ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ፣ ብቀንዱ ንኤርትራዉያን ሰብ ሞያ ባሕሪ ብምጥርናፍን ብምዉህሃድን ከም ኣብ ኩሉ ዓውዲ ንሞያ ባሕሪ ብምምላክ ምስ ህሉው ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታት ሞያ ባሕሪ ብምሱጋም፣ ንናይ ጽባሕ ንተፈጥርኣዊ ጸግጋ ቀይሕ ባሕሪ መሰረታ ጌራ ትህነጽ ሓያል ዲሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ ጠሚቱ ዝሰርሕ ሞያዊ ማሕበር።
ሞያ ባሕሪ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሮቃሒ ተልዩ ምስ ኩሉ ዓውድታት ሕጊ፣ምህንድስና፣ሕክምና፣ቱሪዝም፣ሞጋዓዝያ፣ወጻኢ ዝምድናታት፣ሸቀጥ፣ጸጥታትን ብዓሚቅ ብምፍላጥን ብምትእስሳር ዝሰሕ ዓውዲ ከም ሙካኑ እዪ።
ነዚ ኩሉ ብምዉህሃድ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጂኦግራፊካዊ ኣቃዉማ ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ትካላት ብምስሓብ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ሃገርና ኤርትራ ዝህልዎ ተራ መሰረታዊ ሙካኑ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ እዩ።
ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ቀይሕ ባሕርና ኤርትራ ብፍሉይን ብዝከፍኤን ካብዚ ሓዲድ ምዕባለ ወጺኡ ዘርከበ ዓሻ ክምነዮ ምርኣይ መርኣያ እቲ ማዕረ ክንደይ ኣገዳስነት ባሕርና ረሲዕናን ሸለል ኢልና ኣብ ጋል መገዲ ተጸሚድና ምህላዉና ዘርኢ እዩ።
ኣብ ናይ ጥበባዊ ምህዞን ብልህን ሙሁራቶም ተሞርኪሶም ብኢድ ኣዙር ባሕርና ክርከቡ ዝምድሩ ሊሂቃን ጎረባብቲ ልክዕ ከምቲ ንደርሆ እቲ ዘሽረክርከልኪ ዘለኩ ማይ ዉዑይ መሕጸቢኪ እቲ ካራ ድማ መከላከሊኪ እዩ ብዘስምዕ ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀት ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነንን። ኣቀዲምና ንስቅታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወግዓዊ ግህሰት ንልኡላዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቅረብናዮ ጽሑፍ ምዉካስ ይከኣል።
ወፍሪ ኣብ ባሕሪ ልዑል ማልን ልዑል ዝተወሃሃደ ሞያዊ ዓቅሚ ምስ ሓያል ነዚ ዝቅልብ ኣካድምያዉያን ኢንስቲቱት ምስ ሓያል ናይ ዝምድናታት ናይ ወጻኢ መሻርክቲ ንግድን ቴክኖሎጅን ዝሓትት ዉን እዩ።
ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ብዘይካቲ ሕልክላካት ዝበዝሖ ምሃብ ኣገልግሎት ወደብ ንኢትዮጵያ ምስ ዞባዉያንን ኣህግራዉያን ትካላት ብዝነበረ ምትእስሳር ወፍሪ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምህርቱ ክሕፈሰሉ ምክኣሉ ተኣምር ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ ሰሪቱ ዝመጸ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ጨንፈሩን ምስቲ ዝነበሮ ንግዳዊ መስመር ተኣሳሲሩ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ብዝለዓለ ናህሪ ስለ ዝቀጸለ እዩ። መብዛሕትኦም ካብ ህዝቢ ዓፋር ዝኮኑ ተቀማጦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበሮም ተራን ምትእስሳር ምስ ጎሬባብቲ ሃገራት ዉን ኣቅሊልካ ዝሬኤ ዉን ኣይነበረን።ብዝተገብረሎም ገዚፍ ወፍሪ ካብ ባህላዉያን ናብ ዘመናዉያን ኣብ ምስግጋር ሶጊሞም ዉን ምንባሮም ዝርሳዕ ኣይኮነን።
እቲ ብሰሪ እዚ ሎሚ ኣብ ሕድሕድ ናይ ስልጣን ዉድድር ብምእታው ናብ ኣሳርን ተኣሳርን ሃዋሁ ብምእታው፣ ሃገር ከም ሽንቲ ገመል ብምጉታት ኣብ ፍጹም ዉልቀ መላኪ ብምቅያር ነቲ ብደምን ረሃጽን ቀያሕትን ጸለምትን ኤርትራዉያን ደቂ ህዝቢ ዝመጸ መሬታዊ ልኡላዉነት ኣብ ክንዲ ብቁጠባዊ ሓርነት ምድባስ ነታ እንኮ ዝተዓወተላ መሬታዊ ሓርነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዋ ከሎ ዘገርም ኣይኮነንን። እቲ ዘገርም ኣባና ኣብቶም ዋናታት እዚ ብመስዋእቲ ኣቦታትና ዝተረክበ መሬታዊ ሓርነት ናትና እንበር ናቱ ከም ዘይኮነ ኣሚና ኣብ ሓደ ሰሚርና ዘይምቅላስናን፣ ኤርትራ ከም ናይ ዉልቁ ጌርና ብምርኣይ ብዘስምዕ፣ ካልእ ኣማራጺ ንምድላይ ጋል መገዲ ምምራጽና እዩ።
ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክበሃል ከሎ ምግፋፍ ዓሳን ኣገልግሎት ወደብ ንኢትዮጵያን ጥራይ ዝመስለና ኣዚና ብዙሓት ሙካና ሓደ ካብቲ ዘለና ሃብቲ ከይንፈልጥ ብምግባር ኣብ ባሕርና ሸለልትነት ንከነርኢ ብፍላጥ ኮነ ምስ ዉልቃዊ ምድልዳል ስልጣን ንዉልቃዊ ረብሓ ከምቲ ኣንጭዋ ንምቅታል ሞጎጎ ብምስባሩ ብዘዕነዎ መጎጎ ዘይሓዘነስ ብዝቀተላ ኣንጭዋ ዝንየት እዩ ኮይንና ዘሎ።
እዚ ጭልፋ ካብ ባሕሪ ኮይኑ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ንመጻኢት ኤርትራ መሰረት ቁጠባዊ ዕብየት ዘውሕስ ካብ ሙካን ሓሊፉ፣ ንጎረባብትናንን ኣህጉርናንን ወሃብ ኣገልግሎትን ምንጪ ኣታዊታት ኮይኑ ማእከል ስሕበት ዝከዉን ጂኦ-እስትራተጂካዊ ማእከል እዩ።
ነዚ ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዮ ጂኦ-እስትራቲጂካዊ ረብሓ ንምምንዛዕ ወይ ንምህሳስ ዝግበር ጻዕሪ ክቅጽል ሙካኑ ዝግመት እዩ።ነዚ ንምምካት ብቀንዱ ከም ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ በዚ ዓውዲ ክንዛረብ ተኮይና፣ ኤርትራዉያን ሰብ ሞያ ባሕሪ ንምጥርናፍ፣ ንምዉዳብ ከምኡ ዉን ብተሞክሮን ትምርትን ምዕባይን ካብ ዘለዉና መደባት እዩ። ነዊሕ ብምጥማት፣ ሓደስቲ ወለዶታት ንሞያ ባሕሪ ከም ሓደ ዓውዲ ብምምራጽ ኣብ ዓውድታት ምህንድስና ባሕሪ፣ ሞጋዓዝያ ባሕሪ፣ ንግዳዊ መራከቢታት ባሕሪ፣ ስነ-ሂወታዊ ስነ-ፍልጠጥ ባሕሪ፣ ሕጊ ባሕሪ፣ ምህዞን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራት ባሕርን፣ ኢንዳስትሪ ህንጸት መጎዓዝያ ባሕሪ፣ ማያዊ ቱሪዝም ወዘተ …፣ ኣኣብ ዘለዉዎ ሃገራት ንዘሎ ትምርታዊ ዕድላት ብምጥቃም ነዚ ዓውድታት ከጽንዑን ኣብዚ ማሕበር ብምጽንባር ንመጻኢት ኤርትራ መሰረት ንምንጻፍ ክትሰርሑ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ከም ወትሩ ጻዊዒቱ የሐድስ።
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
እዋናዊ ጉዳያት
20 መጋቢት 2022