መደበር ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ንሽልማት ሚ.ም.ዮ (MMY Award) ዝበቕዑ ሕጹያት ኣብ ምንዳይ ትርከብ ብምህላዋ፣ ኩልኹም ኤርትራዉያንን ፈተዉቲ ኤርትራን ነዚ ሽልማት እዚ ይበቅዕ እዩ ዝብልክምዎ ሰብ ክትረቚሑ ትጽዉዕ ኣላ። ሽልማት ም.ም.ዮ/MMY ንዝኽሪ ሓርበኛ ጋዜጠኛ ነፍስሄር ሚልክያስ ምሕረትኣብ ኣብ ግንቦት 2021 ዝተበጋገሰ፡ ነጻ ሚድያን ተባዕ ጋዜጠኝነትን ኤርትራ ንምሕያል ዝዓለመ ኣፍልጦ’ዩ።
ነዚ ሽልማት ዝርቋሕ መን’ዮ፧
ኣብ ምብርካት፣ ኣብ ምእካብን ምስናድን፣ ኣብ ምጽሓፍ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕታምን ምኽፋልን ናይ ጽሑፍ፣ ድምጺን ስእሊን ሓበሬታታት ብነጻነትን ትብዓትን ዝነጠፉ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲን ኣሕተምቲን።ከም ኣብነት፣ ንድሕነቶም ኣብ ምሉእ ሓደጋ አእትዮም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብድፍረት ሰኒዶም ንዓለም ዘፍለጡ ዉልቀሰባት።
ዝረቛሕክምዎም ሕጹያት ብኸመይ ተፍልጡ፧
ብዛዕባ እቲ ረቚሕክሞ ዘለኹም ሰብን፡ በየናይ ምኽንያት ከምዝሓጸኽምዎን ዘረድእ ካብ 400 ቃላት ዘይበዝሕ ንኡስ መግለጺ ምስ ገለ ደገፍቲ መርትዖታት ብመንገዲ awards@erisat.org ወይ ድማ ኣብዚ ጥብቆ https://forms.gle/X8D2apQSArprywHU7 ብምእታው ንዚ ቅጥዒ ብምምላእ ክትሓጽዩ ትኽእሉ ኢኹም
ገደብ ግዜ፥
ካብ 10 መጋቢት – 10 ሚያዝያ 2022 ሕጹያትኩም እተፍልጥሉ
ኣብ ግንቦት 2022 ድማ ዕዉት ዝንገረሉ
ሽልማት፥
ተዓዋቲ/ት ናይ ሽልማት ሚ.ም.ዮ (MMY Award) ምስክርነት ወረቐትን ክሳብ $1,000 ዶላር ኣመሪካ ዝበጽሕ ገንዘባዊ ሽልማትን ይወሃቦ/ባ።