4ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ሎሚ የዕሪፉ ድሕሪ ምውዓል፡ ጽባሕ ሰሉስ ዕለት 10 ግንቦት 170 ኪ.ሜ ብዝሽፍን 4ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈላሚ ናይ ጎቦ ውድድርን ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ መሬት ኢጣልያ ዝካየድ 4ይ መድረኽ፡ ኣብ ገማግም ደሴት ሲሲሊ ዝካየድ ኮይኑ ካብ ከተማ ኣቮላ ተበጊሱ ኣብ ጎቦ ኢትና ክዛዘም ኢዩ። እዚ መድረኽ፡ 3580 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኮይኑ፡ ክፋል ናይ ኣብ 2018 ዝተኻየደሉ “ራጋልና” ዝበሃልን ከምኡውን ኣብ 2011 ዝተኻየደሉ ኒኮሎሲ ዝበሃሉ ጎቦታት ክሓልፍ ኢዩ። ጎቦ ኢትና ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ኳ እንተዘይኮነ 22.7 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ብገምጋም 6% ዝበጽሕ በዳሂ ዓቐበት ዘለዎ ኢዩ። እዚ መድረኽ ብ8 ኪ.ሜ ንውሓት 9% ዝበጽሕ ተሪር ዓቐበት ክዛዘም ኢዩ። ኣብ’ዚ ናይ ጽባሕ ውድድር፡ ምቅይያራት ተርታ ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር (General Classification) ክረኣየሉ ትጽቢት’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ሞንጎ ቀንዲ ናይ ጊዜ ተቐዳደምቲ ግን ብዙሕ ፍልልይ ኣየምጽእን ተባሂሉ ይግመት።