ኣብ ሕ.መ.ኣ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣብ ጉዳይ ኣብ ጉዳይ ናይ’ቶም ክጥረዙ ተዳልዮም ዘለዎ ኣብ ሕ.መ.ኣ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሕጋዊ ሓገዞም ከበርክቱ ጻዉዒት ቀሪቡ። ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ክከታተሎ ጸኒሑን ዘሎን፡ ተጣባቂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኾነ ኣቶ ጆርጆ ገብርስላሰ ምስ መደበር ተለቭዥን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ፡ ነቲ ጻዊዒት ብዕሊ ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ሕብራት መግስታት ኣመሪካ ብርክት ዝበሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምጥራዝ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎን ድሮ እቲ መስረሕ ምጥራዝ ተጀሚሩ ከም ዘሎን ኣቶ ጆርጆ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርታት ንክስጎጉ ዝተወሰነሎም ብዙሓት ኤርትራዊያን ምህላዎምን፡ ናብ ኤርትራ እንተ ተጠሪዞም ግዳያት ናይ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ክኾኑ ክም ዝኾኑ ኣቶ ጆርጆ ብተወሳኺ ኣጠንቂቁ።
ካብ 2017 ክሳብ ሕጂ ጥርዓናት ብምቕራብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ብዙሕ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ከም ዝጸነሐን፡ ኣብዚ እዋን ድማ፡ እቲ ኩነታት ናይ ኩሉ በዓል ሕልና ተሳትፎን ጻዕርን ዘድልዮ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ ብፍላይ፡ ብቑልጡፍ ሓገዝ ክገብሩ ኣቶ ጆርጆ ጸዊዑ። ገለ ካብዞም ስደተኛታት ጉዳዮ ስኣን ኣስቶርጓምን ጠበቃን ጉዳዮም ዝተነጽገ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ግና ምስቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን እትዮጵያን ተኣሳስሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከም ዝተወሰነ ኣቶ ጆርጆ ኣረዲኡ። እዞም ኤርትራዊያን ናብ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ተጠሪዞም ክጋጥሞም ዝኽእል ኣደራዕ ንምግማቱ ከቢድ ምዃኑ ብተወሳኺ ናቢሩ። ክሎም ጉዱሳት ኤርትራዊያን፡ ንወከልቲ ክፍለ ሃገራቶም ብምድዋልን ደብዳቤታት ብምጽሓፍን ፡ ከምኡ’ውን ንሕጋዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ክበርክትሉ ዝኽእልሉ መንገዲታት ከናድዩ ኣቶ ጆርጆ ኣተሓሳስቡ። ነዚ ኣብ ምግባር ዝሕግዝ ሰነድ ተዳልዩ ከም ዘሎ’ውን ኣቶ ጆርጆ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኤሪሳት ድማ ነቲ ሰነዳት ናብ ህዝቢ መታን ክበጽሕ ምስ’ዚ ዜና ኣካቲትናዮ ኣለና። ኣብ’ዚ ብምጥዋቕ ድማ ነቲ ሰነድ ክትረኽብዎ ከም ትኽእሉ ንሕብር።