ሳተላይት ቴሌቭዥን ኤሪሳት እቲ ምስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ክትገብሮ ዝቐነየት ህዝባዊ ዘተን – ርክባትን ብዕለት 1 መጋቢት 2020 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ብዓወት ተዛዚሙ። እቲ ብዕለት 15 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ሲያትል ዝፈለመ ዑደት፥ ብኣባላት ቦርድ ኤሪሳትን፡ መሻርኽትን፡ መሳርሕትን ኤሪሳት ብዝኾኑ ዘካርያስ ክብረኣብ ካብ መስትያት ቤትና፡ ዮኤል ኪሮስ ካብ ፋኑስ ኔትዎርክ፡ ከምኡውን ዳንኤል ስዩም ካብ ኣስመራ ሾው እናተመርሐ ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ን11 ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ማለት ሲያትል፥ ኦክላንድ፥ ሎስ ኣንጀለስ፥ ላስ ቬጋስ፡ ዳላስ፡ ህዩስተን፡ ናሽቪል፡ ቻርሎት፡ ቦስተን፡ ኣትላንታ ከምኡውን ዋሽንግቶን ዲሲ ክበጽሑ ክኢሎም እዮም።

እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ኣድካምን ዕረፍቲ ዘይብሉን እኳ እንተነበረ ፡ በቲ ኣብ ነብሲወከፍ ከተማታት ዝግበረሎም ዝነበረ ድሙቕ ኣቀባብላ፡ ፍቕርን ሓልዮትን ግን ዝያዳ ሓይልን ፍናንን እናወሰኹ ክኸዱ ሓጊዝዎም እዩ፡፡ እቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣኼባታት ብተሳተፍቲ ዝቐርብ ዝነበረ ርይቶታት፡ ምኽሪ፡ ሃናጺ ነቐፌታትን ሕቶታትን ድማ ንኤሪሳት ካብዚ ዘላቶ ደረጃ ንቕድሚት ንኽትውንጨፍ ዝሕግዝን፡ ኣሉታዊን

ኣወንታውን ጎድንታትና ክነለሊ ዝሕግዝን ከምዝነበረ ክንገልጽ ንፈቱ፡፡

ብተወሳኺ ህዝቢ፡ ሳተላይት ቴሌቭዥን ኤሪሳት ድልድል መራኸቢት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ምዃና ብምእማን ካብዚ ዘላቶ ንኽትድንፍዕን ክትዓብን ምእንቲ ፡ ከምኡውን ድምጺ ህዝቢ ኾይና ዝያዳ ክተቃልሕን ብምባል ብርክት ዝበለ ገንዘብ ወፈያ ጌሩ፡፡ ( ምሉእ ዝርዝር ናይ ዝተዋጽአ ገንዘብ ምስናይ ከተማታቱ ክፍሊ ሕሳብ ኣጻፊፉ ምስሃበና ክንሕብር ምዃንና ንገልጽ)

ሳተላይት ቴሌቭዥን ኤሪሳት በቲ ህዝቢ ዘርኣየና ፍቕርን፡ ሓልዮትን በቲ ሓደ ወገን ፥ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ኤሪሳት ኣንቢሩ ድማ ብዝገበረልና ልግሲ በቲ ኻልእ ወገን ዝተሰምዓና ሓበንን ኩርዓትን መዳርግቲ የብሉን፡፡ ህዝብና ድማ ንፍትሒ ክሳዕ ክንደይ ከምዝደልያን፡ ዋጋ ክኸፍለላ ድልው ምዃኑ ዘመስከረሉ ዑደት ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ኤሪሳት ድማ ካብዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ዝያዳ ሓላፍነት ክንስከም፥ መደባትና ክነስፍሕ፡ ብዕጽፊ ክንሰርሕን፡ ውጽኢት ልግስኹም ድማ ዝያዳ ኣብ ውጽኢት ስራሕና ክትርይዎ ምዃንኩም ቃል ንኣትወልኩም፡፡

ብተወሳኺ ኤሪሳት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ስለዝኾነት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ናይ ሜድያ ክእለትን ዓቕምን ዘለኩም ውልቀሰባት፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሃገርና ክተበርክቱ እትኽእሉ ጋዜጠኛታት፡ ኤዲተራት፡ ጸሓፍቲ ክትውከሱናሞ ኣብ ስራሕ ምሳና ክትሳተፉ በዚ ኣጋጣሚ ዕድሜና ነቕርበልኩም፡፡

ደጊምና ነቲ ዘይሕለል ደላዪ ፍትሕን፡ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ምስጋናና ነቕርብ፡፡

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

2 መጋቢት 2020

ሳባ ተስፋዮሃንስ

ኣደ መንበር

ሳተላይት ቴሌቭዥን ኤሪሳት