ኣብልዕሊ ጋዜጠኛን መስራቲ ኣሰና ፋውንዴሽን ኣማንኤል እያሱ ዝተገብረ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነ ጎነጽ ኤሪሳት ብትሪ ትኹንን።
እዚ ፈተነዚ ስርዓት ህግደፍ ኣበየናይ ባይታ ከምዝበጽሐ ዘነጽር ጥራይ ዘይኮነ ካብ መሰረቱ መሰል ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ዘየፍቅድ ስርዓት ምዃኑ ኣጸቢቑ ዘረጋግጸልና ናይ ቃልዕ ሓቂዩ። ኣብ ልዕሊ ሚድያ ንዝግበር ዝኾነ ዓፈናን ኮነ ንተዋሳእቲ ናይዚ ትካልዚ ዝግበር ናይ ምፍርራህ ስጉምቲ ንመሰል ሚድያ ከምዘይዕንቅፎን እኳ ደኣ መሊሱ ዘተባብዕን ፍናን ናይ ስራሕ ዘራጉድ ምዃኑ ክርድኡልና ይግባእ።
ንኹቡር ሓውናን መቓልስትናን ዝኾንካ ኣማንኤል ኣሰና ኣብዝኣመንካሉ ናይ ፍትሒን ሓርነትን ጉዕዞ መሊስካ ናህርኻ ክትውስኽን ኣብዝኾነ ጉዳያት ኣብጎንኻ ከምዘለና ብሽም እቲ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና ቃል ንኣቱ !!

ዓወት ንደለይቲ ሓርነት
28/11/2019
ERISAT