ሚድያ ሓይሊ ኢዩ፡፡ኣብ ሓደ ዝተዓፈነ ሕብረተሰብ ዝርጋሐ ሓቀኛ ሚድያ ዓቢ ተራ ኣለዎ፡፡ህዝቢ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝረኽቦ ሓቤረታ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩውንነት ክመዝን ኣይክእልን፡፡ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ሰኣን ሓቀኛ ሓቤረታ ንመንግስተንን ወከልተንን ክጸባጸባ መድረኽ ኣይረኽባን፡፡ሓቀኛ ሓቤረታ ዘይብለን ሃገራት ብኩራት ተሓታትነት መንግስቲ ነጊሱ መራሕተን ድልየቶም ክዕምጹ መድረኽ ይፍጠረሎም፡፡ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሓንቲ ኤረ ቲቪ ዝጸመመ ህዝቢ እንትርፊ እቲ ብዓይኑ ዝርእዮ እንተ ዘይኮይኑ ሓቀኛ ሓቤረታ የብሉን፡፡ሰብ ይእሰር፡ይቕተል፡ሃብቲ ሃገር ይዝረፍ፡ህዝቢ ኣፉ ተዓቢሱ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃይማኖታውን ጭቆና ዓብሊሉ ሃገር ብሓደ ዝዓበደ ውልቀሰብ ትዝወር ኣላ፡፡ሓቀኛ ሚድያ መስትያት ሕብረተሰብ’ዩ፡፡
ተራ ሓቀኛ ሓቤረታ ኣብ ዝብል ምርኩስ ብምግባር እጃም ኤሪሳት ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ውልቃዊ ርእይቶይ ከፍስስ ኢየ፡፡ኤሪሳት ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ ክትሰርሓሉ ዘለዋ 1-ስነ ምግባር መራኸቢ ብዙሓንን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነትን ብቀዳምነት ክትሕሉን ክተኽብርን ኣለዋ፡፡ሚድያ መስትያት ሕብረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን ህዝቢ እቲ ዝግብኦ ሓቤረታ ብቅንዕናን ኣብ ሓቂ ዝተመስረተን ጸብጻብ ክወሃቦ ይግባእ፡፡ኣብ ኣታዊ ዝተሰረተ ዘይሓቀኛ ሓቤረታ ምዝርጋሕ ውዒሉ ሓዲሩ ብህዝቢ ምፍንፋኑ ስለ ዘይተርፍ ንህዝቢ ክብረት ተዋሂብዎ ዝግብኦ ሓቤረታ ክምገብ ብመትከል ክስርሓሉ ኣለዎ
2-ኤሪሳት ሓድነት ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ እንተ ተጓዒዛ ህዝቢ ኣብ ጎድና ክዓስል’ዩ፡፡ሚድያ የልምዕ ሚድያ የጥፍእ!! ነዚ እንድሕሪ ኣሚንና ኤሪሳት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ኣብ ልዕልና ህዝቢ ዝተሰረተ፡ህዝባዊ ሓድነት ዘትርርን ዘደንፍዕን ስራሕ ክትሰርሕ ይግባእ፡፡ገንዘብን ንዋትን መሰረታዊ ይኹን ደኣ እምበር ብዋጋ ህዝቢ ክኸውን የብሉን፡፡ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክብርታት ኣህዛብ ክሕሎ፡ሃይማኖታውን ባህላውን እንኮላይ መንነት ኣህዛብ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም ከም ምዃኑ መጠን ክኽበረሎም ስለ ዘለዎ ኤሪሳት ብዕቱብ ክትሕዞ ግድነት ኣለዋ፡፡
3-ፖለቲካዊ መርገጺ ኤሪሳት ብዝምልከት ብጎባልል ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ተጸልያ ጸግዒ ከይትሕዝ ምጥንቃቕ የድልያ፡፡ኤርትራ ናይ ኩሉ ኢያ፡ኤሪሳት ከኣ ናይ ኩሉ ክትከውን እደልያ፡፡ኤሪሳት ጎባልል ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ብዘለዎም ሃብትን ንዋትን ተጠቒሞም ኣብ ጥቕሞም ከየውዕልዋ ክትልብም ይግባእ፡፡ምስ ጥቕሙ ጥራሕ ዝጓየ ትካል ናይ ሚድያ ውዒሉ ሓዲሩ ወዳቒ ኢዩ፡፡እቲ ዝሓየለ ሚድያ ህዝባዊ ደገፍ ምስ ዝህልዎ ጥራሕ ኢዩ፡፡ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተዓዘብናዮ ነገር እንተሎ ሓደ ሓደ ሚድያታት መምስ ዝሓየለን ዶላራት መምስ ዘለዎ ዝገላበጡ ሪኢናን ሰሚዕናን ኢና፡፡ካብ ህዝባዊ መስመር ወጽዮም ንህዝባዊ ሓድነት ዘላሕልሕን ዝብትንን ስራሓት ክካየዱ እውን ጸኒሖም ኢዮም፡፡ኤሪሳት ነዚ ክትመሃረሉን ካብ መስመር ህዝቢ ከይወጸት ክትሰርሕን መድረኽ ይጠልባ’ሎ፡፡
4-ኤሪሳት ትርግታ ልቢ ህዝብና ጽን ክትብል ይግባእ፡፡ህዝቢ እንታይ ይብል ኣሎ፡ህዝቢ እንታይ ይጠልብ ኣሎ ዝብሉ ሕቶታት ብዕቱብ ክትርዳእ ይግባእ፡፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ተስፋ የድልዮ ኣሎ፡፡ኣጆኻ ዝብሎ ሓይሊ ክርኢ ሃንቀው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ከይነተዓሻሽዎ ምጥንቃቕ የድሊ ምኽንያቱ ሓሶት ብሓሶቱ ደኣ ሚድያ ናይ ህግደፍ ስለ ዘሎ፡፡ህዝቢ ብሓቀኛ ስራሕ’ዩ ዝኣምን፡፡ዘይድገም ወረ ካብ ምዝርጋሕ ጥንቃቐ የድሊ፡፡
ኤሪሳት ኣብ ቻርሎት—-ጋንታ ኤሪሳት መንእሰያት፡በላሕቲ፡ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክንሰርሕ በሃልቲ ምዃኖም ተረዲአ፡፡ከምቲ ንኣሽቱ ምዃኖም ዓበይቲ ሓሳባት ከፍስሱ ክርኢ እንከለኹ ተገሪመ፡፡ሓሳባት ኣለዎም፡፡እዚ ሕብረትሰብ ኤሪሳት ጥራሕ ዘይኮነ ኣሽሓት ኤሪሳት ዝፈርየሉ መድረኽ ክህሉ ይትምነዩ፡፡ዓብላልን መላኽን ባህርያት ኣይረኣኹሎምን፡፡ገባቲ ባህርያት እውን ኣየንበብኩን፡፡ህዝቢ ክንዮ ኤሪሳት ካልኦት ሚድያታት ክፍጠራ ባህጎም ምዃኑ ገሊጾም፡፡ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ስርሖም ድርብ ህዝባዊ ሕቶ ክምልሱ ዝቃለሱ ዘለዉ መንእሰያት ምዃኖም በሪሁለይ ኣሎ፡፡ከይዕንቀፉ ዋልታ ክንኮኖም፡ከይደኽሙ ጎድኒ ክንኮኖም እዚ መድረኽ ይጠልበና’ሎ፡፡ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ኣባላት ኤሪሳት ኣብ ቻርሎት ዝተረኽቡን ዘይተረኽቡን ዮሃና ክብሎም እደሊ፡፡
ፍትሒ ይንገስ!!
ወልዱ ተኽለ