ብ 24 ግንቦት ናይ 2016 ፡ “ንስኻ ልዕሊ 13,000 ሰባት ናብ ኤውሮጳ ዘስገርካን ብህይወት እቶም ኣብ ማያት
ላምፔዱዛ ዝሃለቚ 368 ስደተኛታት እትሕተትን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ኢኻ፡” ተባሂሉ ካብ ከተማ ኻርቱም ተዓፊኑ
ናብ ጥልያን ዝተወስደ ኣብ’ቲ እዋን ወዲ 26 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ጉዳዩ ብኣጉላዊ
ፍርዲ ክዓርፍ ተወሲኑ ኣሎ።
መንእሰይ መድሃኔ ስሙ ምስ’ቲ ዝድለ ዘሎ ዕሉል ገበነኛ ጥራይ ስለዝመሳሰል፡ ሃገራዊ ትካል ምቅላስ ገበን ብሪጣንያ
(NCA) ዝኣከቦ ዘይርጉጽን ህውኽን መርትዖታት ምስ ሰብ-መዚ ጸጥታ ጥልያን ድሕሪ ምክፋሉ ፡ መድሃኔ
ተስፋማርያም ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ከምዝቕየድ ተገይሩ ሻቡ ብፍልይቲ ነፋሪት እዩ ናብ ዓዲ-ጥልያን ተወሲዱ።
እቲ ግዳይ ተዓፊኑ ካብ ዝተወስደላ ሰዓት ብዙሓት ብመርበብ እቲ ሓቀኛ ገበነኛ ዝኾነ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ
ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ናይ ምእሳር ስጒምቲ ኣብ
ልዕሊ ኻልእ ሰብ ተፈጺሙ ከምዘሎ፥ ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ እቲ ንዕኦም ዘስገሮም መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ከምዘይኮነ፤
እቲ ግዳይ ድማ ሰላማውን ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝሰገረ ሓድሽ ስደተኛን ምዃኑ ብቐጥታ ኽምስክሩ
ጸኒሖም እዮም።
በዓልቲ ቤቱ ነቲ ዝድለ ዘሎ ገበነኛ ዝኾነት ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ገለ ክፋል ናይ ኤውሮጳ እትርከብ ሊድያ ተስፉ
ዝተባህለት ጓል 24 ዓመት ኤርትራዊት ስደተኛ እዉን እቲ ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ እቲ ትፈልጦ ኣቦ ውሉዳ ከምዘይኮነ
ንኣኽበርቲ ሕጊ ከተማ ፓሌርሞ ኽትምስክር እንከላ፡ እቲ ካብ ዝድለ ዘሎ ገበነኛ ዝወለደቶ ቆልዓ ውሉድ እቲ ብጌጋ
ተኣሲሩ ዘሎ ግዳይ ከምዘይኮነ ንምርግጋጽ ናይ ዲ.ኤን.ኤ ምርመራ ኽካየድ ንዘርኣየቶ ቅሩብነት በቶ ኣኽበርቲ ሕጊ
ተነጺጉ እዩ።
ስድራቤት እቲ ግዳይ እዉን ወዶም ገበነኛ ከምዘይኮነን ብይመስል ተኣሲሩ ከምዘሎን ዘረጋግጽ እኩል ሰነዳት ብመንገዲ
ጠበቓ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣቕሪቦም ክንሶም ፡ እቲ ጉዳይ ብቐጻሊ ክንጸግ ጸኒሑ። ልዕሊ 40,000 ሰባት ኣንጻር እቲ
ግጉይ ማእሰርቲ ኽታሞም ዘስፈረ ሰነድ እዉን ናብ መንግስቲ ጥልያን ኣቕሪቦም እዮም ። እዚ ኹሉ ዘይስገር
መርትዖታት እንዳሃለወ ግና ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፓሌርሞ ክሳዕ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት፡ ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ
ገበነኛ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ከምዝኾነን ክሳዕ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ኸምዝግብኦን እዩ ክታረኽ ጸኒሑ።
እቲ ኣኽባር ሕጊ ንምንታይ ንኽንድዚ ዓመታት ንሓደ ርኡይ ጌጋ ሓቂ’ዩ ኽብል ጸኒሑ ንዝብል ግድል ብዙሓት ወገናት
ዝተፈላለዩ ትንተናታት ይህብሉ ኣለው። ነቲ ፍርዳዊ መስርሕ ብቐረባ ኽከታተልዎ ዝጸንሑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፡
መንግስታት ብሪጣንያን ጥልያንን ነቲ ካብ መሰረቱ ዘይብሱልን ህውኽን ዝነበረ ዕፈና ግጉይ ገበነኛ ኣቐዲሞም ብዙሕ
ዝለዝተዛረብሉን ዝተነየትሉን፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣሕፊርዎም እቲ ጉዳይ ኣናዊሕካ ከምዝርሳዕን ኣብ መስርሕ ፍርዲ
ገለ ጫሌዳታት ፈጢርካ ነቲ ብጌጋ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ሰብ ኣብ ምስግጋር ሰባት ገለ ኢድ ከምዝነበሮ ኣምሲልካ
ንምፍናውን ዝተተልመ ምዃኑ ይዛረቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ኤሪሳት
ገለ’ውን ፡ ላዕለዎት ኣባላት መንግስቲ ጥልያንን ሃገራዊ ትካል ምቅላስ ገበን ብሪጣንያን እቲ ዝድለ ዘሎ ገበነኛ ኣብ
ከም ኡጋንዳን ካልኦት ከባቢታት ኣፍሪቃን ከም ድላዩ ይንቀሳቐስ ምህላዉ እንዳፈለጡ ግጉይ ሰብ ሱቕ ኢሎም ኽኣስሩ
ምምራጾም፡ ምስ’ቲ ቀንዲ ገበነኛ ናይ ረብሓ ዝምድና ኸምዘለዎም ዘተንብህ እዩ ይብሉ።
እዚ ስለዝኾነ ፡ እቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከተማ ፓሌርሞ ናይ ደሴት ስሲሊ ንሰለሰት ዓመትን ክልተ ወርሕን ብግዜጋ
ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ብ12 ሓምለ ኣብ ዝተኼደ መጋባእያ ጉዳዩ ቄናን ፍርዲ ተዋሂብዎ
ኣሎ። “እቲ ቀንዲ ገበነኛ ንስኻ ኣይኮንካን፡ ግና ሓደ ዘመድካ ናብ ኤውሮጳ ኽሰግር ስለዝተሓጋገዝካ ንእሽቶ ገበን
ረኺብናልካ ኣሎና። እዚ ገበን ን 5 ዓመት ዘፍርድ’ኳ እንተኾነ ዝተኣሰርካዮ ግዜ ተራእዩ ብከፊላዊ ምሕረት ነጻ
ኢልናካ ኣሎና። ድሕሪ’ዚ ግና ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲን መጥረዝቲን ኽጽበየካ’ዩ ፡” ዝብል ቄናን ፍርዲ።
እቲ ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ብዱል መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ክወሃብ ዝነበሮ ኩሉዓይነታዊ ኻሕሳ ንምብራዝ
ዝተኣልመ መህደሚ ምዃኑ ዝተቐሰ ጠበቓኡ ኣቶ ሚኬለ ካላንትሮፖ፡ ብቐጥታ ናይ ይግባይ ጠለብ ክቐርብ ከምዝኾነ
ኣረዲኡ ኣሎ።
መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ድሕሪ’ቲ ነጻ ኢኻ ዝብል ውሳኔ ሻቡ ብኣባላት ጸጥታ ከተማ ፓሌርሞ ናብ ሓደ
ስደተኛታት ቅድሚ ምጥራዞም ዝዳጎኑሉ መጻንሒ ማእከል እዩ ተወሲዱ ዘሎ።