ኣደ ነይማር ምስ ወዲ 23 ዝኾነ ብራዚላዊ ኣፍቃሪኣ ከም ዝተፈላለዩ ኣብ ናይ ግላ ገጻት ኢንስታግራም ኣፍሊጣ። ኣደ ነይማር ጓል 52 ዓመት ሰበይቲ እየን።
ወላዲት ነይማር ናዲን ጎንካልቨስ ምስ ኣፍቃሪኣ ዝተፈላለየትሉ ምኽንያት ፡ ቅድሚ ብሓንሳብ ዙረት ምጅማሮም ምስ ካብ ደርዘን ዘይውሕዱ ዝቑጽሮም ኣወዳት ማለት ሓደ ዓይነት ጾታ(ግብረ ሰዶማዊ) ከም ዝነበረ ድሕሪ ምፍላጣ እዩ።ይቕሬታ ንቃላትና እንዳበልና ኢና ክቡራት ተኸታተልትና።
ብራዚላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ፒ.ኤስ.ጂ ወዳ ነይማር ነቲ ኣብ ገጻት መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚ ክልተ ሳምንራት ዝኣወጀቶ ርክባ ምስ ወዲ 23 ዓመት መንእሰት ትያጎ ጎንዛለዝ ደገፉ ገሊጹ ከም ዝነበር ይዝከር።
ሕጂ ግን ከም ዝተዓዘብናዮ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምፍላጣ ፡ ክትቅጽል ከም ዘይከኣለት እያ ሓቢራ።
እቲ ካብ ወዳ ብ6 ዓመታት ዝንእስ ትያጎ ቅድሚ ምስ ናዲን ኣደ ነይማር ፍቕራዊ ርክብ ምጅማሩ፡ምስ ውልቃዊ ወዲ ተባዕታይ ኮኮ ነይማር ስዉር ፍቕራዊ ርክብ ከም ዝነበሮ ውን ድሒሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
ራሞስ ብጀካ ምስቲ ኮኮ ምስ ፍሉጥ ብራዚላዊ ኮሜድያን ወዲ ተባዕታይ ስዉር ዝኾነ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዝነበሮ ተኸሺሑ፡ ራሞስ ካብ ምስ ኣደ ነይማር ዝነብረሉ ዝነበር ዋሃ ዘብል ገዛ ተሰጒጉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገጻት ኢንስታግራም ምስ ሓፍቱን ኣዲኡን ኮምፕዩተር ጌም እንዳ ተዛወተ ስእሊ ዘርጊሑ።
ራሚስ ሞዴልን ከምኡ ድማ 4ከይ ዝተባህለት ጉጅለ ጌም ኣባል ከም ዝኾነ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ነይማር ኣብ ሳንዱቕ ርእይቶ ናይ ኢንስታግራም ወላዲቱ፡”ሕጉስቲ ኩኒ ኣደይ፡ይፈትወኪ እየ” ብምባል ኣብ ምፍልላያ ውን ደገፉ ገሊጹላ።
ተጻዋታይ ኣባል ጋንታ ኣርሰናል ዝኾነ መበቆሉ ቱርኪ ዜግነቱ ጀርመናዊ መሱት ኦዚል፡ ብምኽንያት ቃልሲ ኣንጻር ኮሮና ተጻወት ካብ ደሞዞም 12.5% ተቖሪጹ ንሓገዝ ክውዕል ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዝተበገሰ ሓሳብ 3ይ ርእሱ ሓንጊዱ።
መዛረቢ ማኢከናት ዜና ኮይኑ ይርከብ።ኦዚል ንሰሙን 350 ሽሕ ዩሮ ይኽፈል።
ግን እዞም ኦዚል ዝሕመየሎም ዘሎ ኣርእስትታት ከም በዓል ስሱዕ፡ ጨካን ዘውድቑ ምኽንያት ኣለዎ በሃልቲ ኣካላት ውን ኣለዉ።
ኦዚል ንምንታይ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ፡
“ኣብ ጉዳይ ገንዘብ ዓበይቲ ዓዲ ኣካየድቲ እዛ ክለብ ጨብጥኒ እዮም እሞ ኣመሓድራ ናይቲ ዝቑረጽ ዘሎ ገንዘብ ኣዕጋቢ እንተ ኾይኑ ልዕሊ እዚ ዝቑረጽ ዘሎ ከበርክት ድሉው እየ”።
እዚ ኣብ 2021 ውዕሉ ዘኽትም ኦዚል፡ ኮሮና ትሕለፍ እምበር ዝቕኒ ኣይመስልን።