ኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ’ታ ኣህጉር ዝቀያየር ዘሎ ንስደተኛታት ባይታ ዘጻብብ ፖለቲካዊ ኩነታት ከስተብህልሉ ከምዝግባእ ምንጭታት ኤሪሳት ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሓያለ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ስልጣን ዝመጹ ዘለዉ ሰልፍታት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብቐንዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ ዑቕበኛታት ኣሉታዊን ጥርጠራዊን ኣጠማምታ ዘለዎም ብምዃኖም ኣብተን ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ እሞ ነቲ ዘሳደዶም ህግደፍ ፖለቲካዊ መሓዉር ኮይኖም ዘገልግልዎ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣብ ዓይኒ ይኣትዉ ከምዘለዉ እዩ እቲ መተሓሳሰቢ ዘገንዝብ።

ኣብ ጥልያን: ብሪጣንያ: ጀርመን: ሽወደን : ደንማርክ: ኖርወይ: ሆላንድ ፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ምዕራባዊ ኤውሮጳን ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ስልፍታት ብዘይካ’ቲ ናብ ሃገሮም ዘብል ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ንምግታእ ዝወስድዎም ተረርቲ ስጒምቲታት ኣብ ሃገራቶም ንዝርከቡ ዑቕበኛታት እውን ዝነኣሰት መመኽነይታ እንዳነቐሱ፡ ናይ ምጥራዝ መደባት ንምትግባር ይህወኹ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

“ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እየ ሃዲመ!” ኢልካ ተዓቚብካላ ኣብ ዘለኻ ሃገር፣ ገጽካ ቀሊዕካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ትድግፍ ምዃንካ ከተመስክር ምድፋር ዘምጽኦ መዘዝ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ኪገሃድ ምዃኑ ደጋጊምና ክንሕብር ጸኒሕና ኣለና። ብዙሓት ግሩሃት፣ ኣብቲ ህግደፍ ኣስማትን ዓላማን እንዳቐያየረ ኸካይዶም ተገዲዱ ዘሎ ኣኼባታት ይርከቡን ኣሳእሎም ይስነድን ብምህላዉ፣ እተን ህግደፍ እዩ ኣሳጉግዎም ኢለን ዘዕቈብኦም ሃገራት ኤውሮጳ ንዉሳኔአን ዳግም ክምርምርኦ ክቕሰባ ምዃነን እውን ምፍላጥ የድሊ።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ብኹሉ ወገኑ ንምቚጻይ ነቒሉ ይጓየ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቶም ነዚ ንቕሎ ብጉልበታዊ ዓይኒ ጥራይ ዝርእይዎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ – ተገሪሆምን ኣብ ህልኽ ኣትዮምን ገና ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ ኣየስተብህሉን ዘለዉ።

መንግስታት ናይተን ኣንጻር ስደተኛታት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰልፍታት ዝብሕትዎ ዘለዉ ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ነዞም ካብ ህግደፍ ሃዲምና ኢሎም ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣውሒሶም ክንሶም፡ ሕጂ ቀንዲ ተሓለቕቲ ህግደፍ ኮይኖም መሓዉራዊ ተልኾታት እቲ ጉጅለ ዘቃንዑ ዘለዉ ስደተኛታት ፡ ቀዳሞት ዒላማ መጥረዝቲ ኪበርዎም ዝለዓለ ዕድል ከምዘሎ ኣይስወጦምን ዘሎ።