ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ ከቢድ ሽግር ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ነታ ንዓበይቲ ክለባት ኣሸጋሪት ኮይና ቀሪባ ዘላ ቤሬንትፎርድ ዓዲማ ትማሊ ምሸት ሰዓት 10 ዝገጠመት ማንችስተር ዩናይትድ፡ ካብ ብሩኖ ፈርናዴዝ፡ ሮናልዶን ቫራንን ዝረኸበተን ሰለስተ ሽቶታት ተሓጊዛ 3 ብ 0 ተዓዊታ። ማቲች፡ ካቫኒ ክምኡውን ማታ ትማሊ ምሸት ኣብ ቅድሚ ደገፍቶም ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ ኣብ ሜዳ ኦልድትራፎር ጸወታ ክኽውን ከምዝኽእል ይግመት። ማንችስተር ዩናይተድ ካብ 5ይቲ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ቶተንሃም ሆትስፐር ብ 3 ነጥቢ ፍሒራ፡ ብ 58 ነጥቢ 6ይቲ ኮይና ተሰሪዓ ትርከብ። ዩናይትድ ካብተን ኣብ ራብዓይን ሓሙሻይን ተሰሪዐን ዘለዋ ኣርሴናልን ቶተንሃምን ክልተ ዝያዳ ጸወታታት ስለዘካየደት፡ ናይ ዝመጽእ ዓመተ-ስፖርት ሻምፒዮንስ ሊግ ናይ ምስታፍ ዕድል ዳርጋ የብላን። ጸወታ ኤፍ.ኤ ካብ ሞንጎ ቼልሲን ሊቨርፑልን ስለዝኾነ፡ ማንችስተር ዩናይትድ ዝመጽእ ዓመት ኤውርጳ ሊግ ናይ ምስታፍ ዕድል ክህልዋ ኢዩ። ብመሰረት ሕጊ ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ 5ይ ደረጃ ሒዛ ዝወደአት ጋንታ ብቐጥታ ናብ ኢውሮጳ ሊግ ክትሳተፍ’ከላ፡ ተዓዋቲት ኤፍ ኤ ካፕ ከኣ ናብ ጸወታ ኤውሮጳ ሊግ ትሓልፍ ኢያ። ስለዝኾነ ናይ ኢውሮጳ ሊግ ናይ ምስታፍ ዕድላ ብናይ ተዓዋቲ ኤፍ ኤ ካፕ ጋንታ (ካብ ሊቨርፑልን ቼልሲን) ኣይትምንጠልን ማለት ኢዩ። ካብ ናይ ማንችስተር ዩናይትድ ዜና ከይወጻእና፡ ኣሰልጣኒ እዛ ክለብ ራልፍ ራንግኒክ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ን 3 ዓመት ውዕል ዝፈረመ ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ኣማኻሪ ኮይኑ ክሰርሕ ተሰማሚዑ። ኣቐዲሙ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኦስትሪያ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ክሰርሕ ዕድል ዝረኸበ ራንግኒክ፡ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ነታ ናይ ሻምፒዮንስ ሊግ ተሳትፎ ዳርጋ ተስፋ ዘይብላ ክለብ እዙዝ ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ተገቢርሉ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ስፖርት መወዳእታ፡ ብዙሓት ተጻወቲ ነዛ ዓባይ ክለብ ገዲፎማ ከምዝኸዱ ተፈሊጡ ኣሎ። ማቲች ከምዝወጽእ ከረጋግጽ’ከሎ፡ ዩኣን ማታ፡ ሊንጋርድ፡ ከምኡውን ፓል ፖግባ ውዕሎም ስለዘብቅዕ ብነጻ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገሩ ትጽቢት ኣሎ። ስለዝኾነ ማንችስተር ዩናይትድን ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቴን ሃግን ከቢድ ሽግር ከምዘጋጥሞም ይግመት ኣሎ። ወዲ 63 ዓመት ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ራልፍ ራንግኒክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዙሓት ተጻወቲ ነታ ክለብ ሓዲጎም ከምዝኸዱን፡ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ዓበይቲ ተጻወቲ ናብዛ ክለብ ንምስግጋር ክሰርሑን ኣተሓሳሲቡ።