ወዲ ሰብ ካብ መዋእለ እምኒ ተበጊሱ፡ ናብ መዋእል ነሓስ ሰጒሙ፡ መዋእለ ሓጺን ዛዚሙ፡ እንሆ ኣብዚ መዋእለ ‘ሓበሬታ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ እዋን ይርከብ።
ዋላኳ ዘለናዮ እዋን ‘ዘመነ ሓበሬታ’ ተባሂሉ እንተተጸውዐ፡ ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተ ትዓዚብና፡ ወዲ ሰብ ሓበሬታ ካብ ምንዳይን ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ብዝመስሎ ተርጒሙን ኣሰላሲሉን ካብ ምጥቃም ደው ዝበለሉ እዋን የለን።
ዋላ ኣብቲ መዋእለ እምኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ በርቅን ነጎዳን ከም ልዑላን ሓይልታት ዝርኣይሉን፡ ወዲ ሰብ ድማ ብጉጅለ ኣብ ብዓትታት ይነበረሉ ኣብ ዝነበረ ናይ ግዜ መቓን፡ ሓበሬታ ልዑል ኣድላይነት ከምዝነበሮ መዛግብቲ ቅድመ-ታሪኽ ሰኒዶሞ ኣለዉ።
ኣብ መንጎ ነበርቲ ናይ ሓንቲ ብዓቲ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዝምድናታት እርይ ቁጽር ኣቢልካ ምፍላጥ፡ ንንፍሲወከፍ ናይ ብዓቲ ነባሪ ኣገዳስነቱ ልዑል ምንባሩ ምግንዛብ ኣየጸግምን።
ፈልጾም ምስ ፈተለት ዘለዎ ርክብ፡ ሶቓር ምስ ጨዲድ ዘለዎ ባእሲ ወዘተ… ንነበርቲ ብዓቲ ኣዝዩ ዘገድሶም ነገር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብርኩት ናይ ሃድንን ፍረታትን ቦታ ንምርካብ ጥሉል ሓበሬታ ምእካብ ኣገዳሲ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ።
ኣብቲ ካብ 1760 ክሳብ 1840 ከም ዝዝርጋሕ ዝንገረሉ ዘመነ ኢንዱስትራዊ ሰውራ (Industrial Revolution) ኣገዳስነት ሓበሬታን፡ ጉዳይ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነጻነትን ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ ከምዝበጽሐ ዘመልክቱ ሓያለይ መረዳእታታት ኣለዉ።
ንኣብነት እቲ ካብ 1801 ክሳብ 1809 ንሃገረ ኣመሪካ ከም መራሒ ሃገር ኮይኑ ዘገልገለ፡ ቶማስ ጀፈርሰን (Thomas Jefferson)፡ ” ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ብዘይ ጋዜጣን፡ ጋዜጣ ብዘይ መንግስትን ሕረ እንተዝብሃል፡ ብዘይ ጥርጥር ጋዜጣ ብዘይ መንግስቲ ምሓሬኹ” ኢሉ ከም ዝጽሓፈን ከምዝተዛረበን፡ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት፡ ኣብዚ “ዘመነ ሓበሬታ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ እዋንና’ውን፡ ሓበሬታ እቲ ዝልዓለ ዋጋ ዘለዎ ምዃኑ ኩልና ንዕዘቦን ንነብሮን ዘለና ጉዳይ ስለዝኾነ ብዙሕ ሓተታ ኣየድልዮን።
ኣገዳስነት ሓበሬታ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ካብቶም ዝሓለፉ መዋእላት፡ ነዚ ናይ ሓበሬታ መዋእል ዝፈልዮ ረቛሒታት ግን ኣሎ። ብፍላይ፥
– ዝርግሐን ኣዘረጋግሓን (Distribution)
– ዋንነት (Ownership)
– ምዕቃብ (Storage)
– መጠን (Mass of information)
– ቕልጣፈ (Speed of distribution)
– ተባጻሕነት (Coverage, reach or richness)
ዝብላ ረቛሒታት ከም መዕቀኒ እተወሲድናየን፡ እዚ ዘለናዮ መዋእል ምስቶም ዝሓለፉ ክወዳደር እንከሎ፡ ዝትዓጻጸፈ ብልጫ ኣለዎ።
ዋላኳ ብዙሕ ዘይነቃልበሉ እንተኾንና፡ ሓበሬታ’ውን ፍርያት (Product) እዩ። እቲ ካብ ሓደ ሰብ፡ ጉጅለ፡ማሕበር፡ ትካል ወይ መንግስቲ፡ ተሓሲብሉ ዝምንጭውን፡ ካብ ምምንጫው ክሳብ ምዝርጋሕ ዘሎ መስርሓት እንተትዓዚብናዮ ፡ካብ ዝኾነ ካልእ ፍርያት ክንፈልዮ ኣይንኽእልን።
ኮይኑ ድማ፡ ከም ኩሉ ዓይነት ፍርያት ሓበሬታ’ውን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ቅኑዕን ጠቓምን ሓበሬታ ኣሎ፡ሓሶትን ጎዳእን ሓበሬታ’ውን ኣሎ።
ገለ ፍልጠት ዘርጊሑ ንዕኡን ንተጠቀምትን የርብሕ፣ ገለ ድማ፡ ዘይቲ ተመን (Snake Oil) እናነገደ ካዕበት እናሓፈሰ የደናግረሉ፡ እትነፊ ሚሔ ዘይብሉ ድማ ይዋእ’ዩ ይደናገር፡ ግዳይ ይኸውን!
ኣብ መዋእለ ሓበሬታ ምንባርና ዘይተረፈ፡ መንፈይ ሓበሬታና፡ ከም ልዝብቲ ሚዛን እናሻዕ ክንዕይራ ግድን እዩ።
ስለዚ፡ ተቛጺርኩም ኣይበለና፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ኣብቶም ክንጥንቀቐሎም ዘለና ጎዳእቲ ዝኾኑ ዓይነታት ሓበሬታ ከተኩር እየ።
….ዋላኳ ብዙሕ ዘይነቃልበሉ እንተኾንና፡ ሓበሬታ’ውን ፍርያት (Product) እዩ።
ከም ኩሉ ዓይነት ፍርያት ድማ፡ ሓበሬታ’ውን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ቅኑዕን ጠቓምን ሓበሬታ ኣሎ፡ሓሶትን ጎዳእን ሓበሬታ’ውን ኣሎ።
ንሎሚ፡ ኣብቶም ክንጥንቀቐሎም ዘለና ጎዳእቲ ዝኾኑ ዓይነታት ሓበሬታ ከተኩር’የ። ንምጽሓፍ መታን ክጥዕመኒ፡ ኣብዞም ትሕት ኢለ ዝዝርዝሮም ኣርባዕተ ዓይነታት ከፊለዮም ኣለኹ።
- ዝተደናገሩ ሰባት ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ (Misinformation)፣
እዚ ዓይነት ሓበሬታ ውጹእ ሓሶት ኮይኑ፡ እቶም ተቐቢሎም ዝዝርግሕዎ ሰባት ግን ሓቂ መሲልዎም እዮም ዝዝርግሕዎ።
በንጻሩ፡ እቶም ሰናዕቲ ናይቲ ሓበሬታ፡ ሓሶት ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እቶም ሰናዕቲ ኮነ ኢሎም ብዝተራቐቐ ስልቲ፡ ነቲ ተቐባልን ዘርጋሕን ሓበሬታ ኣብ መርበቦም ብምእታው የደናግርዎ።
እቶም ሓቂ መሲልዎም፡ ሓሶት ወይ ጌጋ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሰባት ዝደናገርሉ ምኽንያታት ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ገለ ካብቲ ንኽደናገሩን ነቲ ጌጋ ሓበሬታ ንኽዝርግሕዎን ዝድርኾም ምኽንያታት ንምጥቃስ፥
- እቲ ዝቅበልዎን ዝዝርግሕዎን ሓበሬታ፡ ምስ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ገል ሓበሬታ ዝጋጠም ኮይኑ ስለ ዝስምዖም (False connection)
-
እቲ ዝቅበልዎን ዝዝርግሕዎን ሓሶት ዝኾነ ሓበሬታ፡ ምስቲ ክኣምንዎ ዝደልዩ ወይ ዝኽእሉ ሓፈሻዊ ኩነታት ስለዝጋጠም (False context)
– ብሰንኪ ናይ ዓቕሚ፡ መሳለጥያን ግዜን ድሩትነት፡ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ክከታተሉ ዘይክኣሉን፡ ኩነታት ኣብቲ ዝገደፍዎ ዘሎ ዝመስሎምን (Out of date or outdated information )
- ኮነ ኢሎም ንምድንጋር ዝሰርሑ ሰባት ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ (Disinformation)፣
እዚ ዓይነት ሓበሬታ ውጹእ ሓሶት ኮይኑ፡ እቶም ነቲ ሓበሬታ ዝስንዑ ሰባት፡ ብትምህርትን፡ ብስልጠናን፡ ብተመኩሮን ዝተሰነየ ዝተራቐቐ ናይ ፈጠራ ክእለት ዝውንኑ እዮም።
እቲ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ፡ ዋላ ነቲ ንቑሕ እየ ዝብል ሰብ፡ ንሓጺር ዘይብሃል ግዜ ዘደናግር እዩ። እቲ ዝርዝር ሜሌታቶም ብዙሕ እዩ፡ ገለ ንምጥቃስ፥
- ኣብ ባይታ ዘየሎ ኩነት ምስናዕ (False context and scenario)
-
ናይ ሓሶት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምድላውን ብጠቕሚ ዝተደለሉ ሓሰውቲ ምስክር ምቕራብን (Imposter content)
-
ኣሃዛትን፡ ጭብጥታትን፡ ኣስማትን፡ ቦታን ምስናዕ (Manipulated content)
– ፈጺሙ ኣብ ባይታ ዘየለ ስኑዕ ሓበሬት ምዝርጋሕ (Brand new fabricated content)
- ንገለ ባእታታት ወይ ሰባት ኮነ ኢልካ ንምህሳይ ዝዝርጋሕ ሃሳዪ ሓበሬታ (Malinformation)፣
እዚ ዓይነት ሓበሬታ፡ ኣብ ገለ ክውንነት ወይ ምሉእ ወይ ጭላፍ ሓቂ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ግን ነቲ ምሉእ ወይ ጭላፍ ሓቂ ንምዝርጋሕ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ንምጥቃዕ እዩ።
ገለ ካብቶም ዝተራቐቑን ዝውቱራትን ሜላታት እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንኽእል፥
- ናይ ግሊ ወይ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ምዝሯቕ ( Intentional leak)
-
ነቶም ግዳያት ክኾኑ ዝተሓርዩ ሰባት ወይ ባእታታት ዘናሽው ወይ ዘሸቑርር ሓበሬታ ምዝርጋሕ (Harassment)
-
ጽልእን ቅርሕንትን ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተረስዓ ወይ ዝደቀሰ ነገር ከም ሓድሽ ምቕራብ (Hate and fearmonger)
– ምስ ዘጋጠመ ሓደጋ ወይ ኩነታት ዝኸይድ፡ ኣዝዩ ንስምዒት ዝገዝእ ጽሑፋትን፡ መደረን ምቕራብ (Emotionally arresting; hate and fearmonger articles and speech)
- ንፕሮፖጋናዳዊ ስርሓት ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ (Propoganda)፣
ፕሮፖጋንዳ ሓደ ካብ ዓይነታት ሓበሬታ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ሰማዕቲ ወይ ትዓዘብቲ እንተ ብኣወንታ እንተ ብኣሉታ ንምጽላው እዩ።
እቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ዕላማ ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ፡ ኣብ ክውንነት ዝተመርኮሰ ወይ ዘይተመርኮሰ ክኸውን ይኽእል። እቲ ቀንዲ ጥበብ ግን ኣብ ኣመራርጻ ሓበሬታን ኣቀራርብኡን እዩ።
እቲ ብጥንቃቐ ተመሪጹ፡ ብጽሑፍ፡ ብስእሊ፡ ብድምጺ፡ ተሰንዩ ብፍሉይ ኣገባብ ዝቐርብ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ስምዒታዊ ወይ ሚዛናዊ ዘይኮነ ግብረመልሲ ካብ ትዓዘብቲ ንምርካብ እዩ።
ገለ ፕሮፖጋንዳ፡ ብኣልማማ ንኹሉ ክበጽሖ ወይ ንብዙሓት ንኽጸልው ተባሂሉ ዝዳለው ኮይኑ፡ ገለ ድማ ብፍሉይ ንገለ ክፋል ሰማዕትን ትዓዘብትን ዕላማ ዝገብር እዩ።
ዋላኳ ዝበዝሕ እዋን ፕሮፖጋንዳዊ ሓበሬታ፡ ምስ መንግስቲ ወይ መንግስታዊ ምሓውራት ዝትሓሓዝ እንተኾነ፡ ውልቀሰባትን፡ ጉጅለታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን እውን ይጥቀምሉ እዮም።
ቀንዲ ሃስያ ናይ ፕሮፖጋንዳ፡ ትዓዘብቲ ወይ ሰማዕቲ ኣመዛዚኖምን ሓሲቦምን ኣብ ሓደ መደምደምታ በጺሖም ናይ ጸገማት መፍትሒ ክንዲ ዘናድዩ፡ ኣብ መገዲ ጸኒሕካ፡ ብፍሉይ መገዲ ብዝተቓመመ ወይ ዝቐረበ ሓበሬታ ተጸልዮም፡ እቲ ፕሮፖጋንዳ ዝነፍሕ ኣካል ብዘቕርበሎም ኣረኣእያ ኣሚኖም ንክኸዱ ምግባር እዩ።
—————-///———-
መደምደምታ፡
ኣብ ዘመነ ሓበሬታ ምንባርና ዘይተረፈ፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ዘመን ዝለገሰልና ምዕባሌ ክንከውን ግድን እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሓበሬታ ዘይብሉ ኩነታት ምንባር፡ ከም ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምንባር ምዃኑ ዘትሓታት የብሉን።
ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ውሑድን፡ ብገለ ኣካላት ተመምይኑን ተጀሊሑን ዝቐርብ ሓበሬታ ምንባር’ውን፡ ኣየውፍር ኣየእቱ ዝኾነ ኩነተ መንብሮ ፈጢሩ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝጎትት እዩ።
ኣብ ትሕቲ ዝተሰንዓን ሓሶት ዝዓብለሎ ሓበሬታ ምንባር ድማ፡ ምትእምማን ዘይብሉን ጽንግሊል ዝኾነ ኩነታት ከም ዝምዕብል ይገብር።
እዚ ኩነታ መንብሮ ክንጸግን ከብቅዕን ዘለዎ እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ከምቲ እንምገቦ መግቢ ኣብ ዕብየትናን፡ ጥዕናናን ኩነታ ኣእምሮናን ወሳንነት ዘለዎ፡ እነንብቦን እንሰምዖን እንርእዮን ሓበሬታ’ውን ኣብ ኣተሓሳስባናን ውሳኔታትናን ግደ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ፡ ነቲ ቅኑዕን ኣገዳስን ጠቓምን ሓበሬታ እናወሰድና፣ ነቲ ሓሶትን፡ ጎዳእን ሓበሬታ እናጉሓፍና፡ ክንከደሉ ዘኽእል ሰፊሕን ጥዕና ዝህብን ናይ ኢሂን ምሂን መድረኽ ንኽምዕብል እጃምና ምብርካት ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።
———#———-
ክሳብ ዝቕጽል፡ ሰላም-ወ-ሰናይ ኣብ ዘዘለናዮ!
@ ኣሮን እምባየ
መጋቢት 2020