መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ ዘደላድለሉ ዘሎ እዋን ፣ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ተጻብኦ የዝልቕ ኣሎ።

ስልፊ ብልጽግና ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ዘተ ንምኽታም ኩሎም ኣማራጺታት ክጥቀም ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሮ’ዉን መግብን ሕክምናዊ ረዳኤትን ዝጸዓና መካይን ናብ መቐለ ይብገሳ ምህላወን ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ወተሃደራዊ ጽምዶ ብምዝላቚ ኣብ ዝተፈጥረ ቊጥዐ ተሻሪኾምን ሓቢሮምን ዘለዉ ጉጅለ ህግደፍን ሓይልታት ኣምሓራን ፣ ነዚ ዝምዝገብ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድና ከም ገዚፍ ስግኣት ርእዮም ሽርክነቶም ኣብ ምድልዳል ይርከቡ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ላዕለዎት ኣባላት ናይቶም ብፈደራላዊ መንግስቲ ንጥለም ኣለና ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ቀጻሊን ጽዑቕን ርክባት ከምዝርከብ እዉን ኣብ’ዚ ቅንያት ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ኪሰልኲ ዝተራእዩ ስእልታት የረጋግጹ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ ሃገር ንዘሎ ዝርካቡ ፊናንሳዊን ወተሃደራዊን ትሕዞ ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብምምቓል ፡ እቶም ሓይልታት ካብ ቊጠባዊን ሎጂስቲካዊን ጸቕጥታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገላጊሎም ምስኡ ንኽዉግኑ ብተግባር ይዋሳእ ከምዘሎ ምንጭታትና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣቃሊዖም ምንባሮም ይዝከር።

ተወሰኽቲ ሰራዊት ምዕላም፣ ወተሃደራዊ ስንቂ ምዉሓስ ፣ ዝተመስጠረ ሓባራዊ እዚ ምቛም፣  ከምኡ’ዉን ገንዘባዊ ሓገዝ ምርግጋጽ – ዝገዘፉ ካብቶም ህግደፍ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ተመባጺዑ ከተግብሮም ጀሚሩ ዘሎ ደገፋት ከምዝኾነ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዑል ቊጽሪ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ደቡባዊ ጫፋት ጋሽ-ባርካ እንዳሰልጠነ ነቲ ኣብ ወልቃይት ሰሪቱ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልል ኣምሓራ ንምድልዳል ይጓየ፣ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተኻሕዱ ንምእማን ድማ ዉሽጣዊ ዘመተታት የካይድ ምህላዉ እዉን ተሓቢሩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማሕበረሰብ ምዕራባዊ ዓለም ዘመዝግቦ ዘሎ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ዝምድናታት፡ ከምኡ’ዉን  ኲናት ሕድሕድ ሃገሩ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ዝጎየሉ ዘሎ መርገጺ  ፡ ነቲ  ኣብ ዘይናቱ ኲናት ዓብላሊ ተራ ዝጸንሖ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኪጓነ ከምዝገብሩ ይፍለጥ።

ብእዋናዊ መርገጺታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቖጥዐ ህግደፍ ኣብ ኣካይዳታቱ ዳግመ ስርርዕ ኪገብር ተገዲዱ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኪነጥፋ ዝጸንሓ ናይ ጸጥታን ስለያን ኣሃዱታቱ የውጽእ ምህላዉ፣ ኣብቲ ናይ ምዉጻእ መስርሕ ድማ ገለ ምስሕሓባት ይርአ ከምዘሎ ምሕባርና እዉን ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ስለያዊ ኮለላን ሓለዋ ቊልፊ ቦታታትን ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ክነጥፋ ዝጸንሓ ኣሃዱታት ህግደፍ ናብ ኤርትራ ይምለሳ ኣብ ዘለዋሉ ፡ ወተሃደራዊ ንብረትን ስለያዊ ሰነዳትን ሒዘን ከይወጻ ብሰራዊት ፈደራል ቀጻሊ ምክትታል ይግበር ብምህላዉ ፡ ርኡይ ምስሕሓባት ይዛይድ ከምዘሎ ይንገር።