ኮኾብ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ሮናልዲንዮ ፡ ብዝተሰንዐ ፓስፖርት ተኸሲሱ ምስ ሓዉ ኣብ ፓራጓይ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም።
እዚ ተጻዋታይ ክለብ ባርሰሎና ዝነበረ ካብ ዓሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ምስ ምዕባይ ሓዉ ሮቤርቶ ደ ኣሲስ ብረቡዕ ዕለት 9 ምሸት ፖሊስ ከም ዝቐየዶም፡ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፓራጓይ ሓቢሩ።
“ኣቶ ሮናልዲንዮ ዝተሰንዕ ፓስፖርት ተረኺብዎ። እዚ ድማ ገበን እዩ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ኣዚዝና፡”ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓራጓይ ዩክሊደስ ኣችቨዶ ንመደበር ረድዮ ፓራጓይ ክብል መልሲ ሂቡ። ብምቕጻል ድማ ” ኣነ ናይ ስፖርታዊ ተፈላጥነቱ የኽብሮ እኳ እንተኾንኩ፡ ግን ሕጊ ክኽበር ኣለዎ ፡ንዝኾነ ሰብ ሕጊ ማዕረ እዩ”፡ብምባል ኣብሪሁ።
ኣችቨዶ ፡ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ድማ ንህዝቢ ከም ዝወሃብ ፡ ኣብቲ ብሓሙስ ዝተገብረ ኣኼባ ገሊጹ።

65 ዝዕድሚአን ወላዲት ክሪስትያኖ ሮናልዶ ዶሎረስ ኣቭየሮ ፡ ብድንገታዊ ወቕዒ ልቢ ሰሉስ ናብ ሆስፒታል ተወሲደን።ሕጂ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዋን፡ ኩነታት ጥዕነአን ድማ ከም ዝተመሓየሸ፡ ዛጊት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከባ፡ ሮናልዶ ኣብ ገጻት ትዊተር ገሊጹ።

ዝሃቦ መግለጺ እንሆ
“ናይ መጸናንዒ መልእኽትታትን ደገፍኩምን ኣዝየ እየ ዘመስግን ፡ ኣደይ ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ትርከብ፡ ጥዕናኣ’ውን ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ። ብስመይን ብስም ኣባላት ስድራ ንኣባላት ዘላቶ ሆስፒታል ብዝገበሩላን፡ ንዝገብሩላ ዘለዉ ክንክንን ነመስግን
፡ብሕታውነት ኩልና ኣባላት ስድራቤት ክትሕልዉልና ድማ ብትሕትና ይሓትት።”
ጁቬ ምስ ኤሲ ሚላን ዝነበረ ጸወታ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ከም ዝተናውሐ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ስቶሬጅ ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓለን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣጊዱ።

ምኽንይት እንተ ተባህለ፡ ንሓዉ ምስጢር ፈደሬሽን ኩዕሶ ኣመሓላሊፉ፡ ይገርም።
ከም ንዝክሮ ናይ ሊቨርፑል ተጻዋታይ ዝነበረ ስቶሬጅ ፡መጀመርያ እኳ እቲ ንሓዉ ናይ ምስ ሰቪላ ምስግጋር ተጻወቲ ዝግበር ቁማር(Betting) ምስጢር ብምስላኹ ናይ 2 ሰሙናት እገዳን ፡75,000 ዩሮ ገንዘብ ክኸፍልን እንተ ነበረ  ፡ ፈደሬሽን ኩዕሶ ዳግመ ግምት ብምግባር እቲ መቕጻዕቲ ፎኪስ ብምዃኑ ኣራሚ ኣይኮነን ብምባል ናብ 4 ኣዋርሕ ክብ ኣቢልዎ፡ ክሳዕ 17 ሰነ 2020 ማለት እዩ።
እዛ ሕጂ ዝጻወተላ ዘሎ ቱርካዊት ክለብ ትራብዞንስፖር ምስ ስቶረጅ ዝነበረ ኩንትራት ከም ዝሰረዘቶ ሓቢራ።