ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተመስሪቱ

ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ስነ ጥበበኛታት ኤርትራ ኣብ ሃገረ-ስዊዘርላንድ ከተማ ግሪንከን ካንቶን ሶሎቶርን ድሕሪ ዘካየድዎ ቀዳማይን መስራቲን ዋዕላ ሎሚ 21 ለካቲት 2020 ‘ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ’ መስሪቶም።

እቲ ገዳይምን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ፈለሚ ዋዕላ፡ ክልተ ዓንዲ ሕጊን ራእን ዕላማታትን ዝሓዘለ  መወከሲ ሰነዳት ክቐርብ እንከሎ  ተሳተፍቲ ኣብ ዲሞክራስያዊ መትከላት ዝተሃንጸ ሰፊሕ ዘተ ክተዓትን ልዝብን ብምክያድ ኣብቲ ሰነዳት ምምሕያሻትን ብምግባር ቅዋም ኣጽዲቑ።

በቲ ዝጸደቐ ዓንዲ ሕጊ መሰረት ድማ፡ እቲ ጉባኤ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን 4 ተጠባበቕትን ብምምራጽ፡ ህዝቢ ዝተሳተፎ ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ብምእንጋድ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ጉባኤ’ዚ ዕውት ንኽኸውን፡ ብዝተፈላለየ ዓቕምን ኣበርክቶን፡ ተርኦም ንዝተዋጽኡ ኩላቶም ኣካላት፡ ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ፈጻሚት ሽማግለን ተጠባበቕትን መርሃዊት ኪዳነ፡ ዓንዲት ዑቕባይ፡  ፍጹም በራኺ፡ ሰናይት ሓድሽ፡ ሮሞዳን ሺፋ፡ ክፍሎም ይከኣሎ፡ ሃይለ ገዙ፡ ተመስገን ያሬድ፡ ግርማይ ተኽለማርያም፡ መሓመድ ኣቡበከርን ኣማን ብርሃነን እዮም። ኣብ ነንሕድሕዶም ኣኼባ ብምግባር ድማ ኣቦ/ኣደ ወንበርን ካልእ ሓላፍነታትን ክመቓርሑ እዮም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣባል ኣወሃሃዲት ኮሚቴ መርሃዊት ኪዳነ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ዋዕለኛታት እቲ ኣኼባ ክውን ክኸውንን ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝገበርዎ ውልቃዊ ተበግሶን ብምምስጋን ስነ ጥበበኛታት ሕድሕዳዊ ምውድዳርን ህልኽን ኣወጊዶም ንርሑቕ ብምጥማት ንህዝቦም ፍቕርን ሓልዮትን ፍትሕን ንኸንግሱ ክጽዕሩ ተላብያ። ከምቲ ርሑቕ መገዲ ብሓደ ስጉምቲ ዝጅመር ስነ ጥበበኛታት ድማ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ነቲ ፍትሓዊ ዝኾነ ጉዕዞ ለውጢ ብሓባር ክጅምርዎ ነቲ ብዙሕ ነገር ዝጽበ ህዝቢ ኣርኣያ ክኾንዎን ድማ ጸዊዓ።

ኣብቲ ኣኼባ ብሃራት ስነ ጥበበኛታት ናይ ክብሪ ዕዱማትን ተወልደ ረዳ፡ ኣብራር ዑስማን፡ መምህር ንጉሰ ••• ተረኺቦም ኔሮም። መምህር ንጉሰ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ከካይዱ ካብ ነዊሕ እዋን ይሓስብዎ ከምዝነበሩ ሕጂ ግን ሳላ ደቆም ክዉን ኮይኑ ኣብ ተግባር ብምውዓሉ ከምዘሐጉሶም ገሊጹ። ስነ ጥበባዊ ተወልደ ረዳ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ዋዕላ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶን መንእሰያት ኣቦታት ኣለዉና ዘማኽሩ ኢሎም ምሕሳቦም ብምምስጋን እታ ተበጊሳ ዘላ ማሕበር ቀጻልነታ ክረጋገጽ ኣብ ጎና ደው ከምዝብሉ ገሊጾም። ስነ ጥበባዊ ኣብራር ዑስማን ብወገኑ ስነ ጥበብ ማለት ፍቕሪ ውህደትን ምትእስሳርን ማለት ከምዝኾነ ብምግላጽ ስነ ጥበበኛታት ድማ ነዚ ብግብሪ ንህዝቦም ከርእይዎ ተላብዩ።

ዕላማ ባይቶ ስነ ጥበበኛታት ኤርትራ፡ ምዕቃብ ባህልን ክብረታትን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ምምዕባል ስነ ጥበብን ምሕላው መሰላት ስነ ጥበበኛን፤ ምህናጽ ስነ ጥበባዊ ትካላትን ክለባትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን፤ ኣብ ሓቅነት ምምርኳስን ወገን ህዝቢ ምሓዝን፤ ጎስጓስ ሕብረተሰብ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፤ መሰል ድርሰት ኤርትራዊ ስነ ጥበብ ምዕቃብ፤ ምምዕባል ዓቕሚ ስነ ጥበበኛታት  እዩ።

ባይቶ ማሕበር ስነ ጥበበኛታት ኤርትራ ካብ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ዓሌት፡ ጾታን ካልእ ፈላላይ ነገራትን ነጻ ኮይኑ ብኣንጻሩ ፍልልያት ብምውጋድ ንምዕባለ ስነ ጥበብ መላእ ሕብረተሰብ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።