ኣብ ጽዑቕ ዞባዊ ተልእኾ ወፊሩ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምትእኽኻብ ኢጋድ ንጡፍ ተራ ክህልዋን ደስኪሉ ዝጸንሐ ተዋሳእነታ ከተበራብርን ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝመጽ ቀረባ እዋን ግዝያዊ ስልጣን ኣቦ መንበርነት እቲ ምትእኽኻብ ክርከብ ከምዝኽእል ዝኣምኑ ዲፕሎማስያዉያን ሚንጭታት ኬንያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ኣርሒቓ ዘላ ኤርትራ  ነቶም ዘየሰማማዑ ዘለዉ ነጥብታት ንምዝላቕ ኣብ ዘኽእል ባይታ ብምዝርራብ ናብ ኣባልነትን ተሳትፎን ንኽምትምለስ ክጽዕር መደብ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ድሕሪ ናይ 1998 ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ንጡፍ ተሳታፍነት ኤርትራ ኣብ ኢጋድ ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እዉን ዛሕቲሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሓድሽ መራሒ ኬንያ ኣብ’ዚ ዞባ ሰላምን ልምዓታዊን ምድግጋፍን ንኽሕይል ቀጻሊ ጻዕሪ የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ፈለማ መዓልታት ስልጣኑ ንቕድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ምሽምጋል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመሪሕነት ክነጥፍ ከምዝመዘዞ ኣይርሳዕን።
ብሰንኪ ባዕላዊን ዘይተሓታቲን ኣካያድታት ህግደፍ ፣ ኤርትራ ካብ ሓያለ ዞባዊን ኣህጉራዊን ምትኽኻባት ኣርሒቓ ኣብ ተነጽሎ ትሳቐ ከምዘላ ግሉጽ እዩ።