ፕረዚደንት ዩክሬን ቩላድሚር ዘለንስኪ ንመራሕቲ ኣባል ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት መግለጺ ኪህብ ናብ ዋና-ጸሓፊ እቲ ሕብረት ጠለብ ኣቕሪቡ። እቲ ዩክሬናዊ ፕረዚደንት ኣቐድም ኣቢሉ ንእዋናዊ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ዝኾነ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ተመሳሳሊ ጠለብ ኣቅሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ወራር ሩስያ ንምምካት ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊን ፖሊቲካዊን ዘመተታት ከምዝርከብ ዝንገረሉ እቲ ዩክሬናዊ ፕረዚደንት ፣ ብመንዛዊ ኣገባብ ኣብ ሓያለ ባይቶታት ሃገራትን ኣህጉራዉያን ትካላትን እንዳቐረበ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተኣዊጁ ዘሎ ወራር ንምግታእ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይሓትት ምህላዉ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ’ቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሓመድ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ሃገሩ ምስ ኩለን ኣባላት እቲ ሕብረት ኪመሓየሽ ንእትደልዮ ዝምድና ንምርጋጽ ዝሓለነ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ዋና-ጸሓፊ ሙሳ ፋኪ፣ ብዛዕባ እቲ ዳግማይ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ዩክሬን ነቲ ጠለብ ምቕራቡ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ እወታዊ መልሲ ኪረክብን ዘይክረክብን ንግዜ ዝግደፍ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ጠለብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ዘለወን መርገጺ ዝተመቓቐለ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ዝቐርብ ዘሎ። ከምዝፍለጥ ወራር ሩስያ ዝዂንን ብይን ንምሕላፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተቓንዐ ፍሉይ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 28 ጥራይ ኣየን ደገፈን ኣስሚዐን ። ነቲ ብይን ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያን ኣንጎላን ዝርከባአን 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸን ኪዕቅባሉ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ፡ ካሜሩንን ሞሮኮን ዝርከባአን 8 ሃገራት ድማ ዝኾነ ድምጺ ካብ ምሃብ ዝቦኸራ እየን። ነቲ ብይን ብግህዶ ተቛዉማ ገና ጸግዒ ሩስያ ዝሓዘት ሃገር ድማ ኤርትራ እያ።
ወራር ሩስያ ንዝጸንሐ ዓለማዊ ስርዓት ብሓፈሻ ንብቚዕነት እቶም ከም ባይቶ ጸጥታ ዝበሉ ኣህጉራዉያን ኣውሓስቲ ከኣ ብፍላይ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ ከምዝርከብ እዮም ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ዚዛረቡ።
ኲናት ዩክሬን ነቲ ኣብ 1960ታት ዝተራኣየ ኣየነይቲ ሃገር ናይ ኣየናይ ደምበ ጸግዒ ሓዘት ዘምስል ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይምዝገብ ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ተንተንቲ፣ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍታሕ ኪርከበሉ እንተዘይተኻኢሉ ፣ ድሮ ኣኸቲልዎ ዘሎ ሰብኣዊን ቊጠባዊን ቅልዉላዉ ዝነኣሰ ክፋል ናይ’ቲ ድሒሩ ኪስዕብ ዝኽእል ዕንወት ከምዝኾነ እዮም ዘተሓሳስቡ።