ERISAT: ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ / ሰላማዊ ሰልፊ ምእንቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ/
እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት መርኣያ እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክገብሮ ዝጸንሐ ምትእትታውን ከካይዶ ዝጸንሐ ዘመተን፡ ©ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መስርሕ ማዕረጎም ገፊፉ ንልዕሊ 14 ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝግበር ጣልቃ ምትእትታውን ህዝቢ ብኹሉ ሸነኻት ክኹንኖን ተቓውምኡ ከስምዕን ጸኒሑ ኣሎ። እምበኣር ከም መቐጸልታ ናቱ ኣፍ ግፉዓትን ዓባሳትን ንኹን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዘ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተኻይዱ ኣሎ። ቴሌቪዥን #ERISAT ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺባ ነቲ ኣጋጣሚ ሰኒዳቶ ኣላ ናብቲ ጸብጻብ ከሕሊፈኩም።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ምእንቲ ከምዚ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓበሬታ ናጽነት ክረክብ፡ ኤሪሳት 24 ሰዓት ናብ ኤርትራ ፈነውኣ ተሰናድእ። ናብ መደበር ቴሌቪዥን ሳተላይት #ERISAT ገንዘባዊ ድጋፍ ክትገብሩ ንእትደልዩ ወገናትና ዝምልከት በዚ ስዒቡ ዝቐርብ ኣገባብ ተኸቲልኩም ከተበርክቱ ከምትኽእሉ ንሕብር። ኣብዚ ዝስዕብ መስመር ብምጥዋቕ ክንሕግዝ ንኽእል????????
Option 1 https://3.141.12.135
Option 2 http://paypal.me/erisat
Option 3 http://gf.me/u/t4kv4w