ኲናት ሱዳን ብሰላም ንምዕራፉ ኣብ ከተማ ጂዳ ብመንግስታት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝቕጽል ዘሎ ጻዕሪ ደሓን ዝኾነ ግዝያዊ ዉጻኢት ይርከቦ ምህላዉ ተሓቢሩ ። እዚ ዝተሓበረ ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ካብ 22 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ናይ ሓደ ሰሙን ስምምዕ ምቚራጽ ተጻብኦን ምውሓስ ሰብኣዊ ቀረብን ከምዝበጽሑ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።
ክልቲኦም ሓይልታት ንልኣላዉነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ዘለዎም ሓላፍነት፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጅዳ ብ11 ግንቦት ዝኣተዉዎ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከረጋግጹ ዝድርኽ ዉዕል ዘለዎም ተማኣዛዝነት ፣ እቲ ኲናት ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ርግኣት ሱዳን ከዉርዶ ብዛዕባ ዝኽል ዕንወት ዘለዎም ርድኢት፣ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ካልን ብምንጻር እዮም ነዚ ንሰሙን ዝኸይድ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ተሰማሚዖም ዘለዉ።
ክልቲኦም ወገናት ካብ 22 ግንቦት ጀሚሩ ንዝመጽኡ ሸዉዓተ መዓልታት ካብ ምጥቕቓዕ ኪቚጠቡ፥ እቲ ስምምዕ ኣብ ዉሱን ከባቢታት ሱዳን ዘይኮነ ኣብ መላእ እታ ሃገር ከኽብርዎ፥ ንነጻ ምንቅስቓስ ሰላማዊ ህዝቢ ከፍቅዱ፥ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕን መጻኢ ምዕባሌታትን ንህዝቢ ንጹር ሓበሬታ ኸካፍሉ፥ ንድሕነት ፡ መሰልን ይኹን ህይወት ሰለማዊ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተግባር ክቚጠቡ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸበይቱ ንኽበጽሕ ነቲ ሓገዝ ምስ ዘበጻጽሓ ኣካላት ኪተሓጋገዙ ፥ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ግዝያዊ ስምምዕ ከም መበገሲ ወሲዶም ንነባሪ መዓርፎ ሰላም ኪጽዕቱን ካልን ዝብሉ ነጥብታት ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ ግዝያዊ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ሰፊሮም ዘለዉ እዮም።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሻዱሻይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝነበርታ ካርቱም በቲ ኲናት ሓለፋ ተጸልያ ዘላ ኮይና፣ ንዝበዝሐ ክፋል ተፈናቐልቲ እታ ሃገር ውኪላ ከምዘላ የነጽር። በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ኪሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉሂሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ ነይሩ እዩ፣ ስለዝኾነ ድሮ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዛጊት ካብ ቤት ንብረቱ ኣርሒቚ ይርከብ።
ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብቲን ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ኪዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።