ርእሰ ምምሕዳር ክፍለ ሃገር ተክሳስ፤ ግረግ ኣቦት፡ ናብ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕ.መ.ኣ ማይክ ፓምፐዮ፡ ብዓርቢ ዕለት 10 ጥሪ 2020 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፤ እታ ክፍለ ሃገር ኣብ’ዚ ሕዝናዮ ዘለና ዓመት ዝኾነ ጠለብ ሰፈራ ስድተኛታት ከምዘይትቅበል ኣፍሊጡ። ድሕሪ ቲ ክፍለ ሃገራት ኸምዚ ዝበለ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስልጣን ብምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ምውሃቡ፤ ነዚ ናይ ስደተኛታት ሰፈራ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ተክሳስ ፈላሚት ኮይና ኣላ። ርእሰ ምምሕዳር ክፍለ ሃገር ተክሳስ ግረግ ኣቦት ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕ.መ. ኣመሪካ፤ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳ፤ ክፍለ ሃገሩ ካብ 2010 ጀሚራ ካብ ካልኦት ክፍለ ሃገራት ሕልፊ፡ ስደተኛታት ክትቅበል ዝጸነሐት ከም ዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዝናዮ ዘለና ፋይናንስዊ ዓመት 2020 ዝኾነ ፈላሚ ጠለብ ሰፈራ ስደተኛታት ንምቕባል ተክሳስ ፍቃደኛ ከም ዘይኮነት ሓቢሩ።

ገረግ ኣቦት ብተወሳኺ፤ እዚ ውሳኔ ስደተኛታት ናብ ናብ ሕ.መ.ኣ ንምምጻእ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፍለ ሃገራት ሰፊሮም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ተክሳስ ካብ ምግዓዝ ከም ዘይዓግት ኣፍሊጡ።