ማሕበረኮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ጨንፈር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን (ARRA) ኪረኽብዎ ተጸጊሞም ዘለዉ ኣገልግሎት ፍታሕ ክናደየሉ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ 28 መጋቢት ንምክያድ መዲቡ ኣሎ።

እቲ ማሕበረኮም፡ ብዛዕባ’ቲ ንምርካቡ ኣጸጊሙ ዘሎ ኣገልግሎት ብዝምልከት ካብ UNHCR, ክፍሊ ኣገልግሎት ዳግመ-ሰፈራ (RRS) ከምኡ’ዉን ኮማዊ ማእከል ስደተኛታት (RCC) ብቐጻሊ ክጠልቦ ዝጽንሐ ንጹርን እዋናዊን ሓበሬታ ዘተኣማምን መልሲ ይስእን ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ኣድህቦን ፍታሕን ንኽርከቦ ነቲ ናይ 28 መጋቢት ሰላማዊ ሰልፊ ሰሪዑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ARR ብመንገዲ ክፍሊ ኣገልግሎታት ዳግመ-ሰፈራ፣ ቪዛ መጽዩዎም ምምሕዳራዊን ሰነዳዊን ደገፋት ኪሓቱ ንዝጸንሑ ኤርትራዉያን ካብ 3 መጋቢት ከፊላዊ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ እኳ እንተገለጸ ፣ ዛጊት ዘሳለጦ ስራሓት ከምዘየለ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ከምሳዕቤኑ ፡ ናይ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቪዛ ይሓርርን ኪሓርር ይቐርብን ፣ እቲ ብተሓዝቲ ቪዛ ዝሕተት ኣገልግሎት ብክፍሊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ይጻረ  ብምህላዉ እዉን ዝበኣኣሰ ምድንጓይ ይምዝገብ ከምዘሎ  ይንገር።

ነዊሕ ናይ ዳግመ ሰፈራ መስርሕ ዝተጸበዩ ፣ ብትምህርቲ፡ መርዓን፡ ምጥርናፍ ስድራቤትን ዉዕላት ስራሕን ናብ ሃገራት ምዕራብ ከምርሑ ፍቓድ ዝረኸቡ ሓያለ ኤርትራዉያን ፡ ካብ ARRAን UNHCRን ኪረኽብዎም ግድን ዝኾኑ ሰነዳት ጒዕዞን ምምሕዳራዊ ደገፋትን ስኢኖም መደባቶም ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ዘዘኻኸረ ማሕበረኮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ነቲ ሰዓት 8:00 ንግሆ ኣብ ቤት ጽሕፈት ARRA ኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኪሳተፎ ጸዊዑ ኣሎ።

ብዘይካዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጨንፈር UNHCR ኣብታ ሃገርን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ጀሚሮም መሰል ዑቕባ ንኤርትራዉያን ዕጹው ጌሮሞ ከምዝመስል ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሰል ሓደስቲ ሓታቲ ዑቕባ ኤርትራዉያን ብዝምልከት ዛጊት ዝሓንጸጾ መደብ ከምዘየለ እዩ ማሕበረ-ኮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝወቅስ።