እዋናዊ ዛዕባ ቴሌቭዥን ኤሪሳት

ቁጠባዊ ሓይሊ ሓንቲ ሃገር ብ ሰባዊ ዓቕምታታን ብትሕዞ ባህርያዊ ሃብታን ዝስፈር ኮይኑ ፣ ነቲ ሰባዊ ዓቕሚ ብምዕሩይ ዕድላት ዘአንግድ፥ ንባህርያዊ ሃብታ ድማ ብዝተወደነ ኣገባብ ናብ ረብሓ ዝበዝሐ ሓፋሽ ዝመልስ ውርጹጽን ተሓታትነት ከየፍረሖ ትካላውነት ዘቐድምን ምሕደራ የድሊ። ሓንቲ ሃገር እትምርሓሉ ቁጠባዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ኣመጻጽኣን ባህላዊ እልሞን’ቶም ዝነብሩዋ ሕብረተሰባት ክምርኮስ ወድዓዊ ጥራይ ዘይኮነ ግድን’ዉን እዩ። እቲ ምንታይ ንናይ ምንብባር ባህሊ፣ ባህሪን ዝምድናን ሕብረተሰባት ረሲዑ ዝሕንጸጽ ሃገራዊ ቁጠባዊ ስነ-ሓሳብ ካብ መሰረቱ ኣዕናዊ ስለዝኸዉን።
ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ሽማግለታት ጸቢብ ጉጅለ ፣ ካብ ፈለማኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ዝኣወጆም ወራራት ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ግንባራት ሃገርና እዩ ከፊትዎም። ብፍላይ ዱልዱል ቁጠባ ከምዘይህሉ ገይርካ ህዝቢ መነባብሮኡ ሓሲሙ ናብ ዓበይቲ ሃገራዉያን ኣርእስታት ከየስተብህል ዝብል ሓሳብ፣ ካብቶም እዚ ጉጅለ ካብ እዋን ናጽነት ናብ ተግባር ክቕይሮ ግዜ ዘይወሰደሉ ናይ ከይሲ ሓሳባት እዮም። ህግደፍ ብመንገዲ’ቲ ክሳዕ ዝደልዎ ዝጉልበቦ ዝነበረ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ “ሕዉስ-ቁጠባ” ከም መርሓ ሃገራዊ-ቁጠባ ኽኸዉን ኣዊጁ። እዚ ዝተገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኣብ ቁጠባ ሃገር ኢዱ ከእቱ ክኽእል እሞ፣ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ካብ ዝነኣሰ ክሳዕ ዝዓበየ ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ቊጽጽሩ ንምእታዉ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ መንግስትነት ተጎልቢቡ ኢዱ ዘእተወሉ ሃገራዊ ቁጠባ ድማ እነሃለ ሕጂ ንሃገርን ህዝብን ኣጸምሊዉ መኣዲ ውሑዳት ኮይኑ። “ነጻ-ዕዳጋ ፉቁድ’ዩ”፣ “ብሕታዊ ጽላት ቀንዲ ጸዓት ንድልዱል ሃገራዊ ቁጠባ’ዩ”፣ “መንግስቲ ኣብ ቁጠባ ኢዱ ከስሉዂ ሞራላዊ ይዂን ሕጋዊ ግዴታ የብሉን”፣ “ወፍሪ ብንኡስ ይዂን ብግዝፊ ፉቁድ’ዩ”ን ካልእን ዝብሉ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ዝደጋገሙ ዝነበሩ ዘርባታት ሕጂ ኣብ መበል 28 ዓመታት ‘ዘቤታዊ መግዛእቲ’ ንገምግሞም። ኣብ ውሽጢ’ዘን ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ስኢኑ ኽንሱ ሃገሩ ግና ልዕልናኣ ኸይትስእን ዝቃለሰልን ዘሎ ዓመታት ናጽነት ብዘይካ ብመሓውራት ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ዝዉንነን ንቁጠባን ኣብ ቁጠባን ሃገር መሪሕ እጃም ዘለወን ኣካላት ኣለዋ’ዶ፧ ምስ ዓቕምን ደረጃ መነባብሮን ዜጋታት ዝላፈና ብሕታውያንን ማሕበራውያንን ባንክታት ከምኡውን ባንካዊ ስርዓት ወኒንና’ዶ፧ ንማያዉን መሬታዉን ጸጋታትና ብዝግባእን ንመጻእቲ ወለዶታት ብዘየ-ዕዲን ኣገባብ ዝብርብር ሞያውነት ዝገዝኦ ቁጠባዊ ትሕተ-ርጺ ተሰሪቱ’ዶ፧ ትካላውነት ዝመርሖ ባጀታዊ ስርዓት ተንጺፉ’ዶ፧ ፈለማ ተሓንጺጹ ሃገራዊ ባይቶ መኺሩሉ ተግባራዉነቱ ዝስራዕሞ ጉድለቱ ፈራዲ ኣካል ብዝምርመሮም ማክሮን ማይክሮን-ፖሊሲታት ዲና ንምራሕ ዘሎና፧ ብልሽዉናን ብከላን ዝቕይድ ምእኩል ናይ ኦዲት መርበብ ተዋሒሱ’ዶ፧ እቲ ዝሕተት መልሱ ግዳ ኣሉታ ዝኸዉን ዕማማት ኣዚዩ ብዙሕዩ። ብመሰረቱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንፖለቲካዉን ማሕበረ-ቊጠባዉን ህይወት ሃገር ንዕኡ ብዝጥዕሞ ትሕተ-ቅርጺ ጸቒጡ ጥር ዝበለት ጸጋ ሃገርን ካብኣ ዝርከብ ኣታዊን ናብ ማሕፉዳኡ ንምእታው ይሰርሕ ስለዘሎ ፥ ኤርትራ ኣንኳይ ዘደላድላ ቊጠባ ክዉን ክትገብር ህዝባ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘብሎ ቊራቦ ዘይትቕርብ ሃገር ኮይና ትርከብ ኣላ። ምድሪን ባሕሪን እዛ ሃገር ሓቚፍዎም ዘሎ መዓድናዉን ጸዓታዉን ጸጋታት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተጸኒዑን ተቐሚሱን ክንሱ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ምልኪ መሓዉሩ ክሳዕ ዘኑዉሕ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣስቂጡ ጸኒሑ፥ ሕጂ ቊዋማውነትን ትካላውነትን ዘይተስተንፍስ ሃገር ክዉንቲ ምስ ገበረ መዓድናታ ከምዝደለዮ ይምሕዎ ኣሎ። መዓድናዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ስሩት ቊጠባዊ ድኻማት ህዝባ ክንደይ ምሓገዘ ነይሩ። እዚ እንተኾይኑ ግና ብዛዕባ ቁራቦ-ንኸስዐ ጥራይ ዘቕልብ ዘይኮነ ብዛዕባ ገዘፍቲ ሃገራዉያን ሕቶታት ዝግድል ህዝቢ፤ ብ ቀረብ ቆሎ በርበረን ቁራጽ-ጨርቅን ዝሻቐል ዘይኮነ ኣብ ዞባዉን ኣህጉራዉን ዉድድር ዝኣምን ዕዳጋ ምፍጣር ስለዝኸዉን ፣ እዚ ኩነት እዚ መሊዂ ንኽነብር ዝህቅን ጉጅለ ዘዋጽኦ ኣይኮነን። ካልእ ፣ ኣቀማምጣ ኤርትራ ኣብቲ ዝጸዓቐ ንግዳዊ ምትሕልላፋት ዘአንግድ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ብምህላዉ ፣ እዛ ሃገር ሓለፋ ረብሓታት ዝተጸገዓ ሃገር እያ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ነቲ ነጻዩ ኢሉ ኣብ ፈለማ ዝመደረሉ ዕዳጋ ሻቡ ቆሊፉ ፥ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምምስራት ዝተዛዘመ ንድፊ ንከባቢ 20 ዓመታት ኣደስኪሉ፣ ከምኡውን ጸጋታት ባሕሪ ብደቂ ሃገርን ብዕዳጋ ወጻኢን ከምዘይቅረብ ገይሩ ወደባትና ሓዪሩ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣሞ ወደባትናን ማርሳታትናን መቚሹሽ ንዝቕርቡሉ ሰብ-ማዕዶ ከፊቱ “ካብኡ ኣይትሕለፉ ድላለይ ኪገብርየ!!” ይብለና ኣሎ። ህግደፍ ነቲ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ህዝብና ቀጻልነቱ ዘዉሕሰሉ ጽላት ሕርሻ ክሳዕ ክንደይ ቀቲሉዎ ኣሎኸ ንፈልጥ ዲና፧ ብንጹህ ዕላማ ዘይነቐለ መደብ ጥሙር ማሕረስ ኣብዚ እዋን እዚ ንዝበዝሐ ብ ሕርሻ ዝናበር ህዝብና ኣበይ ኣዉዲቚዎ ኣሎ፧ ብዝምዕብል ደረጃ እቶት ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ ክብርኽ ዝነበሮ ሓረስታይ ሃገርና በዚ መስርሕ እዚ ከይሓልፍ ተገይሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣይ ዝነበሮ ሒዙ ኣይ ናብ ካልእ ሰጒሙ መጻወቲ ሕርሻዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ይኸዉን የለን ዲዩ፧ ኣብዚ እዋን እዚ መሬትካ ብትራክተርና ክንሓርሶ እቶትካ ንሕና ብዝሰራዕናዮ ዋጋ ናባና ትሸጦ ዘይበሃል ሓረስታ ኣሎ ዲዩ፧ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲቲ ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ-ባሕሪ (09) ኢሉ ዝጽወዖ ናይ ገበነኛታት ሰብ-ንዋት ኣካይዳታት ዝኽተል ነጋዲ ኣካሉ፡ ካብ ዝነኣሰ ክሳዕ ዝዓበየ ቊጠባዊ ንጥፈታት ሃገር ተቖጻጺሩዎ ኣሎ። እዞም ክብ ኢሉ ክዝረበሎምን ክስትንተነሎምን ዝጸንሑ ውድቀታት ኣብ ሃገራዊ ቊጠባ እምበኣር ንኩሉ ዓይነታዊ ኣካይዳታት እዚ ነጋዲ ኣካል ኣብ ውሽጢዘን 28 ዓመታት ናጽነት ምስ እተጽንዕ ክጎልሑልካ ዝድንጉዩ ኣይኮኑን። “ድጎማ” ዝብል ኣስዳዒ ቅጽል መሪጹ ንኡስ ኣካል ናይቲ ካብ ሃገራዊ ግምጃ ብከዉሊ ዝምጸዎ ዘሎ ኣታዊታት ብምውጻእ ዘይቲን ሽኮርን ስለዝቐረበ መንግስቲየ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ እምበኣር ፥ ዕድመ ሓደን ፈረቓን ወለዶ ናብ ሕሰም ኣውሪዱ ካብ መጻእቲ ክሳዕ ሰዓብቲ ወለዶታት ኣብ ዕዳን ድኽነትን ኽሸምም እዩ ዝሰርሕ ዘሎ እሞ ፣ እቲ ንሕና ከም ህዝብን ሃገርን ክንሓስቦን ክንገብሮን ዝግባእ ሕጂ ይዂን።