ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቅ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ረቡዕ 18 ነሓሰ ምስ መዘነኣ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ካልኣይ እግሪ ግጥም ኣካይዳ።
ኣብቲ ግጥም ኤርትራ ብፍጹም ብቕዓት ዓብሊላ 3 ብ 0 ተዓዊታ።
ከምዝፍለጥ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ንጅቡቲ 3 ብ 1 ምስዓራ ይዝከር።
ብሓፈሻ ውጽኢት ኤርትራ ንጅቡቲ 6 ብ 1 ብምስዓር ትመርሕ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ደቅ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝቕጽል ግጥም ምስ ታንዛንያ ክተካይድ ኢያ።