ሊቨርፑል ናብ ግጥም ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ሓሊፋ።
ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣብ ሜድኣ ኣንፊልድ 2 ብ 0 ተዓዊታ ዝነበረት ሊቨርፑል፡ ናብ ሜዳ ቪያሪያል ተጓዒዛ ትማሊ ምሸት ጸወታኣ ኣካይዳ። ኣብ ውሽጢ 41 ደቒቕ 2 ሽቶታት ዝተመዝገባ ‘ዘ ረድስ’ ኣብ ዓቢ ጸቕጢ ኣትያ ኔራ።
ቪያ ሪያል ገና ኣብ 3ይ ደቒቕ ኢያ ብመንገዲ ቡላይ ዲያ መሪሕነት ክትሕዝ ክኢላ ዝነበረት። ናይ ኣርሰናል ናይ ቅድም ተጸዋታያ ዝነበረ ፍራንሲስ ኮኩሊን ከኣ ኣብ መበል 41 ደቒቕ ብርእሱ ገጪዩ ሽቶ ስለ ዘመዝገባበ፡ ቪያ ሪያል ታሪኽ ክትሰርሕ ተዳሊያ ዝቐረበት መሲላ ተራእያ። ቪያ ሪያል ኣቐዲማ ን ጁቬንቱስን ባየር ሙኒክን ኣውዲቓ ናብዚ ደረጃ ከምዝበጽሐት ይፍለጥ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ተመሓይሻ ዝቐረበት ሊቨርፑል፡ ፋቢያኖ ኣብ መበል 62 ደቒቕ ብሞንጎ እግሪ ሓላው ልዳት ጀሪሚኖ ሩሊ ኣሕሊፋ ሽቶ ስለመዝገበ፡ ሊቨርፑል ደጊማ ብውህሉል ውጽኢት ናብ መሪሕነት ተመሊሳ። ሊቨርፑል፡ ኣብ’ዚ ዓመት በዓል ውዕለታኣ ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት ኮሎምቢያዊ ኣጥቃዒያ ዲያዝ ተሓጊዛ፡ ደሕሪ ን ጆታ ቀይሩ ምእታዉ፡ ኣብ መበል 67ደቒቕ ካልኣይቲ ሽቶ ስለዘመዝገበ መሪሕነታ ክቕጸል ኣኽኣላ። ሴኔጋላዊ ማነ ነታ 3ይቲን፡ ሊቨርፑል 3 ጊዜ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ዘረጋገጸትን ሽቶ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ኣመዝገበ። ጸወታ በዓወት ሊቨርፑል 3 ብ 2፡ ብውሁልል ድማ 5 ብ 2 ዓወት ተዛዘመ።
ኣብቲ ጸወታ ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣየ ናይ ማእከል ተኸላኻላይ ቫንዳይክ ብ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ሊቨርፑል፡ ሪያል ማድሪድ፡ ከምኡውን ማንችስተር ዩናይትድ ዝነበረ ማይክል ኦውን ተሞጊሱ።
ሊቨርፑል ካብ ማንችስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ዝሰዓረት ጋንታ ንዋንጫ ክትገጥም ኢያ። ሊቨርፑል ን ዋንጫ ሻምፒዮንስ ሊግ፡ ኤፍ ኤ ካብ፡ ሊግ ካብ ከምኡ ውን ፕሪሜር ሊግ ንምዕታርን ታሪኽ ንምስራሕን ትጻወት ኣላ፡ ይሰልጣ’ዶ ይኸውን?
ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣጥቀዓይ ሊቨርፑል ሞሓመድ ሳልሕ፡ ንፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ጸወታ ምስ ሪያል ማድሪድ ክበጽሖ ከምዝደሊ ሓቢሩ። ሳላሕ 2018 ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ጸወታ፡ ሊቨርፑል ብሪያል ማድሪድ 3 ብ1 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ጸወታ፡ ብተኸላካላይ ሪያል ማድሪድ ዝነበረ ሰርጂዮ ራሞስ ኣብ ሞንኮቡ ዝወረደ ማህሰይቲ ቅድሚ ዕረፍቲ ጸወታ ኣቋሪጹ ክወጽእ ከም’ተገደደ ይፍለጥ። እሞ ኸ ሞሓመድ ሳላሕ ኣብ ሊዕሊ ሪያል ማድሪድ ሕንኡ ይፈዲ’ዶ ይኸወን።