ዩኤፋ መጻኢ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዓመተ 2020-21 ምጽራይ ዝሓለፋ ክለባት ኤሮጳ ምናልባት እዚ ዓመተ ስፖርት ጸወታ ክትግበር እንተዘይተኻኢሉ ብምባል መምርሒ ሓንጺጹ።
እቲ ብምኽንያት ኮሮና ኣብ ቤቶም ኮይኖም ሓሙስ ዝገበርዎ ኣኼባ ፡ኣብ ውድድራት ቻምፕዮንስ ሊግን ኤሮጳ ሊግን ዝሳተፋ ክለባት ንምርቋሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቶም ኣብ ኣኼባ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ፡ ንኣባላት እቲ ኣኼባ ኣብ ክልተ ኣረኣእያታት ዝገምዑ ከም ዝነበረ፡ እቶም ገለ እዚ ውድድራት ማዕረ ማዕረ ክካየድ፡ እቶም ካልኦት ወገን ድማ መጀመርያ ናይ ዘቤታዊ ውድድራት ዛዚምካ ናብ ናይ ወጻኢ ማለት ቻምፕዮንስ ሊግ ጸወታ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር ተገሚቱ ዘሎ ፡ ምስጋር ዝብል ኣካታዒ ኣርእስቲ ከም ዝተላዕለ እዩ መግለጺ ዩኤፋ ዘቖሞ ኮሚቴ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣፍሊጡ።
እታ ኮሚቴ ኣብቲ ኣኼባ ንጸብጻብ ምዕባለታት ሓድሽ ዝቖመ ንኡስ ጉጅለ ሕክምና ብ ፕሮፌሰር ቲም መየር ዝምራሕ፡ ኣብ ምምርማር ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ዳግመ ምጅማር ኩዕሶ እግሪ፡ ጎኒ ጎኒ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤሮጳን ክለባት ኤሮጳን ዝግበር ዘሎ ጥንቃቐን ጽፈት ኣካይዳ እቲ መስርሕን ከም ዝተገንዘቡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ማንቸስተር ሲቲ ዋላኳ ኣብ ሰሌዳ ፕረምየር ሊግ ካልኣይ ደረጃ ዘውሓሱ እንተኾኑ ግን በቲ ዩኤፋ ኣብ ልዕሊኦም ዘውረዶ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተሳታፍነት ማዕቀብ ብምኽንያት ጉቦ ኣብ ምስራዕ ጸወታታት፡ ኣብ ይግባይ መስርሕ ስለ ዝርከቡ።
ማንቸስተር ዩናይትድ 5ይ ደረጃ ኣብ ፕረምየር ሊግ ሒዛ ዘላ ጋንታ ከም ምዃና ፡ በቲ ቀዳሞት 4 ኣብ ፕረምየር ሊግ ተሳተፍቲ ዝገብር ሕጊ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ክንዲ ማን ሲቲ ክትሳተፍ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዋ ፡ ናይ ይግባይ ሕቶ ማን ሲቲ ምስ ዝንጸግ ማለት እዩ።
እሙናት ጸብጻባት ከም ዝሓበርዎ ፡ ቸልሲ ንእጥቃዓይ ክለብ ኣርሰናል ፒር ኢመሪክ ኣውባመያንግ ከተፈርሞ ኣብ ምጽንጻን ትርከብ ።
ከም ዝፍለጥ ቸልሲ ሓድሽ ኣጥቅዓይ ናብ ቤታ ንምጽንባር መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ ክኽፈት ኣብ ትጽቢት እያ ዘላ፡ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ፍራንክ ላምፓርድ ብቀዳምነት ሒዝዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
ኣብዚ ክራማት ካብ ኣርሰናል ክወጽእ ምዃኑ ዝዝረበሉ ኣውባመያንግ፡ ነቲ ምሉእ እምነት ኣንቢሮም ቁጽሪ 9 ማልያ ክወዲ ዝሓጸይዎ ታሚ ኣብራሃም ፡ እዚ ወዲ 30 ዓመት ኣውባመያንጋ ብሉጽ ምርጫ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዝረበሉ ፡ ምኽንያቱ ምስ ዕድመ ብምትእስሳር መጻኢ ኣብራሃም በዚ ተጻዋታይ ኣርሰናል ንመጻኢ ክጸልዎ ስለ ዘይክእል።
መሊሱ እኳ ድኣ ሙኩር ምስ ሙዃኑ ፡ ተመኩሮ ክቐስምን ተወሳኺ ሓይሊ ተወዳዳርነት ክህቦን ድማ ግምታት ይግበረሉ።ብጀካዚ ኣውባመያንግ ኣግፊሕካ ምጽዋት ስለ ዘዘውትርን ፡ ንቸልሲ መገላበጢ ዝኾና ዕድላት ከም ዘውሕስን ትጽቢት ይግበረሉ።
ማዕከን ዜና ኢ.ኤስ.ፒ.ኤን ከም ዝሓበርዎ ፡ ቸልሲ ብቀረባ ንጉዳይ ውዕል ኣውባመያንግ ምስ ኣርሰናል ይከታተልዎ ኣለው ፡ ኣብዚ ክራማት ውን ናይ ምስታ ጋንታ ምጽንባሩ ስጉምቲ ክወስዱ ትጽቢት ይግበረሎም ኢላ።