ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ብመላኺ ጉጅለ ኣብ ጸገም ወዲቓ ዘላ ኤርትራ ዘለዋ ጠመተን ኣተሓሕዛን ልዕሊ ካልእ እዋን ከተዕትብ ግዜኡ ምዃኑ መጺሄት ዘ ናሽናልን ኢንተረስት ሓቢሩ።
እቲ ገዚፍ ጽልዋን ተፈላጥነትን ዘለዎ መጽሄት ኣብ ጽሑፉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኤርትራ ንልዕሊ 30 ዓመት ገዚኡ ብኹሉ መለኪዕታት ኣድሒርዋ ዘሎ መላኺ ዝጸንሖ ኣተሓሕዛ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ኣሚኑ፡ ዝተረረን ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእልን ስጒምቲ ክኽልስ እዩ ኣትሪሩ ጸዊዑ ።
ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸቢብ ስርዓት ንምቕጻዕ ተረርቲ እገዳታት እንዳዉፈሩ ክንጽልዎ እኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ጸቢብ ስርዓት ንኤርትራ ካብ ዓለም ብምንጻል ጥራይ ስልጣኑ ከዉሕስ ከምዝመርጽ ግን ክግንዘቡ ኣይጸንሑን ዝበለ መጽሄት ዘ ናሽናል ኢንተረስት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኪንዮ እቲ ክደጋግሞ ዝጸንሐ ልሙድ ስልቲ ተወሰኽቲ ሜላታት ከማሕድር ከምዝግባእ እዩ መኺሩ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወረዱ እገዳታት እንትርፎ ንህዝቢ ኤርትራ ኪሃስዩ ነቲ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይፈጠርሉ ዘዘኻኸረ እቲ መጽሄት፡ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ወተሃደራዊ ጽልዋ፡ ምልኪ ንምጽራግን ደሞክራስያዊ ሃዋህዉ እዚ ዞባ ንምዉሓስን ተቢዓ ክትሰርሕ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ስቡሕ ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተቐሚጣ ዘላ ኤርትራ ሓላፍነታዊ ምሕደራ እንተትረክብ ምስ ምጭዉቲ ከተማኣ ኣስመራ ፡ ዱባይ ናይ’ዚ ዞባ ምኾነት ዝበለ እቲ መጽሄት፡ ብስንኪ ምልኪን ውዱቕ ምሕደራን ግና ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ወርሓዊ ኣታዊታት ዜጋታታ ናብ ትሕቲ 50 ዶላር ኣመሪካ ወሪዱ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኤርትራ ኣብ ተነጽሎ እንተንቢረያ እየ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዝብልን ፡ እታ ሃገር ምስ ወጻኢ ዘለዋ ንግዳዊ ጽምዶ በቲኹ ዝርከብን መላኺ ስርዓት ዝግበሩ እገዳታት ዝኾነ መለሳ ክርከቦም ከምዘይኮነ ወሲኹ ዝጠቐሰ መጽሄት ዘ ናሽናል ኢንተረስት፡ ኣብ ሽምግልና ዝርከብ መራሒ እቲ ምልኪን መሳርሕቱን ስልጣን ናብ ደቈም ከሰጋግሩ እንተመሪጾም ክቕጽል ዝኽእል መከራ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብእዋኑ ነባሪ ፍታሕ ከናዲ ከምዝግባእ እዩ ኣዘኻኺሩ ዘሎ።