ሕጂ’ዉን ደንበ ፍትሒ ብሓፈሻ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ብፍላይ – ነቶም ኣብ ውሽጢስ ኾይኖም ጫሌዳ ዝፈጥሩ ወገናት ኣለልዮም ክእርምዎም የድሊ ኣሎ። ብፍላይ መሓውራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ካብ ስሩ ንምቡንቃስ ነቒሉ ዘሎ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ማእከላይ ዕላማኡ ንምብራዝ ኣብ ውሽጢ ዝዋስኡ ባእታታት ከምዘለዉ ነቒሑ ኪጎርሓሎም ይግባእ።
ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኢና እንዳበሉ ዉልቃዊን ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ዝነኣሰ ኣገዳስነት ዘይብሉን ጽልኦምን ህልኾምን ኣንዳዘርዘሩ ነቲ ኤርትራዊ ማዕበል – ናብ ዘይተደልየ ሸነኽ ኸላግስዎ ዝሃልኩ ዘለዉ ወገናት እንታይነት ዕላማኦም ብንጹር ተፈቲሹ ዓንቃፍነቶም ፍታሕ ክናደየሉ እዋኑ እዩ።
ነቒሉ ዘሎ ተግባራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብጸለመን ምጒናይን ዝወድቕ ከምዘይኮነ ተነጺሩ’ኳ እንተሎ ከምዚኦም ዝበሉ ንምስሊን ዕላማን እቲ ቃልሲ ዝጥምዝዙ ካብ ዉሽጢ ዝነቕሉ ወስታታት ግን፡ ከም ውዲት ተራእዮም ኽእረሙ ኣጋዳሲ እዩ።
ፈላሚ ውዳቤታቱ ኣብ ምሕያል ዝርከብ ብርጌድ ንሓመዱ ሰሰሊዀም ዝጋገዩን ፡ በሉ ተባሂሎም ዝጽይቚን ባእታታት ካብ ውሽጡ ኪቀላቐሉ ትጽበዮ እኳ እንተኾነ እዚ ከይሳዕረረ፡ ከም ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ተራእዩ ቀይዲ ኪግበረሉ ይግባእ።
ጌጋን ስሕተትን ዘይናጸል ኣካል ናይቲ ወዲቕኻ እንዳተሳእካ ትጓዓዞ መስርሕ ቃልሲ እኳ ኣንተኾነ ጸላኢኻ ድዩ መራጽምትኻ ኩሉሳዕ ነዞም ስሕተታት ከጫኑ ስለዘየዕርፍ ፡ እትፍጽሞም ጌጋታት ኣግዚፎም ዘዕንዉኻ ከይኮኑ ምጥንቃቕ መሰረታዊ እዩ።
ስለኾነ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ቀዳምነታቱ ኣነጺሩ ኣብ ዝጓዓዞ ቃልሲ፡ እዋናውነት ኣብ ዘይሓለዉ ጉዳያት ብምጽማድ ጓል መንገዲ ከየባዝሕ ኣየናይ ዛዕባ ድሕሪ ኣየናይ ኪመጽእ ይግባእ ኣብ ዝብል ድማ ኣዛማዲ ኣድህቦ ከዋህልል የድሊዮ ኣሎ።
እቲ ደንበ፡ ፈለማ ንጸገማት ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቡ ኣብ ምፍታሕ ከዉፍሮ ይግባእ ጸኒሖምን ድሒሮምን ኪደሃቡ ኣብ ዝግብኦም ጉዳያት ምህዋኽ እንተተለሚዱ ግን ፡ ፍትሒን ራህዋን ዝጽበ ዘሎ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ፡ “ኣብ ሓሳብን ቃልሲን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ቀዳምነት ቦታ የብልናን” ዝብል ርድኢት ኪወሮን፡ ናይ ጓንነት መንፈስ ነኺእዎ ካብ’ቲ ደንበ ከርሕቕን ተኽእሎ ኣሎ።