዘየገድስ፡ እተን ብናህሪ ተበጊሰን ዝተደነሳ ሃገራት ብዝተስገደደ ኣተሓሳስባን መሪሕነትን ዝካየዳ፡ እተን ዝዕወታ ሃገራት ከኣ ብተሳትፎን ስራሕን ህዝበን እናዓበያ፡ ባይቶ ሓፋሽ ዘቘሞ ወካሊ መንግስቲ ዝመርሐን’የን። ኣብተን ብስራሕን ብምሉእ ተሳትፎ ሕብረተሰባተንን ነንመድረኹ እናገጠማ ዝተዓወታን ኣብ ዕቤት ዝርከባን ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ንመሰል ህዝበን እናኽበራ ነቲ ኽብርታት ከዕብይኦ እናተጋደላ ንስራሕን ንፍቓድ ሓፋሽን ከይዓንቀፋ ዝተጓዕዛ’የን። ጥንታዊ ፍጹም ንግስነት ዝኽተላ ሃገራት ከይተረፋ መሰረታዊ ናጽነታት ዜጋታት ዘረጋግጹ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ልዕልና ቅዋም ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቕዋም ዘፍቅዶ ምዕባለ ምስ እምነትን ባህልን ዝተኣሳሰሩ ልምድታት ኣለዉወን። እዘን ብንግስነት ዝምርሓ እታ ዝደኸየት ብጥንታዊ ፍጹም ንግስነት እትምራሕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ርስዋዚላንድ ኸይተረፈት ንዜጋታት እትህቦም ናጽነታት ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ። ዘይዓመቘ ትንተናታት ማሕበረ-ቑጠባዊ ጕዕዞ ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ዝምቡዕ ርድኢታት ይፈጥር ኔሩ’ዩ። መብዛሕትኡ እቲ ግጉይ ትንተናታት ኣብ ክንዲ ንውሽጣዊ ብርታዐ እቶም ሕብረተሰባት፡ ንፖለቲካዊ ሕሉፈን በይኑ ሓሪኻ ከም ኣብነት ብምውሳዱ ዝስዕብ’ዩ ኔሩ። ኣናብር ኤስያ ኣብዚ እዋን ክርኣያ ኸለዋ መሰረት ዕቤተን ኢንዱስትርያዊ ጻዕሪ ህዝበን ዝለዓለ ደፋኢ ኸምዝነበረ ይንጽር ኣሎ። ኣብተን ሓሙሽተ ዝፈጠነ ዕቤት ከምዘለወን ዝሕሰባ ዘለዋ ሃገራት፡ ህንድን ብራዚልን ብባህርያዊ ጉዕዞ ሰፊሕ ሕብረተሰባተን ዝኸስቡሉ ዘገምታዊ ለውጢ እናምጽኣ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ፍጥነት ምዕባለ ዝረጋገጸሉ መድረኽ ደይበን ኣለዋ። ምስአን እትስራዕ ሩስያ፡ ኣብ ቀረባ ዘመን ርእሰ ሓያላን እትቝጸር ዝነበረት ሃገር’ያ። እቲ ሒዛቶ ዝነበረት መገዲ ካብ መፈለምታ ብስም ሓልዮት ሓፋሽን ልዑል ራኢን ተበጊሱ ዝተስገደደ ስለዝነበረ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ በጺሑ ካብኡ ክቕጽል ዘይክእል ምዃኑ ምስተራእየ ናብ ካልእ ኣዐዋቲ ሜላ ኽትሰግር ተገዲዳ። ስለዚ ድማ’ያ ሩስያ ንሕብረት ሶቭየት ኣፍሪሳ፡ ህዝባ ብዝመስሎ ዝሳተፈሉ ቁጠባዊ ሜላ ተኸቲላ ብፍጥነት እናተጓዕዘት ኣብዚ ዝሓለፈ ትሕቲ 30 ዓመታት ብዘርኣየቶ ጻዕሪ እንደገና ናብ በሪኽ ደረጃ ትድይብ ዘላ። ከም ማእከል ሶቭየት ሕብረት ናብ ድስካለ እትጕዓዝ ዝነበት ሩስያ፡ ብዘይቲ ዘካየደቶ መሰረታዊ መኣረምታ ኣብዚ እዋን ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክትህሉ ኣይምኸኣለትን። ቻይና፡ እቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ማዎ ትዘ ቱንግ ዝነበረ ጨባጢ ኣካይዳ እናፋዀሰት
ዘመዝገበቶ ገስጋስ ብምስትውዓል ኣብ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ነቲ ንምዕባለ ዘድሊ መሰረታዊ ናጽነታት ብምውሳኽ ብፍጥነት ካብተን ዝዓበየ ቑጠባ ዝውንና ስለስተ ቀዳሞት ሃገራት ክትከውን በቒዓ። ካብ ምምስራታ ብኢንዱስትሪ፡ ዕደናን ሕርሻን እትልለ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳዕ’ቲ ኣብ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ፖለቲካ ዓሌታዊ ፍልያ ዘቋረጸትሉ ግዜ፡ ዕቤታ ብትሑት መጠን ይቕጽል ኔሩ። ንኹሉ ህዝቢ’ታ ሃገር ዘሳትፍ ስርዓት ኣብ ዝተኸለትሉ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓይሊ ቑጠባኣ ተለልያ። እቲ ክሳብ 1990 ዝነበረ ቑጠባኣ ዘሳትፎ ኽፋል ሕብረተሰብን መጠን ሓቀኛ ብዝሒ ህዝባን ብዘይምስናዩ፡ ኣፓርተይድ ንምክያዱ ኣዝዩ ኽቡርን ኣኽሳርን ስርዓት ምዃኑ ብዝግባእ ዘስተውዓለት ሃገር’ያ። ኣብ 1990ታት ሓጺር ማሕበራዊ ዳግመ ስርርዕ ድሕሪ ዝረጋገጸሉ ሓርጐጽጐጽ ብፍጥነት እናዓበየት ኣብዚ እዋን ካብተን ሓሙሽተ ዝቐልጠፈ ምዕባለ ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ኰይና ኣላ። ኣብ ኩለን ኣብዚ እዋን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዋ ሃገራት ሓደ መሰረታዊ ኣካይዳ መሰረታዊ ዀይኑ ይደጋገም። ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝሰርጽ ተጨባጢ ምዕባለ ከረጋግጻ ዝኽእላ፡ ብተበግሶን ተሳትፎን ኩሉ ኽፋላት ሕብረተሰብ ዝካየድ ቁጠባ ምስዘረጋግጻ ዝመጽእ’ዩ። እዚ ዝረገጋጸሉ እንኮ ዝሰርሕ ኣገባብ ኣብ ኩለን’ተን ዕዉታት ሃገራት ዝሰርሕ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝኽተል ምሉእ ተሳትፎ ሕብረተሰት ዘረጋግጽ ቅዋማት’ዩ። ኣብተን ንዓቕምን ሓሳብን ሕበረተሰበን ተቘጻጺረን ገስጋስ ከምጽኣ ከምዝኽእላ ኣሚነን ዝተበገሳ ሃገራት ዘጋጠመ ተመኵሮ፡ መሰል ዜጋታት ብስነሓሳብ ይኹን ብውቅለመላኽነት ወይውን ብኽልቲኡ ኣብ ዝነዓቐሉ፡ ዕቤት ምምዝጋብ፡ ብዘይካ ነገራዊ ጸጋታትን ግዜን ክሳብ ሚልዮናት ዜጋታታት ዝበጽሕ ብርቱዕ ዋጋ ዝሓትትን ቀጻልነት ዘይብሉን ምዃኑ’ዩ። ኣብ ስነሓሳባዊ ትንተና ጥራይ ተመርኲሶም ብኣስገዳድ ክሳብ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተሰርሓሎም ሜላታት ምሕደራ ሃገራት ኣብዚእዋን’ዚ ኩላቶም ወዲቖም’ዮም። ንውሁብ ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባለ ሕብረተሰባት ብዝግባእ ከይተንተኑ፡ ብጅምላ ዝዕደል ትንተና ብምእማን ዝተሰረቱ ፖለቲካውያን ስርዓታት ኣብዚ እዋን ኩሎም ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ጥራይ ሰፊሮም ይርከቡ። ምስ ኣካይዳ እቲ ክሰርሑሉ ዝድለ ሕብረተሰብ ከይተቓነዩ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ተተኺሎም ንነዊሕ ክነብሩ ዝደልዩ ከም
ዴሳዊ ኣተሓሳባ ሕብረት ሶቭየት ነበር ቀንዲ ዝኣብነቶም ሜላታት ኣብ ምፍላሞም ክዕወቱ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ልዕልና ቅዋም ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቕዋም ዘፍቅዶ ምዕባለ ኸምዘይክእሉ እናተራእየ፡ ኣበገስቶም ከይርትዑ እናተባህለን፡ ሰዓብቶም ለውጢ ስለዝበርትዖምን ንዘየድሊ ንውሓት ግዜ ብዓቢ ዋጋ ተኻይዶም። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ በጺሐንኦ ዝጸንሓ ኩለንትናዊ ደረጃ ምዕባለ ኪንዮ ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ሓሊፈን ዝያዳ ብማሕበራዊ ዕቤት ክግደሳ ዘኽእል ስለዝነረ፡ ውልቃዊ ተበግሶን ዕቤት ኢንዱስትሪን ከይተዓግተ ዕዉት ዝዀነ ማሕበራዊ ኣካይዳ መስሪተን። ሕብረተሰብ ሓባራዊ መኽሰባቱ ዘረጋግጸሉ ቀዳማይ ሜላ፡ ዝዀነ ይኹን ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ ስነሓሳብ ዘይኰነ፡ ስምምዕ ዜጋታት ብምርግጋጽ’ዩ ዝብጻሕ። ኣብ ባይታ ዘለዉ ኩሎም ክዉንነታት ብንጹር ብምርዳእ ናብ መገዲ ዕቤት ዝእንፈቱሉ መገዲ ምድላይ’ዩ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዛንታታት ዕዉታት ሃገራት ተደጋጊሙ ዝርአ። ኩሎም ንዝነበረ ኣካይዳ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ክልውጡ ዝፈተኑ ሜላታት ንንጽል ስነሓሳብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ስለዘኽበርዎ ውጽኢቱ ናብ ዕንወት ዘምርሕ ኰይኑ። ዝዀነ ይኹን ውልቀመላኺ ግዝኣት መሰላት ዜጋታት ብምግሃስ፡ ብዝተፈቕደሎም እምበር ብዝደለይዎ ኽነብሩ ዘይክእሉ ብምግባር፡ ንናጽነት ውልቀሰባት ፈጺሙ ይድርቶ። ናጽነት ውልቀሰባት ምድራት
ማለት ናጽነት ሕብረተሰብ ምድራት ስለዝዀነ፡ ናጽነት ዘይብሉ ህዝቢ ዝዀነት ትኹን ሃገር ከከም መጠን ኣሳርነት ስርዓታት ዘለዎ ባርነት ይጋደድ። ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃገር ዝቕመጡ ዜጋታት ብሃይማኖት ይኹን ብስነሓሳብ ዝተስገደደ ንኹሉ ዜጋ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳባን ኣነባብራን ዝእዝዝ ስርዓት ቀንዲ ምንጪ ዝዓበዩ ታሪኻውያንን ዘመናውያንን ዓመጻት’ዩ። ሕብረተሰባት ከም ሃገር ሰሚሮም ንቕድሚት ክጐዓዙሉ ዝኽእሉሉ ኣገባብ ብሓባር ኣብ ዝሓንጸጽዎ ቅዋም ተጸጊዖም ብሓባር እናተደጋገፉ በቲ ዝፈጥርዎ ፍጥነት ክጕዓዙ ክኽእሉ ኸለዉ’ዩ። ኣብ ብዙሓት ናይ ዕስራ ኽፍለዘመን ኣብነታት ኩሉ ሕብረተሰብ ዝካየደሉ ኣቐዲሙ ተመስሪሑ ዝተዓሸገ ከም መድሃኒት ዝዕደል ኣተሓሳስባ ንዝተወሰነ እዋናት ኣዐዋቲ መሲሉ’ዩ። ከምቲ ኣብ ስራሕ ንሰባት ዘጋጥሞም፡ ኣብ ዘይጥዕሞ ዀይኑ ብርቱዕ ስራሕ እናሰርሐ ንዝተወሰነ እዋን ገለ ነገር ክዓምም ዝኸኣለ ነቲ ዕዮ ንኹሉ እዋን ክቕጽሎ ኣይክእልን። እኳ ደኣ ኣብ ዘይምችእ መርገጺ ዀይኑ ኽሰርሕ ዝተገደደ ሰብ ይኹን ሕብረተሰብ ዝወርዶ ማህሰይቲ ንመጻኢውን ምስራሕ ክኽልክሎ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ግዝያዊ ዓወት ብዝተማህዘ ስነሓሳብ ዝካየዱ ሕብረተሰባት ናብ ድስካለ ኣምሪሑ፡ እተን ዝሓየላ ዝብሃላ ስነሓሳብ እናስገደዳ ዝጕዓዛ ዝነበራ ሃገራት ናብቲ ዝጨፍለቕኦ
መገድታት ናጽነት ክምለሳ ዝተገደዳ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስነሓሳብ ይኹን መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተስገደደ ምስዝኸውን ዝርከብ ተምሳል ዓወት ካብ ሒደት ዓመታት ከምዘይሓልፍን ዝሰርሕ ንምምሳሉ ዝጠፍእ ጸጋታት ካብ መኽሰባቱ ከምዝበዝሕን ተራእዩ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ብመለኽቲ ዝመሓደራ ዝነበራ ሓያሎ ቁጠባዊ ዓቕመን ዝሕይል ዝነበረ ሃገራት፡ ኣመራርሓአን ናብ ምሉእ ኣመራርሓ ባይቶ ሓፋሽ ምስተመልሰ ብፍጥነት’የን ነቲ ዝድነቓሉ ዝነበራ ዕቤተን ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ እዋን ብዕጽፍታት እናበለጽኦ ተወንጪፈን። እተን ብውልቀመራሕቲ ንነዊሕ እዋን እናተመርሓ ክዓብያ ተስፋ ዘርእያ ዝነበራ ናይ ሰማንያታት ኣናብር ኤስያ ንኣብነት፡ መራሕተን ነቲ ዕቤት ከም መርኣያ ውልቃዊ ምልኮም ከምስልዎ እናፈተኑ፡ ካልኦት ውልቀምልኪ ዝደልዩ ከም ጽቡቕ ኣብነት እንተጠቐስዎም፡ እቲ ርኡይ መኽንያታት ግን ኣንጻሩ’ዩ። ብመሰረቱ ነተን ሃገራት ዕቤት ዝሃበን ስራሕ ህዝበን ክኸውን ከሎ፡ ብዘይ ጨባጢ ኣካይዳ እቶም መለኽቲ ክጕዓዝኦ ዝኽእላ ዝነበራ ኣዝዩ ይበልጽ። እቶም መለኽቲ ኣብ ዝተኣልዩሉ ድማ፡ ኣብ ጐደና ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ካብ ዝብገስ ቁጠባ ናብ ምሉእ ናይ 21 ክፍለዘመን ተክኖሎጅያዊን ፋይናንሳዊን ቁጠባ ኽዓብያ ትሕቲ ዕስራ ዓመታት ጥራይ ወሲዱለን። ብኣብነት እዘን ኣብ ኤስያ ኣናብር እናተባህላ ዝጥቀሳ ሃገራት ብሩህ ክኸውን ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ቅዋምን ጻዕራም ህዝብን ንሃገራት ዘማዕብልወን ቀንዲ ረቛሕቲ ምዃኖም’ዩ። ምዕባለአን መርኣያ ብርታዐ ጨኰንቲ ህዝቢ ዘይኰነ፡ መርኣያ መንፍዓት ናይቶም ጭኰና ስዒሮም ናብ ምዕባለ ዝደፍእወን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ልዕልና ቅዋም ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቕዋም ዘፍቅዶ ምዕባለ ዜጋታተንን ነቶም መለኽቲ ናብ ዕንወት ዘብጽሕ ፍጹም ስልጣናት ከይህልዎም ዝኸልከለ ቅዋማተንን’ዩ። ንጹር ሓባራዊ መረዳድኢ ሜላ ተጠቒምካ ኣበርቲዕካ ብምስራሕ እንተዘይኰይኑ ካልእ ንውልቀሰብ
ይኹን ንውልቀ-ሃገር ናብ ምዕባለ ኸብጽሖም ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ መገዲ የለን። ካብዚ ወጻኢ ቃላት ብምብዛሕን ኣብነታት ብምጥምዛዝን ካልእ መገዲ ከመልክት ዝፍትን እንተተረኽበ፡ ኩሉ ግዜ ሕቡእ ውልቃዊ ዕላማታት ከምዘለዎ ርዱእ ክኸውን ይግብኦ። ከም ኣብ ንኹሎም ህዝብታት ዓለም ቅዋም ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ሓለፋ ዘይኰነ መሰረታውን መፋጥርቱን መካይድቲ ገስጋሱ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ መሰል ምርግጋጽ ብኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን ዝምራሕ ናይ ጽባሕ ምዕባለኡ፡ ብቕዋም ዝምራሕ ንህዝቡ ዝለኣኽ መንግስቲ ሎሚ ካብ ማእከሉ ብምርቋሕ ክበጽሖ’ዩ።