ኣትለቲኮ ንሊቨርፑል ካብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣጽዲፋታ !!!
ዋንነት ዝፋን ቻምፕዮንስ ሊግ ሊቨርፑል ሎሚ ብ ኣትለቲኮ ዓንዩ። እቲ ጸወታ ብ ዓወት ኣትለቲኮ 3 -2  ፡ ኣትለቲኮ ናብ ዝቕጽል ብምስግጋራ ተዛዚሙ።
ወላ እኳ ኣትለቲኮ ኣብ ሜድ ኣ ብዘመዝገበቶ 1-0 ዓወት ጸብለልታ ጎል ሒዛ ናብ ኣንፊልድ እንተ ተጓዕዘት ፡ ኣብ ቅድሚ ዕረፍቲ ሊቨርፑል ብመንገዲ ዊናልዱም ብርእሱ ዘመዝገባ ሸቶ ተሓጊዛ ፍልልይ ናብ ማዕረ መሊሳ ንዕረፍቲ ወጽያ። ድሕሪ ዕረፍቲ ሓላው ልዳት ኣትለቲኮ ጃን ኦብላክ ኣብዚ ጸወታ ብዘርኣዮ ብቕዓት ፡ ንፈተነታት ሊቨርፑል ብምምካን ናብ ተወሳኺ ሰዓት ኣምሪሐን። ፈርሚንዮ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሸቶ እኳ እንተ ኣመዝገበ፡ እቲ ብጀካ ሮናልዶ ዘላቶ ጋንታ ኣብዚ መድረኽ ተሳዒሩ ዘይፈልጥ ሲሞነ ንኮስታ ኣውጽዩ ሎረንተ ብምትካእ ኣብ ናይ ደቓይቅ ፍልልይ በታ ናይ ኣድርያን ዝፈጸማ ጌጋ ኣብ ረብሓ ጋንታ ብምውዓል ነታ ናይ ፈርሚንዮ ተምክን ሸቶ እመዝገበ። ጸወታ ክዛዘም ሒደት ምስ ተረፎ ድማ ሞራታ ፍልልይ 4-2  ክብ ዘብል ንሊቨርፑል ድማ ዝፋን ንግስና ቻምፕዮን ሊግ ዘፍርስ ዓወት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። # ፒ.ኤስ.ጂ  ንዶርትሙንድ  ኣጸምያ ገሊፋታ


ፒ ኤስ ጂ  ንዶርትሙንድ ኣብ ተመልካቲ ዘይብሉ (ብምኽንያት ኮሮና)  ገጢማ 2-0 ዓወት ብምምዝጋብ ካብ ቻምፕዪንስ ሊግ ገሊፋታ።
መማቕርቲ
#ፈላሚት ስእሊ ሮናልዲንዮ ኣብ ቤት ማሕዩር ፓራጓይ።

እዚ ብራዚላዊ ኮኾብ ድሕሪ ዝተሰንዕ ፓስፖርት ሒዙ ምርካቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝጸንሐ ፡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉዳዩ ተራእዩ ን 6 ኣዋርሕ ኣብ ፓራጓይ ክእሰር ተፈሪዱ።
ዝገርም ነገር እንተሎ ተፈሪዱ ውን ወትሩ ፍሽኽ።
#ልዮነል ሜሲ ንሮናልዲንዮ ካብ ተሃድሶ ፓራጓይ ንምውጻእ ጠበቓታት ቆጺሩ ኣስታት 4 ሚልዮን ዩሮ ክኸፍል ተዳልዩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
# ሰረ ኣ
ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ንግዚኡ ካብ ምዱብ ጸወታታት ከም ዘቋረጸ ብወግዒ ሓቢሩ።
# ክርስትያኖ ሮናልዶ ንምንታይ ውቓጦ ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ዶ?
እቲ ምኽንያት ኣዝዩ ሰብኣውነት ዝሓዘለ እዩ፡ ንሱ ድማ ነቶም ብሰንኪ ጉድለት ጥዕና ደም ክልገሰሎም ዝጽበዩ ሰባት ደም ንኽልግስ።
# ተጻወቲ ጋንታ ኣርሰናል ኮሮና ቫይረስ ተለቢዶም ከይኮኑ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ይርከቡ።


በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ረቡዕ ተሰሪዑ ዝነበረ ጸወታ ኣንጻር ሲቲ ተሰጋጊሩ። እዚ ጸወታ ፈላሚ ጸወታ ፕረምየር ሊግ ብሰንኪ ኮሮና ዝተሰረዘ ኮይኑ ኣሎ።
ኣፈኛ እታ ጋንታ ከም ዝሓበሮ ዝተወሰኑ ተጻወትን 4 ኣባላት እታ ክለብን ኣብ ገዝኦም ንበይኖም ተፈልዮም ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ሞኽንያት እዞም ተፈልዮም ዘለዉ ኣባላት እዛ ጋንታ ፡ ምስ ወናኒ ግሪኻዊት ክለብ ኦሊምፕያኮስ ፡ ድሒሩ ኮሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ዝተፈልጠ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ጸወታ ረኺቦሞ ስለ ዝነበሩ  ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ገሊጹ።