ከም ቀደምኩም ኣዋርቕ ሕፈሱ ‼️

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፡5  ኣባላታ ሒዛ ናብ ርዋንዳ ኣትያ።

እቲ ካብ 23 ለካቲት ክሳዕ 1 መጋቢት ዝካየድ ዙር ርዋንዳ 2020፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኣሰልጣኒኣ ሳምሶም ሰለሙን ተዓጂባ ተበጊሳ ኣላ።

ዝርዝር ኣስማት ተቐዳደምቲ ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ፡

????‍♀️ሄኖክ ምሉእብርሃን

????????ናትናኤል ተስፋጽዮን

????????‍♂️ሲራክ ተስፎም

????????ዳዊት የማነ

????????‍♂️መሓሪ ተወልደ።

????????‍♀️ብዘይካዚ

????????‍♀️ቢንያም ግርማይ

????????መኽሰብ ደበሳይ

????????‍♂️መትከል እዮብ (ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ)

????‍♀️ዓወት ገብረመድህን

ንክለባቶም ወኪሎም ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ እዮም።

ከም ዝዝከር ኣብ 2009 ንፈለማ ጊዜ ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ውድድር ዙር ርዋንዳ ፡ኣብ 2010፡ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ውድድር 13 ክለባትን 3 ሃገራውያን ጋንታታትን ፡ብድምር16 ጋንታታትን ፡ 80 ተቐዳደምትን  ን 8  መድረኻት ዝሽፍን ዙር ርዋንዳ ክሳተፍኦ እየን።

ብሃገር ደረጃ ዝሳተፋ

ርዋንዳ፡ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ።

መደባት ውድድር ቱር ርዋንዳ።

ሰንበት ፡23 ለካቲት

1ይ መድረኽ፡

ኪጋሊ-ርዋማጋና-ኪጋሊ(114.4 ኪ.ሜ)

ሰኑይ፡ ለካቲት 24

2ይ መድረኽ፡

ኪጋሊ- ሁየ (120.5 ኪ.ሜ)

ሰሉስ፡ ለካቲት 25

3ይ መድረኽ

ሁየ-ሩሲዚ (142 ኪ.ሜ)

ረቡዕ፡26 ለካቲት

4ይ መድረኽ፡

ሩሲዚ-ሩባቩ (206.3 ኪ.ሜ)

ሓሙስ፡ለካቲት 27

5ይ መድረኽ፡

ሩባቩ-ሙሳንዘ(84.7 ኪ.ሜ)

ዓርቢ፡ለካቲት 28

6ይ መድረኽ፡

ሙሳንዘ-ሙሃንጋ(127.3 ኪ.ሜ)

ቀዳም፡ለካቲት 29

7ይ መድረኽ፡

ኪጋሊ- ናይ ውልቂ ግዜ ምዕቃብ (4.5 ኪ.ሜ)

ሰኑይ፡ መጋቢት1

8ይ መድረኽ፡

ኪጋሊ-ኪጋሊ (89.3 ኪ.ሜ)

 

ኣስታና ፕሮ ቲም፡ተባሂላ ትጽዋዕ ጋንታ፡ኣብ ናይ ዓሚ ውድድር ብመርሃዊ ቅዱስ ኣቢላ ተዓዋቲት ብጫ ማልያ ዝኾነት ሎሚ ዓመት ከም ዘይትወዳደር ተገሊጹ።