እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ፥
ንዓለም ገረሞ ዘብል ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ።
ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል (3/12/2022)
ካብ ኣመና ምግራም ዝተላዕለ ካብ ምዝራብ ተቖጢብና ጸኒሕና። እቲ ቀንዲ ነገር፡ ምስ ሓደ ብህልቂት ህዝቢ ንግስና ዝምነ ሰብ ኣሚንካ ኣብ ስምምዕ ክእቶ ይክኣልዶ ዝብል ጉዳይ ኢዩ። ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ፍሉይ ክእለት ናይ ምድንጋርን ምትላልን ዝውንን ኣዝዩ ሓደገኛ ፍጥረት ምዃኑ ብኣጋ ተረዲኡናስ ቅድሚ ሕጂ መግለጺ ሂብናሉ ኢና።
ሰላም ድኣ መን ምጸልአ። ናይ ብሓቂ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን እፎይታ ዝህብ ስምምዕ እንተዝኸውንኮ ብእልልታ ምቕባል ኢዩ ዝግባእ ነይሩ!! ኣይኮነን ግና – ከመይ ኢሉሞ ክኸውን! እዛ ብርኩታ ስላም ኣብ ውሽጣ ርሱን እምኒ ሓቝፋ እንከላ።
ኣብ ከምዚ ከቢድ ኩነታት ኮይኖም ኢዮም እምብኣር መራሕቲ ወያነ ኣብ ዕጥቂ ምፍታሕ ዘማልአ ስምምዕ ክኣተዉ ዝተገደዱ። ንምንታይ ኢዩ ግና ኣብ ከምኡ ተበጺሑ? ገለ ሓሳባት ክንድርጕሕ ክንግደድ ኢና።
ቀዳማይ፥ እዚኳ ጽንዓት ትግራዎት መዳርግቲ ዘይርከቦ ኮይኑ’ምበር ንኽልተ ዓመታት ተኸቢብካ ቃልሲ ምክያድ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክኣ ኣዝዩ ከቢድ ህልቂት ከምዘስዓበ ክግመት ይክኣል ኢዩ። ስለዚ ቀጻልነት ኵናት ናብ ፍጹም ብርሰት ከምዘምርሕ ተረዲኡዎም ኢዮም መራሕቲ ወያነ ናብ ከምዚ ስምምዕ ክኣትዉ ተገዲዶም ዘሎዉ። ኣብ ሓልዮት ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ስምምዕ ስለዝኾነ እምብኣር መራሕቲ ትግራይ ክምስገኑ ኢዩ ዝግባእ። “ዋላ ንዓና ዝመጸ ይምጽኣና ንህዝብና ነድሕን” ምባል ልቦና ዝመልኦ ዓቢ ውሳኔ ኢዩ። ኣብ መዛግብ ታሪኽ ክኣ ብኣወንታ ከምዝርአውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እንታይ ተኣማማንነት ረኺቦም ኢዮም ግና መራሕቲ ወያነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክበጽሑ ዝኸኣሉ? ንእመሪካ ወይ ንኣፍሪቃ ኣሚኖም ዝገበርዎ ዝኸውንሲ ኣይመስለናን። ውዒሉ ሓዲሩኳ እቲ ምስጢር ምውጽኡ ኣይክተርፎን ኢዩ። ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ምትላል ኢድ ክህሉ ስለዝኽእል ግና ዘሰክፍ ጉዳይ ኣሎ። ዕጥቂ ኣፍቲሑ ንኩሉ መሓውራት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ምስ ኣእተወ ንመራሕቲ ወያነ ኣብ ምልቃም ክኣቱ ከምዝኽእል ስግኣት ክህሉ ቅቡል ኢዩ። ብዓይኒ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዕላማ ናይዚ ስምምዕ እምበኣር ነዚ ዘይቅዱስ ሓሳብ ንምትግባር ኢዩ ክኸውን። ናይ ሰብ ደም ምፍሳስ ባህሪ ዘሎዎ ፍጥረት ስለዝኾነ፡ ብጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝጀመሮ ምቕንጻል መራሕቲ ወያነ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከየብጽሐ ኣቢይ ኣሕመድ ደቂሱ ክሓድር ኢዩ ዝብል ግምት የብልናን።
ካልኣይ፥ ብሸነኽ ኤርትራ ብኣንጻር እዚ ብመሪሕነት ወያነ ዝተወስደ ስጉምቲ ኢዩ ክርአ ዘሎዎ። ንስርዓት ህግደፍ፡ ዝጠፍአ ህዝቢ እንተጠፍአ ኣይንታዮምን ኢዩ። ኣብዘይምልከቶ ኵናት ኣብ ትግራይ ሃሊቑ ዘሎ ኤርትራዊ ማእለያ የብሉን። እቲ ከቢድ ቃንዛ ኣብ ነፍሲወከፍ ገዛ ክበጽሕ ምዃኑ ክኣ ቀስ ኢልካ ዝርአ ሓቂ ኢዩ ክኸውን።
ሓሳባት ንምጥቕላል ዝኣክል፡ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘየድሊ ናይ ዓባይ ትግራይ ሕልሚ ንምትግባር ናብ ጎደና ህልቂት ዝእተዉ ውልቀሰባት ሕጂ ተሓተቲ ኮይኖም ክቐርቡ ኣሎዎም። ንህላዌኡ ክብል፡ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ጕዳይ እዚ ዝለዓለ ኣቓልቦ ክገብረሉ እዩ ዝግባእ።
ብወገን ኤርትራውን እንተኾነ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንዘጋጠመ ህልቂት፡ እቲ እንኮ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ንህላዌኡ ክብል መኣዝን ቃልሱ ብምትዕርራይ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻር ሃገራዊ ግዴታኡ ከዕዝዝ ኣሎዎ።
ካብ ዝፈራሕናዮ’ውን ኣይወጻእናን። እሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ጫፍ ጥፍኣት ኣብ ዘሎዉሉ ኩነት፡ ኣድፊጦም ክጽበዩ ዝጸንሑ ተዃሉ ሕጂ ዕድል ተረኽበ ኢሎም መዎጽ ኣብ ኣፎም በትሪ ኣብ ክሳዶም ተሓንጊጦም ዓሰብ ንምሓዝ ክጓየዩ ኢዮም። እዚሞ’ኽእ ናብ ምንታይ መኣዝን ከምዘምርሕ ንምግማቱ ዘጸግም ክስተት ኢዩ ክኸውን። ጉድ እኮ ኢዩ ናይ መሪሕነት ህግደፍ ከንቱ ጃህራን ፈኸራንሲ። ኣይ ንህዝብኻ ኣድሒንካ ኣይ ንልኡላውነት ሃገርካ ኣኽቢርካ – ኣብ ባዶ ባይታ ፈኸራን ፈራዕራዕን።
እዝጊኦ መሓረነ!!