ኣብ’ታ ጉልበት ዜጋታት ዕለታዊ ብነጻ ዝምዝመዘላ ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ንመበል 31 ግዜኡ ብዘይሕክንከት ተባዒሉ።
ንዝነኣሰ መሰል ይዂም ድሕነት ሰራሕተኛታት ኪሕሉ ብቕዓትን ሓላፍነትን ዘይዉንን ሃገራዊ ኮንፈደሬሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ተሓቢኡ ከሕልፎ ዝግባእ ዕለት፡ ንሚንስተራትን ሓለፍቲ ህግደፍን ብምዕዳም ኣብ ዝወደቦ ኣጋጣሚ፡ “ሓደ ግንቦት ፡ ኤርትራዉያን ሰራሕተኛታት ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊን ባህላዊን ህላዌኦም ዘቃልሑላ ክብርቲ ዕለት እያ” ክብል ዘስደምም መግለጺ ሂቡ ኣሎ።
ንጸቢብ ረብሓ ጉጅለ ህግደፍ ከማልኡ ብዝተሓንጠጡ ኣዋጃት ዝንቀሳቐስ እቲ ኮንፈደሬሽን፡ ክሳብ እዛ ዕለት እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መንግስታዉያን ትካላት ሃገርና ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ምዝመዛ ቀጻልነቱ ኣብ ምርግጋጽ ዝነጥፍ ዘሎ እዩ።
ከም ስድራ ስዉኣት ኣብ ሰነ ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ንስለ ድግስን ፈንጠዝያን ኣባላት ህግደፍ ዝዝከሩ ሰራሕተኛታት ሃገርና፡ ካብ ባርነት ዘይፍለ ምዝመዛ መጓዕዝቶም ኮይኑ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ይበልዩ ምህላዎም ይፍለጥ።
1 ግንቦት ፡ ሰራሕተኛታት ዓለም ክብሪ፡ መሰል፡ ድሕነትን ሞሳነትን ከምዝግባኦም እተዘኻኽር ረዛን ዕለት እያ።
ብኣንጻሩ፡ ክብሪ ሰራሕተኛታት ይዂን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይብሉ ህግደፍ፡ ነቲ ዘይበቅዕ መሃያ እንዳተኸፍሎ ንኹሉ ጸገማት ኣብ ዝባኑ ኣጽሕዩ ሃገር ዘቐጽል ዘሎ ኩሉ ሃገራዊ ንምድኻም ገና ኣብ ጻዕሪ ይርከብ።