ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ጎረቤት ሃገር ሕድሕዳዊ ትርምስ ንኻልኣይ ግዜ ምእታዉ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ። ናይ ትግራይ ሚድያታት ኰነ ተሓባበርቲ ናይ ኤርትራውያን ሚድያታት ከይተረፈ ነቲ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ብሓጎስ ከቃልሕኦ ምስማዕ፥ ሕልና ንዘሎዎስ ነብሰ-ስጋ ዝቕንጥጥ ኢዩ። ኣብ ከምኡ ሃዋሁው ምእታው ብዘይ ምኽንያት እኮ ኣይኮነን፦
ቀዳማይ፥ ብወከልቲ ህዝቢ ዝቖመ ፓርላማ ኣብዘየልብሉ ሃገረ ኤርትራ፣ እዚ ኵናት እዚ ብሓደ ጸቢብ ዕላማ ዘሎዎ ጕጅለ ዝምራሕ ብምዃኑ፡
ካልኣይ፥ ብስነ ኣእምራዊ ሕጽቦን ብዘይ ምሉእ ኣፍልጦን ብኸንቱ ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘሕልፍ ዘሎ ኵናት ብምዃኑ።
ሳልሳይ፥ ዘይወጽእ ደማዊ ስንብራት ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ይስረት ብምህላዉ፡
ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ክኣ ኣሎ። ኵናት ስለዝኾነ እቲ ህልቂትን ዕንወትን ኣብ ክልቲኡ ወገን ኢዩ ዘሎ። ንህዝቢ ኣብ ከበባ ኣእቲኻ ንምምብርካኽ ዝግበር ፈተነ ግና ብኹሉ ሕልና ዘሎዎ ፍጡር ክኹነን ኢዩ ዝግባእ ነይሩ።
መርገጺና ብተደጋጋሚ ከነነጽር ጸኒሕና ኢና። ሕጁውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዘይምልከቶ ኵናት ብዘይ ውዓል ሕደር ኢዱ ከውጽእ ኢዩ ጻውዒትና። መን እዩ ግና ናይዚ ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ብርሰትን ተሓታቲ? ናይ ገለ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ሰባት ንጎኒ ገዲፍካ፡ ንግደ ሓቂ ፍርዲ ምሃብ የድሊ ኢዩ። ኣብ ገዛኻ ዕጡቕ ሰራቒ መጺኡካ ነፍስኻን ንብረትካን ክትከላኸል ክትብል እንተቐተልካዮ ሕጊ ነጻ ኢዩ ዝብለካ። ሰራዊት ትግራይ ክኣ መጺኦሞ እምበር ኣይከዶምን። ናይ ገለ ሰባት ዝንቡዕ ኣታሓስባ ግና ዘገርም ኢዩ። ኩነታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ክነሱ ንመራሕቲ ትግራይ ብሓላፍነት ከምዝሕተቱ ገይሮም ዘቕርቡ ኣሎዉ። ዘበንያ ግርንቢጥሲ ማይ ንዓቐብ ዝብሃል እምብኣር ከምዚ ኢዩ። ስለዚ እታ መንዩ ብሓላፍነት ዝሕተት ትብል ሕቶ ንጽርቲ ኢያ፥ መን ግዲ ኢዩ ኣብዘይ መሬቱ ኣትዩ ህልቂት ዝፍጽም ዘሎ?
ብኻልኣይ ደረጃ ክትሓዝ ዝግብኦ ኣገዳሲ ጉዳይይ’ውን ኣሎ። ስብእነት ያኢ ተረኺቡስ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ነገራት ዝዘባርቑን ናብ ዘይወጽእ ጎንጺ ዘምርሕ መርገጺ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ኣሊዉ። ኣዝዮም ጎዳእቲ ምንቅስቓሳት ስለዝኾኑ ክኣ ክንቅሓሎም ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት፥
ሀ) ብሕቡእ ይኹን ብግሃድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ለውጢ ከምጽኣሎም ዝጽበዩ ኣካላት ኣሎዉ። እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ግፍዒ ዝፍጸመሉ ዘሎ ሰራዊት ትግራይሲ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ለውጢ ኣምጺኡ ጻዕዳ ሸሓኒ ከረክቦም። ግርምባ! ኣራጢጥካ ጸኒሕካስ ብጻዕርን ብመስዋእትን ካልኦት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክትመጽእ ምሕሳብ! ነስተውዕል፡ ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ነባሪ ፍታሕ ክርከብ ዝኽእል። እዚ ክብሃል ከሎ ግና ሓገዝ ናይ ተሓባበርቲ ኣካላት ኣየድልን ኢዩ ማለትና ኣይኮነን።
ለ) ዓያሹ ተጋሩውን ኣይተሳእኑን። ህዝቢ ትግራይ ዝወርዶ ዘሎ ህልቂትን ብርሰትን ከይኣክልሲ፡ ናብ ተለኻኺምካ ጥፍኣት ዘምርሕ ሓሳባት ከቃልሑ ይስምዑ ኣሎዉ። ቅድሚ ሕጂውን ኣልዕልናዮ ኢና ትግራይ መስመር ንባሕሪ የድልያ ኢዩ ይብሉና። እንተኾነ ብውዲ እንተዘይኮነ ብግዲ ክኣ ይብሉ። በጀ! እሞ ገሊኦምሲ ምሁራት ተባሂሎም ዝሕሰቡ። እቶም ዝርካቦም ኣህዛብ ሰላም ረኺቦም ህይወቶም ዘጣይሹሉ ኩነታት ኣብ ክንዲ ምሕሳብሲ ጨሪሾም ክበርሱ እሞ ሞፍቶ ጸላእቶም ኰይኖም ኣብ ናይ ዘለኣለማዊ ባርነት ክኣትዉ ዝዕድም ሃተውተው። ውጽኢቱ ከምኡ ከምዝኸውን ቍሩብ ንዝሓስብሲ ብሩህ ኢዩ።
ሕጂ ናብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ክመሓላልፍ ዝግባእ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሎ። ህላዌ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ሕጋውነትን ምክብባርን ዝተመርኮሰ ሃናጺ ጕርብትና ምስዝህልዎም ጥራይ ኢዩ። ነዚ ንምዕዋት ክኣ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ሓላፍነታዊ ግደ ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም እዩ ክሓትት። እዚ ማለት ክኣ፡ ነዞም ብፍላጥ ወይ ብግርህነት መሳወርቲ ሓዊ ዝኾኑ ወገናት ብቓልዕ ምምካት ከድሊ ኢዩ።
ስለዚ፡ ህላወ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዘገድሶ ኩሉ ዓው ኢሉ መኸትኡ ዘሐይለሉ ግዜ ሕጂ እዩ፡ ውሕጅ ከይመጸ ውንገዲ ውሕጅ ጽረግ ከምዝብሃል።
ልቢ ሰዅዕና ተሓባበርቲ ጥፍእት ካብ ምዃን የድሕነና። ኣሜን።