መላእ ህዝቢ ኤርትራ የእዊ’ሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ተለቭዥን ጉጅለ ህግደፍ (ኤረ ቲቪ) መደብ ሳይዳ፡ ብጋዜጠኛ ማና ኪዳነ “ዕላል ምስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ጽሬት ተዋፊረን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዝቐረበ ጉዳይን እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝሃብኦ መልስን፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘገረመን ንብልሹው ኣሰራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ዘቃልዐን’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ  ቃለመሕትት ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ጉሓፍ ምምልኡን ንምጽራዩ ኣብ እንግድዓ’ተን ብዘይ መሳለጥያ ሒደት ደሞዝ ዝኽፈላ ብዘይ ዕረፍቲ ብእግረን ዘጓሕ እንዳበላ ዝለፍዓ መሳኪን ደቂ ኣንስትዮ ወዲቑ ከምዘሎን ነበርቲ ጉሓፍ ኣብ ዝተመደበሉ ቦታ ብዘይምቕማጥ ጉድለታት ከምዝፍጽሙን ብዝርዝር ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣሽባይዶ ኣበራት ጉጅለ ህግደፍን መሓውራቱን ብግሁድ ከተቃልዕን ኣብ ማዕከናት እተን ጉጅለ ህግደፍ ዝቆጻጸረን ተለቭዥን ወይ ራድዮ ንትካላትን ሓለፍትን ህግደፍ ክትነቕፍ፡ ክትውድስን ከተሕጉስን እውን መዘዝን ምሕያርን ከይመጸካ ትፈርሕ ኢኻ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሕጊ ስለዘየለ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ገበን እንዳተፈጸመን ፍትሒ እንዳተረግጸን ምስቃጥ ኢኻ ትመርጽ።

እቲ ብ5 ጥሪ 2023፡ ኣብ ዩቲብ (You Tube) መደብ ሳይዳ ምስ ገለ ሰራሕተኛታት ጽሬት ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣስመራ ን30 ደቂቕ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ድማ፡ ዘይልሙድ ስለዝነበረ “ዝሓሰበለይ ድኣ ኣለዎ እምበር ለማናይ’ዶ ምተኾበለይ” ዝብል’ዩ ነይሩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛ ማና ኪዳነን ሰራሐተኛታት ጽሬት ኣስመራ ኣሓትናን ኣዴታትናን ደቂ ኣንስትዮ፡ መሪሩውንን ፍታሕ ደልየንን ኣብ ምንጋጋ ሓርገጽ ኮይነን ብዋጋ ህይወተን ሓቂ ብምዝራበን ኣገናዕ ክብሃላ ይግብአን።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ ጭቆናን ግዕዙይ ምምሕዳርን ሕጊ ኣልቦነትን፡ ብጽቡቕ ዝግለጽ ህይወት ስለዝየለ፡ እቲ ኣብ መደብ ሳይዳ ብዛዕባ ርስሓትን ምልዓል ጉሓፍን ከተማ ኣስመራ ዝተገልጸ ኣበጉድር፡ ሓንቲ ንጣብ ማይ ኣብ ባሕሪ ኢዩ። እቲ ንኤርትራ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፡ ክትዛረበሉ ስለዘይክኣል እምበር፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ፡ ምልኪ፡ ጉቦ፡ ምሕያር፡ ግፋ፡ ኩናት፡ ሕጊ ኣልቦ ወዘተ ጥራይ ኢዩ መሊኡ ዘሎ።

ከምቲ “እዛ ቆርበት ኣብ ምንታያ ተበላሽያ ኣብ ምስጣሓ፡ ኣይፋል ኣብ ምስጣሓ ኣይኮነትን ኣብ ምጥባሓ ኢያ ተበላሽያ” ዝተባህለ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብቀንዱ ዝተበከለን ዘይብቁዕን ምምሕዳር ስለዘለዎ፡ ብዘይካ ኣገልግሎት ከይሃብካ ገንዘብ ምእካብን ምቕጻዕን ምዕሻግ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ሸቀጥን ብዛዕባ ሕሰምን መረረን ህዝቢ ዝሰምዕ እዝኒ ዝርህርህ ልቢ የብሉን።

ኣብ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ ስሕት ኢሉ ብሙላቕ ወይ ብዕላማ፡ ጉድለታት ምምሕዳርን ጸገማት ተገልገልትን ይቃላሕ ኢዩ። ካብ ዘረባ ሓሊፉ ግን ዝመጽእ ፍታሕ የለን። የግዳስ እቶም መሲልዎም ሓቂ ዝዛረቡ ሰባት፡ ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ስራሕ ይባረሩ ወይ ብትካላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ሽታ ማይ ኢዮም ዝኾኑ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ጉሓፍ ዘይምእካብን እታ ከተማ ብምርስሓን ጥራይ ኣይኮነን ጸገም ኣጋጢሙ ዘሎ። ነውራም ጉጅለ ህግደፍ ተቀማጣይ ኣስመራ ንኣፉ ማይ ከይረኸበ፡ “ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ጽሬት ኣዘውትሩ” ኢሉ ጎስጓስ የካይድ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓዋላ እንዳነበረ፡ ሓንቲ ባኒ ንምርካብ ንሰዓታት ሪጋ እንዳተጸበየን ካብ ዱኳን 09 ባኒ ወይ ኪሎ ሽኮር ክገዝእ ኣገልግሎት ከምዝፈጸመ እንዳተሓተን፡ “ካብ ሕማም ክትድሕኑ ዝተመጣጠ መግቢ ብልዑ” ይብል።

ዓይኒ ማይ እንተተዘሪጉ ጽሩይ ማይ ስለዘይስተ፡ ብቀንዱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዞባ ማእከልን ምምሕዳር ከተማ ኣስመራን ብብቅዓት ህዝቢ ከገልግል ስለዘይደልዮ፡ እታ ኣብ 40ታትን 50ታትን ብጽሬታ ንእሽቶ ሮማ ትብሃል ዝነበረት ኣስመራ ህዝባ ብስእነት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝሳቀን እታ ንእሽቶ ሮማ ትብሃል ኣስመራ ጉማማ ኮይና ከምዘላን ዝስሓት ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ዶላር ክደሊ እንከሎ፡ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ስሕት ኢሉ ብዛዕባ ስድራ ስውኣት፡ ስንኩላን ኩናት፡ ድራር ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ፡ መግዝኢ ኣምቡላን ጽሬትን ወዘተ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ጸገማት ህዝቢ ክፍታሕ ስለዝደለየ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ምሩጻት ቃላት ተጠቂሙ ህዝቢ ብሓልዮት ገንዘብ ከዋጽእን ክደናገጽን ስለዝዓለመ ኢዩ።

እቲ ካብ ህዝቢ ዝዋጻእ ገንዘብን ብናጻ ጉልበት ዝርከብ ኣታውን ኣብ መዓላ ህዝቢ እንተዝሃልኽ’ውን ኣይመዛረበን። የግዳስ ካብ ህዝቢ ብምድንጋፍርን ብግዴታን ዝእከብ ገንዘብ ኣብ መህነጺ መሐየሪ ህዝቢ ኤርትራን መጸናጸንን ኩናትን ኢዩ ዝባኽን።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታትን ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንምፍታሕ፡ እቲ ካብ ከርሲ መሬት ኤርትራ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ተኻዒቱ ዝሽየጥ ዘሎ ማዕድናት ኤርትራ፡ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ዘሎ መንእሰይ፡ ንመሸመቲ ኣጽዋር ዘይምልከተና ኩናት ዝሃልኽ ዘሎ ቢልዮናት ገንዘብ፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ክውዕል ክሓስብ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን “ደቕናን ገንዘብናን ኣበይ ኣትዩ” ኢሉ ክሓትት ኣለዎ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ ገለ ካብ ተቀማጦ ኣስመራን ትካላትን፡ ጉሓፍ ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ከምዝድርብዩን ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ነቲ ዝኽሰት ጸገማት ሰሚዑ ፍታሕ ከምዘይገበረን ብዝርዝር ተሓቢሩ። መረረን ሕሰምን ናይተን መሰልን ክብርን ዝተነፍጋ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ደም ዘንብዕን ዘሕዝንን ኢዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዘንን ስቃይን ከምዘሎ’ውን ርዱእ ኢዩ።

ከምቲ “ባዕለን ቀቲለናኻ’ሲ ሽንፋእ የጭንዋኻ” ዝብሃል ጠንቂ ርስሓትን ምእካብ ጉሓፍን ጉጅለ ህግደፍ ክንሱ ተሰልቢጡ ነቲ መሰል ዘይብሉ ህዝቢ ክሓትት ስጊንጢር ኢዩ። ጉዳይ ጉሓፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ድዩ ካብ ተቕማጦኣ፡ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ፡ ምንጪ ሕሰምና ግን ካብ ግዕዙይ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። እተን ለይትን መዓልትን ኣብ እዋን በዓላትን ዝግባእ ክፍሊትን መሳለጥያን ዘይብለን ዝለፍዓ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዩ፡ ጉጅለ ህግደፍ መስጠአንን መርገመንን ይብጽሓዮ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ዝግባእ መሳለጥያ ከይቀረብካሉን ንጹር ሕግታት ከይነደፍካሉን፡ ክትከሶን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉድለት ንኻልኦት ከተሰክምን ተወሳኺ ሓጥያት ኢዩ። እቲ ንመነባብሮ ህዝብና ንድሕሪት ዝመልስን ዘዕኑን ዘሎ ምኽንያት ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዘሎ ጉሓፍ ካብ ምጽራይ ሓሊፍና፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ርስሓት ጉጅለ ህግደፍ ክንኣልዮ ይግባእ።

ቢተወደድ ሳልሕ ስዒድ ዓሊ ሓጃይ