ደሃይ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ቅድድም ሽክለታ፡ ኣብ መወዳእታ ጽንጽንታ ምዝውዋር ተጻወቲን ዜና ጫማ ምስቃል።
* ፈለማ ደሃይ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት፡
እዚ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝካየድ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ብሴካፋ ዝፍለጥ ሎሚ ዓመት ውድድሩ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኢትዮጵያ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ መደብ ስፖርት ሓቢርናኩም። እቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ ሰሌዳ ጸወታ ብሃንደበት ከምተቐየረ ሕጅ ዝበጸሓና ዜና ይሕብር። በዚ መሰረት እቲ ሰንበት 18 ሓምለ 2021 ሰዓት 4 ድሕር ቀትሪ ክካየድ ዝነበሮ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ቀዳም 17 ሓምለ 2021 ሰዓት 3 ድሕር ቀትሪ ከምዝተሰሓበ ብዓርብ 16 ሓምለ 2021 ሴካፋ ሓቢሩ። ብካልኣይ ስም ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ( Red Sea Camels) ተባሂላ ትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ኣንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያ ተካይዶ ናይ ፈለማ ግጥማ ከቢድ ክኸውን ከዝኽእል ምግማት ይከኣር። እዚ ግጥም ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ዕለት ኮይኑ ድሕር ወግዓዊ መኽፈቲ ዝካየድ እዮ።
ጽቡቕ ዕድል ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ።
ኣብዚ ውድድር ኣህጉራውያን ደያኑ ኤርትራ ኣብ ውድድር ሴካፋ ባህርዳር ዝሳተፉ፡
1. ኣህጉራዊ ዳኛ ተክሉ ሞጎስ
2. ኣህጉራዊ ተሓጋጋዚ ዳኛ ኢዮቤል ማይክል እዮም።
ኣብዚ ውድድር ትሽዓተ ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፉ ተቐሪቦም ይርከቡ። እዘን 9 ሃገራውያን ጋንታታት ብስለስተ ምድብ ተወዚዓን ክጻወታ እየን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣይትሳተፍን።
* ቀጺልና ናብ ቅድድም ብሽክለታ ምስ እንሰግር፡
ኣብ ቅድድም ሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ መበል 19 መድረኽ እንግሊዛዊ ማርክ ካቫንዲሽ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ክብረወሰን ክሰብር ትጽቢት እንተነበረ፡ ወድ 26 ስሎቪንያዊ ሞሆሪች ኣብዚ መድረኽ ዕውት ብምዃኑ፡ ናይ ካቫንድሽ ንቤልጅማዊ መርክስ ናይ ምሕላፍ ክብረወሰኑ ተደናጒዮ። ካቫንድሽ ምናልባት ኣብ ናይ ጽባሕ ሰንበት ቅድድም ክብረወሰን ናይ ምስባር ዕድል ይህልዋ ይኸውን።
ብካልእ ዜና ቅድድም ሽክለታ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ወድ 21 ዓመት ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ቅድድም ሽክለታ ማስትሮ ማርኮ ናይ 3ይ ደረጃ ዓወት ኣመዝጊቡ ኣርሓ ናይቲ ውድድር ኮይኑ ውዒሉ። ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስታ ናይ ዎርልድ ቱር ዓባይ ጋንታ ኲቤካ ኔክስት ሃሽ ብወግዒ ከምተጸንበረ ኣብዝሓለፈ እዋን ኣብ መደብና ገሊጽናልኩም።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዝሓልፈ ክልተ ዓመት ምስ መጋቢት ናይዛ ጋንታ ዝኾነት ኮንትነታል ጋንታ ኲቤካ ኣሶስ ግቡእ ተምክሮታት ክቐስም ድሕር ምጽናሕ ካብ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ግን ንክልተ ዓመት ናይ ፕሮፈሽናል ውዕል ምስ ናይ ዎርልድ ቱር ዓባይ ጋንታ ተፈራሪሙ።
* ኣብ መወዳእታ ጽንጽንታ ምዝውዋር ተጻወቲ፡
> ሓላፊ እንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ንተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ክለብ ቶተንሃም ሃሪ ኬን ናይ ክለብ ተጻዋታይ እዮ፡ ካልእ ዝበሃል ነገር የለን ኣርባዕተ ነጥቢ ክብል መግለጺ ሂቡ።
> ብሉጽ ሓላው ልዳት ዋንጫ ኣውሮጳ 2020 ብምዃን ዝተሸለመ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ጂያን ሉጂ ዶናሩማ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ፒ ኤስ ጂ ከም ዝተሰጋገረ እታ ክለብ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ዶናሩማ ብንጽ መስርሕ ናብታ ክለብ ዝተሰጋገረ ኮይኑ ክሳብ 2026 ክጸንሕ ከምዝፈረመ ተፈሊጡ።
> እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ንኢጣልያዊ ፈደሪኮ ኬዛ ንምፍራም ኣስታት 100 ሚልዮን ዮሮ ኣዳልያ ንኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ከምዝሓተተታ መርበብ ሓበሬታ ቢልድ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ 2020 ደሚቑ ዝተራኣየ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ብብዙሓት ክለባት ተጠሚቱ ይህደን ኣሎ፡ ኮይኑ ግና ክለቡ ጁቬንቱስ ዘይሽየጥ ተጻዋታይ ክትብል ብወግዒ ሓቢራ’ላ።
> ፈረንሳዊት ክለብ ማርሰይ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ብዙሓት ተጻወቲ ኣፈሪማ። ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል ዝኾነ ዊልያም ሳሊባ ንሓደ ዓመት ብመልክዕ ለቃሕ ምስ ክለብ ማርሰይ ክጻወት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም እታ ፈረንሳዊት ክለብ ብዕሊ ሓቢራ።ብተወሳኺ ካልኦት ተጻወትቲ ሓላው ልዳት ሎፐዝ፡ንጎንደዚ፡ገርሶን፡ኮንራድን ባለርዲ ዝርከብዎም ሓሞሽተ ተጻወትቲ ኣፈሪማ ትርከብ።
> እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ንኣከፋፋሊ ኢንተር ሚላን ኒኮሎ ባሬላ ንከተፈርሞ ትህቅን ከምዘላ ላ ሪፖብሊካ ሓቢራ። እዚ ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ 2020 ብቕዓቱ ዘመስከረ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ብሊቨርፑል 60 ሚልዮን ተቀሪብሉ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ወሲኹ ሓቢሩ።
> ካታሎንያዊት ክለብ ባርሰሎና ንተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ክለብ ባርሰሎና ኣንቶኒ ግሪዝማን ናብ ክለብ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣፋንያ ኣምሳይኡ ንሳውል ኒጕየዝ ትደልይዋ ከምዘላ ተገሊጹ።
ዜና ጫማ ምስቃል፡
ሓደ ካብ ብሉጻት ተጻወትቲ ዓለምና ዝኾነ ወድ 37 ዓመት ሆላንዳዊ ኣርየን ሩበን ካብ ኩዕሶ እግሪ ብወግዒ ከምዝተሰናበተን ጫምኡ ክሰቅል ከምዝወሰነ ሓቢሩ። ሩበን ኣብ ናይ ፕሮፌሽናል ዘመኑ 710 ጸወታታት ተሳቲፉ፡ 246 ሽቶታት ኣመዝጊቡ፡ ብቀረብ ኩዓሳሱ ናብ ሽቶ እውን ሓደ ካብቶም ወሓለታት ተጻወትቲ ምንባሩ ይንገረሉ።
ሩበን 28 ዓበይቲ ዋንጫ ብምዕታር 8 ግዜ ቡንደስ ሊጋ ጀርመን፡ 2 ግዜ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ 5 ግዜ ዋንጫ ጀርመን 3 ግዜ ናይ ዕውታት ዕውትቲ ኣብ ጀርመን ብምዕዋት ብቕዓቱን ክእልትን ኣብ ሃገራት ሆላንድ፡ጀርመን፡ስጳኛን እንግሊዝን ዘመስከረ ብሉጽ ተጻዋታይ ኔሩ።