ኤፍሬም ተወልደ ( ጎምቦሎ)

ኣርሓ ዓቐብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ….!!!

ብ 1977 ኣብ ዓዲ ጎምቦሎ እተወልደ እዚ “ጎምቦሎ” እናተባህለ ኣብ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 90ታትን ድሕሪ 2000 ዓ.ምን ኣብ ዝነበረ ሓያልን ውዕዉዕን ውድድር ዝዝከር ኤፍሬም፡ ኣብ 1993፡ ብመንገዲ እቲ ብኮሚተ ቅድድም ብሽክለታ ኣውራጃ ሓማሴን ዝካየድ ዝነበረ ውድድራት ተራ ብሽክለታ (ኣባንቲ’ዩ) ናብ ኮረሻ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዝተቐልቀለ።

እዚ ይኹን እምበር እታ ብኸም ኣቦታት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እናተባህሉ ረዚን ስምን ክቡር ቦታን ዝሓዙ ናይ 40ታት 50ታትን 60ታትን ገዳይም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝነበሩ ከም ኣቦና ገብረማርያም በሃብላ፡ ካሕሳይ ሚካኤልን ኣቶ እስቲፋኖስን ጌለ (ወዲ ጃዕፈር)ን እትምራሕ ዝነበረት ኮሚተ ኤፍሬም ዝርከቦም ከም በዓል ፍስሃየ ተኸስተ(ጀላዕ)፡ ተስፎም ወልደኣብ (ወዲ ቀሺ)ን ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተቐዳደምቶም ዳኮርሶ ብሽክለታ ብምዕዳግ ኣብቲ ብ1994 ኩለን ኣውራጃታት ኤርትራ ኣሳቲፉ ኣብ ከተማታት ዓዲቐይሕ፡ መንደፈራ፡ ከረንን ኣስመራን እተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ኣሳተፉዎም እሞ፡ እቲ ንኣውራጅኡ (ሓማሴን) ብምውካል ኣብቲ ውድድር እተኻፈለ ኤፍሬም-ዓዲጎምቦሎ ከኣ ደሚቑ ወጸ።

እዚ ይኹን እምበር፡ ጎምቦሎ ጀማሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ርኡይ ናይ ቴክኒክ ሃጓፍ ነበሮ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ጎደና ኣፍዓበት እተኻየደ ውድድር ንኣፍቀርቲ ብሽክለታ ኣስመራ ንፈለማ እዋኑ ኣብ እተቐልቀለሉ መሳጢ ውድድር ብውሑዱ 4 ግዜ ወዲቑ ብምርካብ ቀመም ናይቲ ውድድር ኮይኑ ወዓለ፡፡ ከም ቅጽበት ከኣ ኤፍሬም ናብቲ ብፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣውራጃ ኣስመራ ዝዳሎ ዝነበረ ቅድድማት ክወዳደር ድሌት ኣሕደረ እሞ፡ እቲ ንብዙሓት ትስፉዋት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ግዳይ ዝገበረ ግዕዙይ ምሕደራ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ድማ ንኤፍሬም – ዓዲ ጎምቦሎ እውን ኣረኻኸበሉ።

ኤፍሬም ንፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣውራጃ ሓማሴን ብምርሕራሕ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ኣብ  ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣውራጃ ኣስመራ ክወዳደር መጸሞ፡ ‘ኮሚተ ቅድድም ብሽክለታ ኣውራጃ ሓማሴን ከኣ ኤፍሬም ምዝጉብ ተቐዳዳማይና ብምዃኑ ኣብ ኣብ ውድድራት ፌዴሬሽን ብሽክለታ ኣውራጃ ኣስመራ ክወዳደር ኣይግባእን ዝትሕዝቶኡ ናይ ጽሑፍ ደብዳቤ ናብታ ፌዴሬሽን ለኣኸት። እቲ ብጋዜጤኛታት፡ ተዓዘብትን ተቐዳደምትን ንየማነ ተኸስተ ክትክእ ልዑል ትጽቢት እተነብረሉ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ጎምቦሎ ካብ ክለቡ ተፋንዩ ናብ ውድድራት ኣስመራ ንምምራሕ ካኣ፡ ተሪፈኖኦ ንዝነበራ ናይ 6 ኣዋርሕ ፌርማታት ክሳብ ዝውድእ ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ተኣልዩ ብምጽናሕ ብኡን ብኡን ምስ ክለብ ቴለ ብምጽንባር ደጊሙ ናብ ውድድር ተመልሰ’ሞ፡ ብድሙቕ ፋጻ፡ ደገፍቲ’ታ ንሱ ዝተጸንበረላ ክለብ ቴለ ተሰንዩን ድማ ንሜዳ ወረደ። ካብቲ ዕለት’ቲ ኣትሒዙ ድማ፡ እዚ ተቐዳዳማይ ቀንዲ መቐረት እቲ ምድብ ብምዃን ሰሓቢ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ከኣ ጎምቦሎ፡ ካብ ቀንዲ ቀመም ውድድር ብሽክለታ ምድብ ማእከሎት 1994-96 ብምዃን ካኣ ልቢ ተዓዘብቲ ዘረስረሰ ውድድራት ኣርኣየ’ሞ፡ ኣብ 1996 ማልያ ክለቡ ወድዩ ናብ ዓበይቲ ሰገረ።

ኣብዚ ምድብ’ዚ እውን፡ ኣብ ከም ውድድራት ሻምፕዮን 1997 ሓዊስካ፡ ኣብ ብምሉኡ’ቲ ብፈደረሽን ውድድር ብሽክለታ ዞባ ማእከል ዝስራዕ ዝነበረ ውድድራት ከም ቀመም ውድድር ኮይኑ ጉዕዞኡ ቀጸለ። ዓቐብ ኣብ ምውጻእ ርኡይ ጸብለልታ ዝነበሮ ጎምቦሎ፡ ብ10 ግንቦት 2001 ካብ ከረን ኣቖርደት በጺሕካ ከረን ምምላስ ኣብ እተገብረ ውድድር ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ኤርትራ 2001፡ ኣብ ሽልማት ኣምበሳ ዓቐብ ቀንዲ መቐናቕንቲ ጎምቦሎ ብምዃን ዝቐረበ ክፍላይ ጎይትኦም (ወደ’ስገደ)፡ ወዲ ጋንትኡ ንኤፍሬም-ዓዲ-ጎምቦሎ ዝኾነ ዮናስ ዘካርያስ (ሓላባይ) ኣኸቲሉ ንቕድሚት ተመርቀፈ እሞ፡ እቲ ኩነታት ካኣ ኣምበሳ ዓቐብ ናይ ምዃን ሰፊሕ ተኽእሎ ንዝነበሮ ጎምቦሎ ከቢድ ፈተነ ኮይኑ ቀረበ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ካኣ፡ ጎምቦሎ! ንዓባይ ጉጅለ ወጢጡ ክፍላይን ዮናስን ንምርካብ ተጓየየ። ኮነ ድማ ‘ጎምቦሎ’ ንኽልቲኦም ተቐዳደምቲ ኣብ ዓቐብ ጥንቁልሓስ ብምርካብ ተዓዋቲ ዓቐብ እቲ ውድድር ኮነ። በታ ኣገዳሲት ውሳነኡ ተሓጊዙ ከኣ ፈላሚ ኣምበሳ ዓቐብ ውድድር ዙር ኤርትራ 2001 ብምዃን ኣብ ታሪኽ’ዚ ውድድር ብኽብሪ ሰፈረ። እዚ ይኹን እምበር፡ በይናዊ ስጉምቲ ጎምቦሎ ንወዲ ጋንትኡ ዮናስ (ሓላባይ) ግዳይ ገይሩ ተባሂሉ ብክለብ ቴለ ኣብ ዝኾነ ውድድር ንኸይሳተፍ ንሓደ ዓመት ተቐጽዐ።

መቕጻዕቲ ዓዲ ጎምቦሎ ይትረፍ ንማንም ኣፍቃሪ ስፖርት ብደገፍቲ ቴለ እውን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ካብዚ ተበጊሶም ድማ’ዮም ብዙሓት ደገፍቲን ደገፍቲ መቐናቕንቲ ክለቡን ናይ ዝነበሩን ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ኣስመራ፡ ንውሳነ ክለብ ቴለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ተቐዳዳማይ ዝቃወም እተፈላለዩ ጽሑፋት ናብ ጋዜጣታት ብሕቲ እቲ እዋን ብምልኣኽ ቅሬታኦም ክገልጹ እተራእዩ። እዚ ይኹን እምበር እቲ ውሳነ ንኣባላት ኮሚተ እታ ክለብ ዝኹርኩሕ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ናይ ሓደ ዓመት መቕጻዕቱ ዛዚሙ ናብ ውድድር እተመልሰ ጎምቦሎ ብዝኾነ መቀዳድምቱ ዝምስከረሉ ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ ተቐዳዳማይ እዩ። ዘዕረፈ እንተዕረፈ ሚዛን ሰውነቱ ዘይውስኽን ኣብ ዓቐብ ድማ ማሕዲጉዎ ክኽየድ ዝኽእል ተቐዳዳማይ ብፍጹም ይርከብ ዘይምንባሩ ከኣ ጎሊሑ ካብ ዝርአ ሕሉፍ ብልጫታቱ ነበረ።

ኣብ ውድድር ዙር ኤርትራ 2002 ደጊሙ ብምክፋል ምስ ጎብለል ተቐዳዳማይ እቲ ዓመት ዝኾነ ሚካኤል ትኩእ ዘርኣዮ ሕሉፍ ብቖዓት ከኣ፡ ብቐረባ ክጥቀስ ይካኣል። እዚ ይኹን እምበር፡ እቲ ዓቐብ ኣብ ምውጻእ ልዑል ብልጫ ዝነበሮ ጎምቦሎ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይ መድረኽ ምሉእ ነጥቢ ብምጥፍኡ፡ ንውድድር ዙር እቲ ዓመት ንስክላ ክኸስራ ምግዳዱ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክዝከር ይካኣል።

ኤፍሬም ጎምቦሎ፡ ብውሑዱ ብውሑዱ፡ ኣብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ከም እተዳለወ ብብዙሓት ተቐዳደምቲ እተገልጸሉ ውድድድር መስመር ኣስመራ – ዓዲቐይሕ ኣብ እተኻየደ ከቢድ ዓቐብ እንድሕሽ ዝርከቦ ውድድር ቀዳማይ መድረኽ፡ ብጥንቃቐ ተጻዊቱ ናብ ረብሕኡ ክቕይሮ ብብዙሓት ትጽቢት ተገይርሉ እናሃለወ ምሉእ ነጥቢ ከሲሩ’ዩ ናብቲ ከቢድ ውረድ ደይብ ዝርከቦን ምስ ቴክኒካዊ ብቕዓት እቲ ተቐዳዳማይ ድማ ዘይሳነን ውድድር ዓዲቐይሕ – ምጽዋዕ ዘምረሐ። ባዶ ነጥቢ ሓፊሱ ከኣ ናብቲ ንብሕታዊ ረብሕኡ ከገልግል ከም እተመስረሐ ዝግለጸሉ መስመር ምጽዋዕ – ኣስመራ ኣምረሐ። ኣብ ፍጻሜ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ከኣ ምሉእ ነጥቢ ረኺቡ ንቐጻሊ ኣተኣማማኒ ብቕዓት ወኒኑ ቀረበ። በዚ ኮይኑ በቲ ግና፡ ኣብ ዝቐጸለ ውድድራት እውን ጥንቁቕ ውድድራት ከርኢ ብዘይምኽኣሉ ጎምቦሎ ምስ ሚካኤል ትኩእ ብማዕረ 30 ነጥቢ ነጥቢ ብመዓልቱ ተቐዲሙ ጎብለልነት ዙር ኤርትራ ንብላሽ ኣባኸነ።

ሚካኤል ትኩኡ 30 ጎምቦሎ 30 ነጥቢ ኣዋህሊሎም ካኣ ውድድር ዙር ኤርትራ እቲ ዓመት ተመራሪሖም ዛዘሙዎ።

ኣንበሳ ዓቐብ ዙር ኤርትራ 2001፡ 2003ን 2004ን ብምዃን ሱሉሳዊ ዓወት ዝተጎናጸፈ ኤፍሬም ካልእ ዝልለየሉ ብሉጽ ቆመንኡ ኣብ ውድድር ግዜ (ክሮኖ ሜትሮ) ዝነበሮ ሕሉፍ ብልጫ’ዩ። እቲ ኣብ ከም ናይጀርያ፡ ምስሪ፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓዲ ጥልያንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣህጉራዊ ውድድራት ዘካየደ ተቐዳዳማይ፡ ብ1999 ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ 7ይ ውድድር መላእ ኣፍሪቃ (7th All Afircan Games – Johannes Berg) ኣብ ውድድር ግዜ ብምስታፍ ሰዓት 47.899 ኪ.ሜ ብምሕምባብ 5ይ ተዓዋቲ’ቲ ውድድር ብምዃን ዶጓሒ ዓወት ምጉንጻፉ ናይ እዋኑ ዝዓበየ ሃገራዊ ዜና’ዩ ዝነበረ።

ሽዑ ነበረ ድማ፡ ጋዜጣታት ደቡብ ኣፍሪቃ “ኤፍሬም ተወልደ፡ እቲ ኣብ ጎደናታት ዮሃንስ በርግ ከም ዑፍ ዝበረረ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ” ብምባል ሰፊሕ ትንተናታት ዘቕረባሉ።

እዚ ውጽኢት እዚ፡ ነቲ ድሒሩ ብዘይምሉእ ሱታፌ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እተምዝገበ ውጽኢት በሊጹ ዝቐረበ ውድድር ኮይኑ’ዩ ተመዝጊቡ ዝርከብ።

ዓዲ ጎምቦሎ ወትሩ ድሚቑ ዝቐርብ ተቐዳዳማይ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውድድር ዙር ኤርትራ 2003 ብምስታፍ ንኻልኣይ ግዚኡ ተዓዋቲ ኣምበሳ ዓቐብ እቲ ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ውድድር ዘርኣዮ ሕሉፍ ብቕዓት ግና ኣብ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ወትሩ ዘይሃስስ ተዘኩሮ ነበረ።

ብ22 መጋቢት 2003፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ከባቢ ጻዕዳ ክርስትያን ኣብ እተገብረ ናይ 8 ኪ.ሜ ርሕቀት ዝነበሮ ውድድር ግዜ መእተዊ (Prologue) ኣብ ሰዓት 51.09 ብምውንጫፍ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ መሪሕነት ውድድር እተርኢ ብጫ ማልያ ለቢሱ ናብ ዝቐጸለ ውድድር ብምምራሕ ንቕያ ኣብ ርእሲ ምባሉ ካኣ፡ ኣብ ዝበዝሐ መድረኻት እቲ ውድድር ኣብ እተሰርዐ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር እውን ንመራሒት ጉጅለ ኖርማል እንዳ ሰሓበ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣብ ኣብ ርእሲ ምዕዋቱ ውህሉል ነጥቡ ናብ 59 ክብ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ’ቲ 38 ነጥቢ ብምውህላል ናይ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ተቐዳዳማይ ሃብተ ወልደስምኦን ሰፊሕ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፉ ደጊሙ ተዓዋቲ እቲ ውድድር ኮነ፡፡

እታ ጎምቦሎ ኣብ ውድድር ዓቐብ ሕሉፍ ተቐዳዳማይ ምንባሩ ዘርኣየት ውድድር ግና፡ ብ28 መጋቢት ናይቲ ዓመት ኣብ መስመር ኣስመራ – ባረንቱ እተኻየደት በዳሂት መድረኽ ውድድር ነበረት።

ኣብቲ ህሞት ጎምቦሎ፡ መቐዳድምቱ ረጋጊሑ ንምዝራር መሪሕነት ዓቐብ ባረንቱ ተረኪቡ ጉጅለ ከም ፈትሊ’ኳ እንተሰርዓ፡ ዓቐብ ኣብ ምውድኡ ግና ብሽክለታ ኣባላሽዩ ተረፈ’ሞ፡ እንተኾነ ኣብቲ ፈታኒ ዓቐብ ብሽክለታኡ ብምቕያርን ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሑዎ ተቐዳደምቲ ድማ ሓደ ድሕሪ ሓደ በታቲኑን ኣብ ፍጻሜ 5ይ ደረጃ ሓዙ ውድድሩ ፈጸመ። መቐናቕንቱ ሃብተ ወልደስምኦን ግና ንማቲዎስ ዘርኣይ ስዒቡ 2ይ ደረጃ ብምሓዙ ጎብለልነቱ ኣውሓሰ። እንተ ጎምቦሎ ግና፡ ኣብ ወሳኒ ህሞት ንዘጋጠሞ ከቢድ ፈተነ ተጻዊሩ ንዓቐብ ባረንቱ ደጊም ክህረም ብዙሕ ብዘይትጽበዮ ናህሪ ደዪቡ ጫፍ መራሒት ጉጅለ ነኸሰ እሞ፡ በቲ ዘርኣዮ ሕሉፍ ብቕዓት ካኣ ንእለቱ ኣምበሳ ዓቐብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምዃኑ ኣመስከረን ኣብ ማህደር ታሪኽ ብሽክለታ ኤርትራውን ሰፈረን።

ሽዑ ነበረ ከኣ ጋዜጤኛ ሰሎሞን ኣበራ “ጎምቦሎ፡ ንዓቐብ ባረንቱ፡ ከም ቁልቁል እናዘወረ ከም ዝደየበ ዝገልጽ ሰፊሕ ስፖርታዊ ትንታነ ዘቕረበ)።

መዓስ እዚ ጥራሕ! ጎምቦሎ ጎብለል ማልያ ንምዕታር ኣብ እተገብረ ናይ መድረኽ ውድድር’ውን እንተኾነ ሳላ’ቲ ኣብ ዓቐብ ዝነበሮ ብልጫ ኣብ ናይ ፍጻሜ ውድድራት ብዘመዝገቦ እተፈላለየ ውጽኢታት ተሓጊዙ ውህሉል ነጥቡ ናብ 53 ኣደየቦ እሞ፡ ካብ ጎብለል ዙር ኤርትራ እቲ ዓመት ሃብተ ወልደስምኦን 6 ነጥቢ ትሕት ኢሉ ካኣ 2ይ ተሸላሚ መድረኽ ውድድር ዙር እቲ ዓመት ብምዃን ንቕያ ኣበለ። ብዘርኣዮ ብሉጽ ቆመና ካኣ ማዕጾ ሆላንዳዊት ክለብ ማርኮፖሎ ተራሕወሉ እሞ፡ ምስ ሃብተ ስዒቡ ድማ ናብ ሃገረ ሆላንድ ኣምረሐን ኣብ ብርክት ዝበለ እተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ድማ ተኻፈለን። እቲ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ንነውሕ ዓመታት ሃረር ዝበሉዎ ሱታፌ ውድድር ዙር ፈረንሳ (Le Tour De France) ካኣ ወገግ ኢሉ ቀረበ።

ምስ ማርኮፖሎ ብምጽንባር ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ከም በዓል ጀርመናውያን ተቐዳደምቲ ኤሪክ ዛቢልን ያን ኡሪችን ናይ ምክፋል ደረጃ ምብጽሑ ድማ ናይ እዋኑ ናይ ከተማ ኣስመራ ዝዓበየ ስፖርታዊ ዜና ነበረ። ምስታ ክለብ ትስፉው መጻእነት ዘሎዎ ውድድራት ብምሕላፍ ካኣ፡ ኣብ ውድድር ዙር ኤርትራ 2004 ንምስታፍ ናብ ሃገሩ ተመልሰ እሞ፡ 5ይ ዕዉት መድረኽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ውድድር ሽልማት ኣምበሳ ዓቐብ ግና ሕጂ እውን ከም ልማዱ ንሳልሳይ ግዚኡ ብምዕዋት ክብረወሰን (Haatrick) ውድድር ዙር ኤርትራ ሰበረ።

ንኻልኣይ ግዚኡ ጻውዒት ሆላንዳዊት ክለብ ማርኮፖሎ ረኺቡ ድማ፡ ደጊሙ ናብ ሃገረ ሆላንድ ኣምረሐ እሞ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ብሽክለታ ጉዕዞኡ ኣብቀዐ ።

ምንጪ ካብ ዘንበብናዮ።