ሰስክ ፋብሬጋዝ ብዛዕባ ናብ ኣርሰናል ክምለስ ከም ዝፈተነ እሞ ቬንገር ከም ዝነጸጎ ሓቢሩ።
ፋብሬጋዝ ወላኳ ኣብ ባርሳ እንተ ዓበየ ፡ ባርሳ ከይተጠቀመትሉ ከላ ኣብ 17 ዓመቱ ብኣርሰናል ተወሲዱ። ድሕሪ ዓመት ብዙሕ ከይጸንሐ ብዝነበሮ ብቕዓት ድማ እዩ ምስቶም ዓባይ ጋንታ ኣርሰናል ኮይኑ FA ካፕ ዋንጫ ክተልዕል ዓቢ ተራ ዝተጻወተ።
ድሒሩ ግን ጽምኢ ዋንጫ ዓይኑ ግዲ ኣዕዊርዎ ናብ ባርሳ ክምለስ ሓለነ።ኣብ 2010 ብዝገበሮ ፈተነ ድማ ተነጽገ። ኣብ ዝሰዓበት ዓመት ድማ ናብታ ዘዕበየቶ ጋንታ ተሰጋገረ፡ ግን ልቡ ምርጋእ ዝኣበዮ ፋብሬጋዝ ድሕሪ 3 ዓመታት ኣብ ካምፕ ኖዋ ፡ ናብ ፕርምዬር ሊግ ክምለስ ድልየታት ሓደሮ።

እንኮ ምርጭኡ ዝነበረት ድማ ኣርሰናል ነበረት፡ እንተ ኾነ ግን ተቐይማ ዝነበረት ክትመስል ኣርሰናል ሓንገደት፡ኮነ ድማ ናብ ቸልሲ ኮይኑ ጉዕዞ ፋብሬጋዝ።

ኣይሰነፈን ፋብሬጋዝ ቸልሲ ኣብ ጽዋእ ፕርምዬር ሊግ ኣብ ምልዓል ብሉጽ ብቕዓት ኣንጸባረቐ።ድሒሩ ድማ ናብ ፈረንሳ ትርከብ ሞናኮ ግዒዙ።

ፋብሬጋዝ እቲ ዝሓለፈ ግዜ ኣልዒሉ ክዝክሮ ከሎ ከምዚ ብምባል ይገልጾ።
” እቲ እንኮ ዘግሁየኒ ነገር ኣብቲ እዋን ፡ ንቬንገር ዳርጋ ኣብ እግሩ ወዲቐ ክመልሰኒ ክልምኖ ከለኹ እዩ”
ይቕጽል ፋቭሬጋዝ
እቲ ሰብኣይ ዝሓተትክዎ ነገር ኩሉ ሂቡኒ እዩ ሓቂ ዘረባ፡ ውዕለቱ ድማ ኣለኒ።
“ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2010 ከፋንወኒ ሓቲተዮ፡ ኣይይከውንን እዩ ፡ ክትሓስቦ ከማን የብልካን ኢልኒ። ግን ምናልባት ዝቕጽል ዓመተ ጸወታ ተመሳሳሊ እንተ ኮይኑ ክሓስበሉ እዩ ፡ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ዘለኻዮ ክብለኒ ይዝክር ፡ ይብል ፋብሬጋዝ።

ምምላስ ኣብ ዝሓሰብኩሉ ፡ቀዳማይ ምርጫይ ኣርሰናል ነበረት፡ንኩሎም ፈተውተይ ናብ ኣርሰናል ክምለስ እየ ብምባል ከውሪ ጀመርኩ።
ኣነ ንኣርሰናል ይብል ፋብሬጋዝ ፡ ብስምዒት ተጻዊተ፡ ኣእጋረይ ተሰይሩ ከሎ ተጻዊተላ፡ ሓሚመ ከለኹ ተጻዊተላ፡ ኣባሓጎይ ሞይቱ ኣብ ሓዘን ከለኹ ተጻዊተላ፡ ደጊመ ብዝበለጸ ክርህጸላ ድማ ድሉው ነይረ።
ነዚ ዝሰምዐ ኣፈኛ ክለብ ኣርሰናል
ፋብሬጋዝ ምስ ቸልሲ ከሎ ዘርእዪ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ኣዝዩ ዘሕንኽ እዩ፡ግልጺ ኮይነ ክዛረብ፡ ደጊምና ክንኣምኖ ከሸግረና እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዘለዎ ኣረኣእያ ብጋህዲ ኣንጸባሪቕዎ ስለ ዝኾነ።
ብሓደ መገዲ ክገልጸልኩም
ፋብሬጋዝ ብርግጽ ካብቶም ጀጋኑ ጋንታና ዝተጻወቱላ ኢልና ከም ዘይንሓስቦ ከብርህ ይፈቱ።
ዋይ ፋብሬጋዝ ትረኽቦ !!!

ሊቨርፑል ንሳላሕን ተወሰኽቲ 3 ተጻወቲ ኣብ ዝቕጽል መስኮት መስርሕ ምስግጋር ከተፋንዎም እያ ይበሃል ኣሎ።

ሎቭረን ድማ ሓደ ካብቶም 4 ፡ ሊቨርፑል ከተፋንዎም ዝበሃሉ ዘለዉ እዩ ፡ተንታኒ ስፖርት ESPN ሞሬኖ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብተወሳኺ ድማ ኣድርያንን ኣዳም ላላና ክፋነዉ ተኽእሎ ኣሎ ብምባል ሓቢሩ።

ኣብዚ ሓበሬታ ክህቦ ዝደሊ ብምባል ይቕጽል ሞሬኖ ” ደገፍቲ ሊቨርፑል ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ጸኒሖም ከነጠራንፈካ ኣድርያን ክብልዎ እዮም “።

ናብ ሎቭረን ክሰግር፡ እዚ ዓመት ብዙሕ ክንነቕፎ ሓጊና ኢና፡ ኣይንኽሕዶን ኢና ፡ኣብ ቦትኡ ብቕዓት ዘንጸባርቐሉ እዋናት ኣሎ፡ እንታይ እሞ ይዓብስ ፡ ካብ ጥቕሙ ጌጋታቱ በዚሑ።

ላላና ቀጺሉ ክፋነው ተኽእሎ ኣሎ ዝተባህለሉ ተጻዋታይ እዩ፡
ንጋንትኡ ይስለፈ እዩ ግን ዘበርክቶ ነገር ኣይረኣየካን እዩ፡ ይብል ሞሬኖ።
ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ፡ ሊቨርፑል ዝስለፍ ዘይኮነስ ኣብታ ዝተዋህቦ  ቦታ ብብቕዓት ዝጻወት ተጻዋታይ እዩ ዘድልያ።

ኣብ መወዳእታ ሞሬኖ ፡ ኣብ ቦታ ሳላሕ ዝሓሸ ተጻዋታይ ክትረክብ ትኽእል እያ ሉቨርፑል ዝብል መርገጺቭእዩ ዘለኒ፡ ንምንታይ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ተነቃፊ ውሳነ እዩ ምኽንያቱ ደገፍቲ እዛ ጋንታ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጻዋታይ ዘለዎም ፍቕሪ ፡ ንጉድለት ብቕዓቱ ንከይርእይዎ ሸፊንዎም ኣሎ በሃላይ እየ።
ዘመዝገቦ ጎላት ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኮነን ፡ ነዛ ጋንታ ዘበርከቶ ውን ከምኡ፡ ግን ዘጥፍኦም ዕድላት ካብኡ ዘይትጽበዮም እንዳኾኑ ካብ ዝመጹ ኣዋርሕ ኣቑጺሮም ኣለዉ፡
ብተወሳኺ ብምኽንያት ሳላሕ ፡ ማነን ፈርሚንዮን ምኽሳር ንሊቨርፑል ጎዳኢ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ንሊቨርፑል ዝህቦ ርእይቶ እንተሎ ድማ ካብ ሳላሕ ዝበልጽ ተጻዋታይ ምርካብ ኣሸጋሪ ከም ዘይኮነ እዩ።