ፈለማ ነዛ ‘ፖለቲካል ረሀቶሪክ’ ትብል ቃል ኣብ ኣምሓርኛ ‘ትርክት’ ይብልዋ ኣለዉ፡ ብትግርኛ እንታይ ከምትበሃል ስለዘይፈለጥክዋ ‘ፖለቲካዊ ሰበኻ’ ኢለያ ኣለኹ-ንጊዜኡ። ካልእ ዝሓሸ ቃል እንተረኺብናላ ክንዝትየላ ይከኣል እዩ። እምበኣር ናብቲ ትሕዝቶ ንንቀል።
ኣብ 2008 ባራክ ኦባማ ንኽምረጽ ኣብዝገብሮ ዝነበረ ምርጫ ኣብ ከባቢ ደንቨር ብዙሕ ተቐባልነት ኣየርከበሉን ዝነበረ፡ “እቲ እንኣምኖ ለውጢ እዩ።” ዝብል ጭርሖ ኣልዒሉ ምረጹኒ ምባልን ካብቲ ኣብ ናይ ጸለምቲ ኣብያተ ክርስቲያናት እናሰምዖ ዝዓበየሉ ቃና ቃላትን ኣበሃህላን፡ ኣብ ስምዒት ተኸተልቱ ክንዮ ግዚያዊ ሙቐት ዝጭበጥ ኮይኑ ኣይተረኽበን ስለ ዝነበረ እዩ። ንኽትሰምዖ ዘወናውን ፖለቲካዊ ዘረባ ምዝራብ፡ ወይ ድማ ካብ ርሑቕ ኣብ ባይታ ክርኤ ዝኽእል ጭቡጥ መብጽዓ ምምራጽ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሰበኻ ወይ ናብ ረብሓኻ ወይ ብኣንጻሩ ዝወስደካ መገዲ እዩ።
ጎራሓት ፖለቲከኛታት ብጋዘጠኛታት ይኹን ብኻልኦት ንዝሕተትዎ ሕቶ ብቐጥታ ኣይኮኑን ዝምልሱ፥ ነቲ ዝሕተትዎ ሕቶ ዘይኮነስ ነቲ ሕቶ ቐይሮም ንኽሕተትዎ ዝደልዩ ሕቶ ብምግባር እዮም ዝምልሱ። እዚ ኣብቲ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝመሓደር ሕብረተሰብ ክሰርሕን ከስርሕን ዝከኣል ነገራት እዩ። ኣብ ከም ናይ ዓድና ኩነታት ዝበለ፡ ህዝቢ ንለውጢ፡ ንድሕረትን ጸቕጢን እምቢ ንኸብል ዝለዓል ፖለቲከኛ ይኹን መራሒ ሕብረተሰብ እንታይ ቋንቋን ኩነታትን ተጠቒሙ እዩ ሓያል ምልዕዓል ክፈጥር ዝኽእል? ንዝብል ሕቶ ከይተመለሰ፡ ዝግበር ንጥፈታት ብዋዒ ስሚዒት ነዲዱ ቀልጢፉ ናብ በረድ ዝቕየር እዩ ዝኸውን።
ሳላ ማሕበራዊ መዲያ ሎሚ ዓለም ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ እዋን ተኸተልቲ ንምፍጣር ግዜን ጂኦግራፊያዊ ራሕቂ ኣይእግድን እዩ። እቲ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ጀዋር መሓመድ፡ መዲያ ተጠቒሙ፡ ኣብ መላእ ኦሮሚያ ንዝርከብ ህዝቢ ዱኳኑ ክዓጹን ካብ ገዛኡ ከይወጽእን ዉሑዳት ቃላት እንተፈንዩ ኣብተግባር ክውዕል ተራእዩ እዩ። በዚ ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ መኣዝን ክትከይድ ኣኽኢሉ እዩ። እዚ ዝኾነ ከምቲ ኣብ ሱሳታት ኣቦታትናን ኣያታትናን ዝገብርዎ ዝነበሩ ብረት ዓጢቑ ስንቂ ሰኒቑ ናብ ሜዳ ከይወረደ ብሓንቲ ኮምፑተር ዝግበር ቃልሲ እዩ።
ህዝቢ ንለውጢ ንኽለዓዓል ክልተ ባእታት የድልዩ፡- 1. ኩነታትን 2. ሰበኻታት ፖለቲካ መራሕቲ ንለውጢን እዮም። ኣዚዩ ዘሰምብድ፡ ዘየደቅስ ኩነታት ምስዝኽሰት ህዝቢ ናብ ሓደ ስምዒት’ዩ ዝኣቱ፥ ነቲ ኩነታት ኣንቢቡ ናብ ተግባራዊ ለውጢ ዝኣሊ ናይ ፖለቲካ ስብከት እንተዘይረኺቡ ግና ህዝቢ ኣብ ናይ ውልቁ ዓለም ይኣቱ’ሞ፡ እቲ ዝተፈጥረ ደፋኢ ሓይሊ ብዘይፍረ ይቕምስል። ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተሓሒዙ ከምዝኸይድ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ኩነታት ጭቡት መርትዖ እዩ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ ሲዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት መደርቲ ፖለቲካ ኣብ መዲያ እናወጹ ነቲ ኩነታት ነናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ተራእዮም። ኣብ ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ‘ፖለቲከኛታት’ ዝበሃሉ ነቲ ህዝቢ ናብቲን ናብዚን ከወዛውዝዎ ርኢና ኢና።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ለውጢ፡ መንቀሊኡ እቲ ፖለቲካዊ ጸገማት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሓይሊ እኳ እንተኾነ ነዚ ጸገማት ህዝቢ ናብ ጭቡጥ ለውጢ ንኽቕየር ግና ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣማእዘንቲ ብማሕበራዊ መዲያ ነቲ ህዝቢ ክለዓልን ለውጢ ከምጽእን ጎስጓስ ስለዝገበርሉ እዩ። እቶም ነቲ ከም ዓረ ተሪር ዝመስል ብወተሃደራዊን ጸጥታውን ኣብ ዞባና ሓያል ዝነበረ ኢሂወደግ/ህወሓት ብዘይ ተኹሲ ሓሸምሸም ከብልዎ ዝኸኣለ፡ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። እቲ መንግስቲ/ውድብ ብውሽጡ ምፍርኻሹ፡ እቲ ዉዱብ ብዝወስዶም ዝነበረ ፖሊሲታት፡ መረረ ህዝቢ ሰማይ ምዕራጉን ክጥቀሱ ዝኽእሉ ጠንቂታት እኳ እንተኾኑ፡ ነዚ ኩነታት ናብ ተጨባጢ ለውጢ ዝቐየረ ግና እቲ ብተጣበቕቲ ፖለቲካ ማሕበራዊ መዲያ ተጠቒሞም ነቲ ህዝቢ ክለዓዓል ጽዑቕ ፖለቲካዊ ሰበኻ እዩ።
ኩሉ ፖለቲካዊ ሰበኻ ግና ኣድማዒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሓደ ፖለቲካዊ ሰበኻ ኣድማዒ ንክኸውን ገለ ነጥቢታት ክማልእ ኣለዎ፡ ገለ ካብኡ፡ እቲ ንህዝቢ ንምልዕዓል ዝግበር ጎስጓስ፦
– ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብግቡእ ኣንቢቡ መልሲ ንኽረክብ ምግላጽ (መበገሲኡ ፖለቲካዊ ብልሽውና እኳ እንተኾነ ብጥምየት ንዝመውት ዘሎ ህዝቢ፡ ብዛዕባ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፊ እንተዛሪብካዮ፡ ቅድም ሓንቲ ባኒ ሃበኒ እሞ ብዛዕባኡ ክሓስብ ክጅምር እዩ ክብለካ። ስለዚ ኣብ ዓድና ብዙሓት ሰልፊታት የድልየና ኣሎ ኢልካ ሰልፊ ውጻእ ዘይኮነ ዝበሃል፡ ሓረስታይ ሓሪሱ እኽሊ ክረክብ ግቡእ ናይ መንግስቲ ደገፍ ንምግባር ሎሚ ኩላትና እንተዘይተላዒልና ዝመጽእ ክራማት ኩላትና ክንጸንት ኢና። በዚ ድማ ነዚ ንምምጻእ ናብ ዝግበር ፖለቲካዊ ለውጢ ተማእዝኖ። እንተዘይኮይኑ ኣብዘይጭበጥ ክለሰሓሳባዊ ትንታነ ክትገብር አንተዓሪቡካ፡ “እዚኦም ከኣ ኣርኪቦም” ጥራይ እዩ ዝብለካ።
–
– ግብራዊ ስጉምቲታት ምእማት፡ ንሓደ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ጸጥታ መቑረንቲ ዘሎ ህዝቢ፡ ናብ ጽርግያ ወጺእካ ቁጠዐኻ ግለጽ እንተኢልካዮ፡ ሓደው “ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣብ ሓዊ ምጥባስ ትከኣል እንተኾይናስ ንዓ ባዕልኻ ፈትና” ክብለካ’ዩ ወይውን፡ ዉሑዳት ድፍረት ዝረኽቡ ከምዝጥበሱ ትገብር እሞ ዳግማይ ክግበር ከምዘይከኣል ኢኻ ትምህሮ። ኣብዚ ኩነታት እምበኣር እቲ ብህዝቢ ዝውሰድ ስጉምቲታት ዝበሃል ፖለቲካዊ ሰበኻታት ክግበር ዝከኣል ምዃኑ ኣጽኒዕካ እዩ ክበሃል ዘለዎ።
–
– ንኹነታት ኣጽኒዕካ ናብ ሰበኻኻ ቀዪርካ ምጉዓዝ። ወጽዓን ዓመጽን ኣብዘለዎ ወትሩ ንህዝቢ ዘለዓዕሉ ሰበኻታት ፖለቲካ ኣይሰኣኑን እዮም። ንኣብነት እሱራት ፖለቲካ ምስዝህልዉ ኣብ ዓመታዊ ማእሰርቶም ብዛዕባኦም ጽዑቕ ጎስጓስ፥ ፍሉይ ነገራት ክፍጸሙ ከለዉ ድማ ነቲ ኩነታት መመሊስካ ከምዝዝረበሉን ከምዝጎልሑን ምስዝግበር ህዝቢ ነዚ ኩነታት ሸለል ኢሉ ክሓልፎም ኣይክእልን እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ተደጋጋሚ ፍጻመታት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ምዝራብ ፖለቲካዊ ሰበኻ ፈጢሩ፥ ቀጻልነት ዘለዎ ምልዕዓላት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
–
– መወዳእታ ዕላማ ናይዝኾነ ተቓዉሞ ንዓመጽ ደው ንምባል ክሳብ ዝኾነ፡ ብጎኒታት ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሕብሪታት ሒዞም ምስዝንቀሳቐሱ ምጉናጽ ኣየድልን እዩ። እዚ ከምዚ ነገራት ሓይሊኻ ዘዳኽም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ገሊኡ ነጻነት ድልየታት ናይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ምጉዕጻጽ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ሰበኻ፡ ንስምዒት ዘረሳስን ግዚያዊ ዋዒ ዝፈጥር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሱል፡ ንድሌትን መረረን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ዝወስድ ፖለቲካዊ ሰበኻ እቲ ኣማራጺ ዘይርከቦ መገዲ ንምልዕዓል ህዝቢ ኣንጻር ዓመጽ እዩ።
በየነ ሰመረ
27/11/2019