# ፖግባ ኣብ ማን ዩናይትድ ብዛዕባ ምስታ ጋንታ ምጽንሑ ዝምልከት ተስፍኣ ዝዛየደ ይመስል።
ማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝገለጽኦ ፡ ወላኳ ፖግባ ካብታ ጋንታ ክሰናበት ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንተ ጸንሐ፡ ንዝተተመነሉ ዋጋ ክትሽፍን ትኽእል ክለብ ኣብ ኤሮጳ ትህሉ ዝብል ግምት ከም ዘይብላ እያ ክትዛረብ ጸኒሓ።
ጋንትኡ በዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ብቖዓት ፡ ፖግባ ናይ ምጽናሕ ሸውሃቱ ከም ዝኽፈተሉ ኣብ ምሉእ ተስፋ ከም ትርከብ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
# ራሒም ስተርሊንግ ፡ ሊቨርፑል ኩሉ ግዜ ኣብ ልቡ ዓቢ ቦታ ከም ዘለዋ ብምግላጽ ፡ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ተሰሊፉ ክጻወት ዕድመ እንተ ተገይርሉ ዓይኑ ከም ዘይሓሲ ይዛረብ።
እዚ ከም ኣጥቅዓይ ዝስለፍ ተጻዋታይ ፡ኣብ ሊቨርፑል ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ግዜ ብምሕንጋድ ናብ ተቓናቓኒት ሊቨርፑል ዝኾነት ናይ ሕጂ እዋን ክለቡ ማን ሲቲ ብ49 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ዓመተ 2015 ምስግጋሩ ፡ ኣብ ዓይኒ ደገፍቲ ሊቨርፑል፡ ካብ ጅግና ናብ ገበነኛ ክቕየር ነዊሕ ኣይወሰደሉን።
ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጻቱ ፡ ኣብ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ ” ኣብ ሊቨርፑል ዘለኒ ፍቕሪ ብምንም ተኣምር ጎዲሉ ከም ዘይፈልጥን ፡ እቲ ኣብ ሊቨርፑል ዘሕለፎ ግዜ ድማ ሕጉስ ሙኻኑን ወሲኹ ገሊጹ።
ናብ ሊቨርፑል ክትምለስ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ ምስ ተሓተተ ድማ፡
ናብ ሊቨርፑል ክምለስ ? ግደ ሓቂ ሊቨርፑል ኣዝየ እየ ዝፈትዋ። ብምባል ሕቶ ብሕቶ ዝዓይነቱ መልሲ እዩ መሊሱ።
ነገር ጋዜጠኛ ምስ ማን ሲቲ ዘለዎ ርክብ ከየበላሽዉሉ ዝተሻቐለ ክመስል ስተርሊንግ፡ ብምቕጻል
” ነገራት ከይወጃበር ሊቨርፑል ይፈትዋ እየ ንዝበልክዎ ኣበሃህላ ፡ክገልጾ ከለኹ ፡ ሊቨርፑል ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣብዚ ደረጃ ክበጽሕ ዘዕበየትኒ ጋንታ እያ ስለዚ ብምባል ሰብ ገግምቱ ክህብ ብዘስምዕ ዓይነቱ ኣብ ጠልጠል ገዲፍዋሎ ስተርሊንግ
ንሕናኳ ክሳብ ኣሪግካ ኢሎም ዘጣይሱኒ ምስ ማን ሲቲ ደሓር ግን መቸም ሊቨርፑል ኣይጭክኑን ይኾኑ ዝብል ዘሎ ይመስል ብምባል ዝተረፈ ናባኹም ንገድፎ፨፨፨.
# ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስርሕ ምስግጋር ኤደን ሃዛርድ ኣይግድን።
ኩልና ከም ንፈልጦ ሃዛርድ ዘይ ከም ካልኦት ተጻወቲ ፡ ናብ ማድሪድ ምምርሑ ነዊሕ ቅድሚ ምስግጋሩ ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።
ስለዚ እዩ ድማ ብደገፍቲ ቸልሲ ኮነ ኣመሓደርቲ ተመሪቑ ዝወጸ።
ዘሕዘን ኣጋጣሚ ኮይሩ ፡ በልጁማዊ ሃዛርድ ከምቲ ኩሉ ኣካል ዝተመነዮ ኣይኮነሉን። መጀመርያ ብኽብደቱ ፡ ከም ተወሳኺ ድማ ብምኽንያት መጉዳእቲ ናይ ዘይምስላፍ ብድሆታት በዚሖሞ ጸኒሖም፡ ነዚ ኩሉ ዝሰገረ ሃዛርድ ናብ ብቕዓት ክምለሰሉ ኣብ ዝጀመረ እዋን ድማ ፡ ንዓለም ብሓፈሻ ከምኡ ውን ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ራዕዲ ዘእተወ ኮሮና ፡ ንጸወታ ላሊጋ ናይዚ ዓመት ንዘይተወሰነ እዋን ከም ዝስረዝ ገይርዎ ኣሎ።
ቸልሳውያን ውን ኣይጠዓሞምን ድሕሪ ሃዛርድ ፡ እቲ ማዕረ ተወዲኡ ወይ ውን ማዕረ ክዛዘም ኣብ ተስፋን ተኣምርን ተቐርቂራ ፡ ካብ ፍርቂ ሜዳ ንተጻወቲ ኣንጻር ጋንታ ብዝንኣድ ክእለቱ ዘራዚሩ ሸቶ ብምምዝጋብ ተስፋ ጋንታ ዝዘርእ ሃዛርድ ፡ መሪቓ ኣፋንያ ንሱውን ከም ዘይጠዓሞ ክትዕዘብ ከላ።
ማድሪድ ውን ብግዲኣ ፡ ንሮናልዶ ኣሰናቢታ ቦታ ናቱ ክትክእ ዝተመነየቶ በንጻሩ ከም ጀማሪ ተጻዋታይ ሓንኮልኮል ዝበለ ሃዛርድ ፡ ኣብ መጻብቦ ተቐርቂራ ትርከብ።
ሃዛርድ ናብ ኢንግላንድ ክምለስ ድልየት ከም ዘለዎ ዝናፈስ ወረ እኳ እንተ ሃለወ ፡ ሓቅነቱ ግን ዘረጋግጽ ጭብጢ የለን።
ሃዛርድ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ምውሻብ እዋን ክብደቱ ጎዲሉ ፡ ጥዕንኡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ናብ ዝነበሮ ብቕዓት ተመሊሱ ክንርእዮ ንምነ።
# ቸልሲ ኣብ ምዕዳግ ተጻወቲ ፡
ቸልሲ ከተቋምቶም እያ ዝበሃለሎም ውዕሎም ዝወድኡ ተጻወቲ መን ኮን ይኾኑ።
ኣብዚ እዋን ብዙሕ ወረ ብዛዕባ ፕረምየር ሊግ እዚ ዓመት ዝናፈሰሉ ዘሎ እዋን ኣካታዕቲ ኣርእስትታት ኣለዓዒሉ ይርከብ ። ገለ ካብኡ ፡ ሊቨርፑል ብዘርኣየቶ ብቕዓት ዋንጫ ትውሰድ፡
፡ እዛ ዓመት ትሰረዝ ዶ ወይስ ኣብ ውሳነ ኣይንተሃወኽ ዝብል ኣርእስትታት መዕለቢ ዝተሳእኖም ሕቶታት ኮይኖም ኣለዉ ፡ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዙሓት ተጻወቲ ውዕሎም ኣብዚ ዓመት እዚ ከብቅዕ እዩ። ንሎሚ ድማ ቸልሲ ጠሚታቶም ዘላ 6 ተጻወቲ ክንድህስስ ኢና።
ተቐያሪ ሓላው ልዳት ከምኡ ውን ቀዳሞት ክልተ ተሰለፍቲ ናይ መስመር ኣጥቃዕቲ ዘድልይዋ ዘለዉ ቸልሲ፡
ንሓላው ልዳት ዋትፎርድ ቤን ፎስተር ጠመተ ገይራትሉ ኣላ። ቤን ካብ ካባሌሮ ብክልተ ዓመት ዝንእስ ኮይኑ ፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዝጻወት ዘሎን ፡ ዝኣክል ተመክሮ ዘለዎን ኮይኑ ፡ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ ሓላው ልዳት ኮይኑ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ተሰሊፉ ከም ዝተጻወተን ዝዝከር እዩ።
ናይ ዎልቭስ ጆን ሩዲ ከምኡ ድማ ጆ ሃርት ናይ በርንሊ ውን ከም ምርጫ ተረቚሖም ካብ ዘለዉ እዮም።
ነቲ ካልእ ሃጓፍ ከ ብመን ክትሓትሞ ንዝብል ሕቶ ፡ ቸልሲ ንናይ ቦርንማውዝ ናይ መስመር ተዛዋታይ ርያን ፍሬዘር ሎሚ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል ዘኽትም ኣብ ምዝርራብ ከም ትርከብ ምንጭታት ሓቢሮም ፡ ግን ክንደየናይ ከየድምዕ ዝብሉ ደገፍቲ እታ ክለብ ውን ኣይተሳእኑን።
ምኩር ተኸላኻላይ ስፑርስ ጃን ቬትሮገን ፡ ንልቢ ላምፓርድ ዝወነነ ምኻኑ ባዕሉ ላምፓርድ ብዙሕ ግዜ ጠቒስዎ እዩ፡ ብብቕዓት ምውኃድ ጋንታ ዝግለጽ ጃን ኣብ ቸልሲ መጽዩ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ክገብር ካብ ዝተኣምነሎም ኮይኑ ኣሎ።
መንእሰይ ኮኾብ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ምስ ዩናይትድ ገና ኣብ ዝርርብ ምፍራም ውዕል ዝርከብ ኣንጀል ጎመዝ ፡ ላምፓርድ ናብ ሕቕፉኡ ከምጾ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘሎ ፡ ኣፈኛ እታ ክለብ መግለጺ ሂቡ።
እዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ተጻወቲ ውሑዳት ካብቶም ኣብዚ ዓመት ውዕሎም ዝውድኡ ኮይኖም ፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዝርከባ ክለባት ዘለዉ እዮም፡ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ክለባት ኤውሮጳ ብዙሓት ብሉጻት ተጻወቲ ከም ዘለዉ ኩሉ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ዝፈልጦ ኮይኑ ፡ ኣብ ቀጻሊ መደባትና ክንዝርዝሮም ሙዃና ቃል እንዳ ኣተና ናይ ሎሚ መደብና ኣብዚ ንዛዝም።