ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣካል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ካብ ምዃን ኣርሒቓ  ክሳብ’ቲ ትነድፎ ዘላ ቅዋም ዝጻፈፍ ከም ነጻ ሃገር ክትዋሳእ ምኻና ሓቢራ። እቲ ዝንደፍ ዘሎ ቅዋም ካብ ጽልዋን ጸቕጥን ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ንምንጋፍ ፡ ክሳብ ምጽፋፉ ከም ነጻ ሃገር ክዋሳእ ምዃኑ እዩ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብወግዒ ገሊጹ ዘሎ።

መንግስቲ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ሰለስተ ዝገጹ ጽሑፍ፣ እቲ ዝንደፍ ዘሎ ቅዋም ንፑንትላንድ ምኽርን ምዘናን ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ከይተጸበየት ብዛዕባ ዉሽጣዊ ጉዳያት ባዕላ ክትዉስን ዘኽእል ምዃኑ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

እቲ እዋናዊ መግለጺ ፣ ፑንትላንድ ምስ ፈደራል ሶማል ዝጸንሓ ቀጥታዊ ርክብ በቲኻ ምህላዋ ዘነጽር ኮይኑ፣ እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ እታ ርእሰ ምምሕዳርን ማእከላይ መንግስቲን ብጉዳይ መሬታዊ ሓድነት ሶማል ክብእስ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከብሎ ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣልሸባብ ንምድቓቕ ዘሎ ጸዓቱ ኣውፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል ነቲ ካብ ከም ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝኣመሰላ ርእሰ ምምሕዳራት ክዛይድ ዝጸንሐ ናይ ምንጻል ሕቶታት ኣብዚ ሰዓት እዚ ክብድህ ዓቕሚ ከምዝጎድሎ እዩ ዝንገር።
ርእሰ-ምምሕዳራዊ ስርዓት ተኺላ ንምሉእ ነጻነት ትሰርሕ ዘላ ሶማሊላንድ እዉን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ማያዊ ገማግማ ወተሃደራ መዓስከር ኽድኲን ፣ ኣምስያኡ ድማ ኣመሪካ ንምሉእ ነጻነት እታ ርእሰምምሕዳር ኣፍልጦ ኽትህብ ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ዓመት ምዕዳማ ኣይርሳዕን።

ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ጽልዋታት ቻይና ኣብ ምብራቓዊ ገማግማት ኣፍሪቃ ብምምኽናይ ፡ ኣመሪካ ኣብ ኣገዳሲ ማያዊ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዳዊ ዉቅያኖስን ህላዌኣ ንምዝያድ ትምድብ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሶማሊላንድ ነዚ ክዉንነት ናብ ረብሓኣ ንምቕያር ኣብ ጻዕሪ ምህላዋ እዩ ዝንገር።
ንማእከላይ ባሕርን፡ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ዉቅያኖስን ንዘራኽብ መስመር ኽትቋጻጸር ላዕለዋይ ኢድ ንዝህበካ ወሽመጥ ዓደን እትዳወብ ከተማ በርበራ ናይ ሶማሊላንድ ንኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ህላወ ሓንቲ ሶማል ከምእተኣምን እትገልጽ ኣመሪካ፡ ኣብ ሶማል ሰሪቱ ብዘሎ ጸጥታዊን ዉድቀትን ደሞክራስያዊ ጥፍሽናን ተስፋ ክትቆርጽ እኳ እንተጸንሐት ድሕሪ ምምጻእ ሓድሽ ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ግን ምስ ሶማል ዘለዋ ዝምድና ይሕይል ብምህላዉ በተን ክንጸላ ዝብህጋ ርእሰ ምምሕዳራት ዝዛይድ ዘሎ ጸቕጢ ንኸይዕወት ክትተሓጋገዝ ከምትኽል እዩ ዝንገር።