# ኣብ መወዳእታ ወቕቲ ናይዚ ዓመት ኢንተር ሚላን ንሳንቸዝ ናብ ዩናይተድ ክተፋንዎ እያ።
ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ፡ ነቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ብቕዓት ከንጸባርቕ ዘይከኣለ ሳንቸዝ ፡ ነዚ ዝተዓዘበት ዩናይትድ ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ኢንተር ክትሰዶ ዝወሰነት።
ምንጭታት ኢንተር ከም ዝብልዎ ድማ ፡ነዚ ወዲ 31 ሳንቸዝ ምሉእ ውዕል ከተፈርሞ ስለ ዘይደለየት እያ ንማን ዩናይትድ ንብረትኪ ኣክብለይ ትብላ ዘላ። ቀጺሎም ከም ዝሓበርዎ ካብቲ ዝነበሮ ማሃያ ማለት 400 ሽሕ ዩሮ ብፍርቂ ማለት 200 ዩሮ ንሰሙን ዝሰማማዕ እንተ ኾይኑ ምሉእ ውዕል ከተፈርሞ ድልውቲ ሙኻና ይገልጹ።
ካብ ንሳንቸዝ እንዳ ከፈልካ ውጽኢት ዘይትረኽበሉ ፡ በቲ ንሳንቸዝ ትኸፍሎ ክፍሊት ፡ ንዋታ ኣብ ክልተ ሓደስቲ ኣጥቃዕቲ ክትስልዖ ዝመረጸት ትመስል።
# ቤል ካብ ማድሪድ ክጣየስ
ማድሪድ ነቲ ሰፍ ዘይብል ክፍሊት ቤል ምኽፋል ፍጊዕ ዝበላ ትመስል።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ ብነጻ ምስግጋር ማን ዩናይትድ ክትውንኖ ድልየት ከም ዘለዋ ወረ ይናፈስ ኣሎ።
# ቶኒ ኣልደርወይረልድ ምስ ቶተንሃም ክሳዕ 2023 ዘጽንሖ ውዕል ዝሓለፈ ታሕሳስ ፈሪሙ።
ኣብ መወዳእታ ወቕቲ ናይዚ ዓመት እዚ ውዕሉ ክውድእ ዝግብኦ ቤልጁማዊ፡ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ዓመታት ክጸንሕ እዩ።
ድሕሪ 3 ዓመት ከ እንታይ መደብካ ዝተባህለ ናይ ሕጂ 31 ኣብ 2023 ድማ 34 ዝረግጽ ቶኒ፡
ናብ ቤልጁም ተመሊሰ ምስ ስድራቤተይ ግዜ ከሕልፍ ብፍላይ ድማ ምስ ሽዑ 3ን 5ን ዝኾኑ ደቀይ ምሉእ ግዜይ ክህቦም ብምባል መሊሱ።
# ኣርሰናል ኣጥቃዒ ሰልቲክ ኦዶሶን ኤድዋርድ ክተፈርሞ ትዘራረብ ከም ዘላ ገሊጻ።
ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ ኣርቴታ ንቦታ ኣጥቃዕቲ ሓይሊ ከድልቦ ድልየት ከምዘለዎን ምስ ናይ ኣቡመያንግ ጻንሖት ኣብታ ክለብ ኣጠራጣሪ ኣብ ዘለወሉ እዋን ፡ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ እዩ ብምባል ገሊጹ።
ኤድዋርድ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ ፡ ኣብ ዓይኒ ኣርቴታ ድማ ድሕሪ ኣብ ክለቡ ኮይኑ ኣብ 125 ጸወታታት 61 ሽቶታት ምስ ሰልቲክ ኮይኑ ብምምዝጋቡ ምኻኑ ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።
እዚ ፈረንሳዊ መንእሰይ ካብ ፒ ኤስ ጂ ኣብ 2018 እዩ ናብ ሰልቲክ ብ 30 ሚልዮን ዩሮ ተሰጋጊሩ።
# ቦርስያ ዶርትሙንድ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ መስርሕ ምስግጋር ዝተሰልዐ ገንዘብ ደው ኣቢላቶ።
በዚ ውሳነ ዕድል ዝረኸበት ማን ዩናይትድ ፡ ነቲ ናይ በርሚንግሃም ተጻዋታይ ዝኾነ ቤሊንግሃም ብዘይ ተጫራቲ ክትውንኖ ባብ ተራሕዩላ።
# ካብተን ብዙሓት ብሃለፍታ ድልየት ምውናን ሃላንድ ክትሕመሳ ዝሓገያ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነት ቶተንሃም፡ መስርሕ ምውናን እዚ ኖርወያዊ ተጻዋታይ ካብ ዝነበረ ብዝሓየለ ክትጽዕር ሙዃን ሓቢራ።
እዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብታ ኣብ 22 ምስላፍ 28 ሸቶታት ዘቑጸረላ ሬድቡል ሳልዝበርግ ናብ ዶርትሙንድ ዝተሰጋገረ ፡ ኣብ ጀርመን ውን ከይሰነፈ ኣብ 11 ጸወታ 12 ጎላት ዘመዝገበ ፡ ሃለፍታ እኳ ክውሕዶ።
# ባርሳ ኮቲንዮ ንቸልሲ ክትወስደላ ትዕድም።
እቲ ኣብ ዓመተ 2018 ካብ ሊቨርፑል ናብ ባርሳ ብ142 ሚልዮን ዩሮ ዝተሰጋገረ ኣከፋፋላይ፡ ኣብ ባርሳ ድሕሪ ምኻዱ ቀዋሚ ዕድል ምስላፍ ከም ዘይረኸበ ኩሉ ተኸታታሊ ኩዕሶ እግሪ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ኣርሰናል ቶተንሃም ከምኡ ውን ዩናይተድ ክውንንኦ ድልየት ከም ዘለወን ክገለጽ ጸኒሑ እዩ፡ ኣብዚ እዋን ብልቓሕ ምስ ባየር ሙኒክ ዝርከብ ኮቲንዮ ፡ ባየር ሙኒክ ቀዋሚ ኣባል እታ ክለብ ከምዘይትገብሮ ተሓቢርዎ ኣሎ።
# ሲሶኮ ኣከፋፋሊ ሊቨርፑል ነበር ፡ ማነ ካብ ሳላሕ ንላዕሊ ናብ ማድሪድ ክሰጋገር ተኽእሎ ኣለዎ ኢሉ።
እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ ዚዳን ዝደልዮ ብቕዓት ምስ ማነ ዝተኣሳሰር እዩ ብምባል ኣብሪሁ።
ኣብ ዓይኒ ዚዳን ዝኣተወሉ ግዜ ድማ ይብል ሲሶኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 22 ሸቶታት ንሊቨርፑል ብምምዝጋብ ናይ 97 ነጥቢ ሒዛ ክብረወሰን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ክትሰብር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮም ፡ ብሓባር ድማ ወርቂ ጫማ ዝተሸለሙ ማነን ሳላሕ ንተጻዋታይ ኣርሰናል ኣቡመያንግ ሓዊስካ ከም ዝነበረ ኣሚቱ።
ማነ ምስ ሊቨርፑል ናይ 3 ዓመት ውዕል ተሪፍዎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
# ክልተ ከዋኽብቲ ዋሕስ ድፋዕ ሊቨርፑል ዝኾኑ ፡ ቨርጅል ቫን ዳይክ ከምኡ ድማ ሓላው ልዳት ኣሊሰን ቤከርን ኣብ ድርኩኺት ምፍራም ውዕል ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ሊቨርፑል በጺሖም ኣለዉ፡ ንደገፍቲ ሊቨርፑል ጸባ ዘስቲ ዜና።
ተኸላኻላይ ሊቨርፑል ቫን ዳይክ ምስ ብጻዩ ኣሊሶን ዴከር ናብ ሊቨርፑል ፡ ኣብ ዝጻወትሉ ቦታ ብምንጽጻር ዓለም ለኸ ዝኾነ ዋጋ ከም ዝተዓደጉ ናይ ቀረባ ትዝታ 2018 እዩ ። ዝተኸፍለሎም ዋጋ ዘየጣዕስ ሙኻኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣመስኪሮም እዮም።
ቫን ዳይክ ካልኣይ ብሙኻን ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2019 ክዕወት ከሎ ኣሊሰን ድማ ብሉጽ ሓላው ልዳትን ተሰላሚ ያሺን ብሙኻን ኣብ ሓደ ዓመት ብሉጽነቶም ኣመስኪሮም እዮም።
# ክሪስ ስሞሊንግ ምስ ሮማ ንሓዋሩ ቀዋሚ ኣባል እታ ጋንታ ክኸውን ከም ዝወሰነ ስካይ ስፖርትስ ኢታልያ ገሊጻ።
ናብ ሮማ ብመልክዕ ልቃሕ ካብ ዝሰጋገር ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ስሞሊንግ ፡ ኣብ ቦታ ምክልኻል ኣገዳሲ ባእታ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ድማ እዩ እታ ጋንታ ክትውንኖ ዝወሰነት።
ንሮማ ኣለቂሓታ ዝጸንሐት ማን ዩናይትድ ድማ ነቲ ማእከል ምክልኻል ዝቦትኡ ተጓናጻይ 32 ሚልዮን ዩሮ ገሚታቶ ኣላ።