ሰላም ቀሪባ ኣላ፡ ሰላም ጌርና ንቀበላ

ኣብዚ ንቕድሚት እናመርሑ ዘጓዕዙ ሰብ ራኢ ዘድልየሉ እዋን፡ ናብ ድሕሪት ዝጐቱ ምግዱራት ይበዝሑ ኣለዉ። ንወጽዓ ህዝቦም ከም መናደዪ ሽመት ዝርእይዎ ሃርጋፋት፡ ንድቁርናኦም ከም ስልማት እናዋጣወጡ፡ ጥዑይ ዘበለ ሓሳብ ከይስማዕ ዓው ኢሎም ይጭድሩ። ሕማቕ ዘመን ንሕማቕ ሓሳብ’ዩ ዝሳማማዕ።

ብዋጋ ሃገር ሕልሚ ኣንነቶም ዘሳስዩ፡ ብዋጋ ምጥፋእ ህዝቢ ሃብቲ ዝእክቡ፡ መታለልቲ፡ ንኣሕዋቶም ኣሕሊፎም ሂቦም ዝድረሩ፡ ንስደተኛታት ኣሕዋቶም ሸይጦም ዝሕጐሱ፡ ንዕቀተኛታትን ንሕልናኦም ሸይጦም ጨርቂ ዝሽምቱን ኩላቶም ኣብዚ ኽፉእ እዋን ይስውዱ ኣለው። እቶም ሒደት ክፉኣት ምእንቲ ኽጥዕሞም እቶም ህዝቢ ኣብ ሃገሮም ብጠለምቲ ህዝቢ፡ ኣብ መገዲ ስደት ድማ ብሸየጥቲ ሰብ ብውሽጥን ብደገን፡ ኣካሎምን መንፈሶምን ይቘስሉ፡ ኣእዛኖም ይጸምም፡ ኣዒንቶም የሕወዝውዞም፡ ኣእምሮኦም ይጽልምቶም፡ ኣንፈቶም ይጠፍኦም ኣሎ።

ብሕሰም ውርደት ዝኣክል ሕልናኦም ኣርሒቓ ኽትሕባእ፡ ምስትውዓሎም ድማ ካብ ስቓይ ምስትውዓል ምእንቲ ኸድሕኖም ኣብ ጽላሎት ድንቁርናኦም ተሰዊሩ ይነብር ኣሎ። ብዘይካ ዓመጽቲ ካልኦት ኣብነት ሓይሊ ዝዀንዎም ስለዘይፈልጡ ንባህርያት ዓመጽቶም እናደገሙ ካብ ጭኰና ኽድሕኑ ይትስፈዉ። ኣብ ንእሰነቶም ብዝኣረገ ሓሳብ ይማስኑ ኣለዉ።

እቶም ሰላም ንደሊ ኢና ዝብሉ ግና ኸኣ ሰላም ብዘይብሉ ኣዒንቲ ዝጥምቱ መሳኪን፡ ንኹሉ ግርህነት ናብ ተንኰል ይትርጕምዎ። እቲ ዝወረዶም በደል ኣዝዩ ሕሱም ብምዃኑ ንቓንዛ እናጸልእዎ ንሕውየት ግና ኸም ድኻም እናረእዩ ይሃድምዎ። ኣብ ሓቅነት ሰብን ኣብ ሰላም ህይወትን እምነት ኣጥፊኦም ስለዝዀኑ፡ ልዕሊ እቲ ክቐትሎም ኣስያፍ ዘዋጣውጥ ነቲ ኸድሕኖም ዝብገስ ብምጥርጣር ይተናዀልዎ። ኣዝዮም ቈሲሎም ስለዝዀኑ፡ ብቕልጡፍ ፈውሲ የድልዮም ኣሎ።

እዚ ዘራጊ መንፈስ ነዞም ህሱያት ፈጺሞም ከምዘይሳማምዑን ከምዘየስልጡን ይገብሮም ኣሎ። ብዙሓት ካብቶም ኣረጋውያን ብምዃኖም ጥራይ ለባማት ዝሕሰቡ ናፈቕቲ ሽመት ብዘይሕንከት ነንዝተቐልቀሉ ተቓለስቲ እናኣለዩ ኣብ ጸልማት ኰይኖም ናብ ስልጣን እናቋመቱ ብመንፍዓት እቲ ዝፍሕስዎ ተንኮል ይድነቑ። እቶም ለባማት ምምሳል ከምዘታልል ዝፈልጡ ብትርኢት ኣካላቶም ጥራይ ዓበይቲ ዝመስሉ ብድሕሪት እናሕሰዅሸኹ መላእ ሓፋሽ ዝሃነጾ ኸፍርሱ ይነብሩ። ተንኰለኛታት ሰብ ሽበት የርሕቐልና።

ካብቲ ንስልጣኑ ስለዝቐንኡሉ ጥራይ ዝጸልእዎ ጕሒላ ዝፈሊ ስለዘይብሎም፡ ንኹሉ እቲ ንሃገር ኣብዚ ዘላቶ ሓደጋ ዘብጽሓ ተንኮላት ይደግምዎ’ሞ፡ ከይሓፈሩ ኩሎም እቶም ህዝቢ ውዳሴኦም ክዝምሩሎም ከኣ ይጽበዩ። ብሰንኪ እዞም ጭራቓት መራሕቲ ኢና በሃልቲ ሰላም ምልእቲ ሃገር ይዳናጐ ኣሎ። መንእሰያት ይጠፍኡ ኣለዉ፡ ሃገር ትዓኑ ኣላ፡ ውርሻ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይወርድ ኣሎ። ነቶም ሰነፋትን ተንኰለኛታትን ክግስጽዎምን ክምዕድዎምን ዝግብኦም ለባማት ብብርታዐ ጫውጫውታ ሓሶት ክጣራጠሩ ብስቕታኦም ንተንኰለኛታት የዐውቱ ኣለዉ። ለባምሲ ኣይጣራጠር ድኣ።

እዚ ካብ ጥንቲ ኣብ ኩሉ ሕማቕ ዘመን ዝነበረ ስለዝዀነ ዘደንቕ የብሉን። ኩሎም ዝብደሉ ህዝብታት ብሰንኪ ሓይሊ ጸላእቶም ዘይኰነ፡ ብሰንኪ ምዕማቶም እዮም ዝጸድፉ። ክንድዚ ዝኣክል ተንኮል ዝተፋሕሰሎም ህዝቢ ተጠራጠርቲ እንተዀኑ ናይ ፈለማ ኣይኰነን። ኣብ መንጎ ምህናጽን ምፍራስን ዘሎ ፍልልይ ዘየለልዩ ደለይቲ ስልጣን ኣብ ኩሎም ህዝብታት ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝነበሩን ዘለዉን እዮም። ህላወ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ዝመስለሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ኣጋጢሙ’ስ ተሓሊፉ እዩ።

ምስናይ’ዚ ኹሉ እቶም ተባዓት ጀጋኑ ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢ ዀይኖም ይቃለሱ ኣለዉ፡ እቶም ለባማት ይመርሑ ኣለዉ፡ እቶም ጻድቃናት ይጽልዩ ኣለዉ፡ እቶም መስተውዓልቲ የጽንዑ ኣለዉ፡ እቶም መራሕቲ ይዳለዉ ኣለዉ። እቲ ዝግባእ ሰላምን ራህዋን ኣብ መዓልቱ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ዝቃለሱ ዝመስሉ ዓንቀፍትን እቶም ናይ ውሽጢ ጸላእትን ድማ ኣለና ኣናበሉ ዝርስዑላ መዓልቲ ተርክቦም ኣላ።

ሰላም ንኹሉ ዕንቅፋታት ሓሊፋ ትመጽእ ኣላ። ከምዚ ስለዝዀነ ድማ ነቲ ንህዝቡ ዘይርስዕ ፈጣሪ ብዙሕ ምስጋና ይኹኖ።