ድሮግባን ኤቶን ኣብ ኣፍሪቃውያን ክግበር ንዝተባህለ ናይ ኮቪድ-19 ፈተነ ኮኒኖም
ኣይቮሪኮስታዊ ዲድየር ድሮግባ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ህዝቢ ኣፍሪቃ ናይ ጕኒ ሓሰማ [መፈተኒ] ኣይኮነን” ድሕሪ ምባሉ “ኣፍሪቃ ቤተ-ፈተነ ኣይኮነትን” ክብል ነቲ ሓሳብ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።
እቶም ሓካይም፡ ብዛዕባ ፈወሲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓደ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝካትዕሉ ዝነበሩ እዋን’ዮም ነቲ ሓሳብ ተዛሪቦም።
ፍሉጥ ካሜሩናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ ነበር ሳሙኤል ኤቶ ብወገኑ፡ ነቶም ሓካይም “ቀንጸልቲ” ክብል ገሊጽዎም።
እቲ ብ1 ሚያዝያ ብመደበር ተለቪዥን ኤል-ሲ-ኣይ (LCI)፡ ቪድዮ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ፓሪስ ዝሰርሑ ዶ/ር ጃን ፖል ሚራን ዶ/ር ካሚለ ሎክትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ’ሎ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ዶ/ር ሚራ፡ ከምቲ ናይ ኤድስ ፈተነታት፡ ናይ ኮቪደ-19 ፈተነ እውን፡ ኣብ ኣፍሪቃውያን ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።
“ቶኽታዅ ክኸውን ዝኽእል እንተኾይነ፡ ስለምንታይ ነቲ መጽናዕቲ ኣብቲ መሸፈኒ ዘይብሉ፡ መድሃኒት ዘይብሉ፡ ትንፋስ ዝመልስ ዘይብሉ ኣፍሪቃ ዘይንገብሮ? ከምቲ ብዛዕባ ኤድስ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም ካልኦት ቦታታት። ኣብ ፋይቶት፡ ፈተነታት ንገብር ኢና፡ ምኽንያቱ፡ ኣዚየን ዝተቓልዓ ብምዃነንን፡ መከላኸሊ ስለዘይጥቀማን።”
እቲ ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲዩቲት ጥዕናን ሕክምንዊ መጽናዕትን ዝሰርሕ፡ ዶ/ር ካሚለ ሎክት’ውነ፡ ምስ ዶ/ር ሚራ ከምዝሰማማዕ’ዩ ተዛሪቡ።