ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ሓለፋ ንኤርትራዉያን ዘነጻጸሩ ግፋን ድጎናን መዓልታት እንዳጸቐጡ ይቕጽሉ ምህላዎም፡ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲሳበባ ኪለዓል ካብ ዝኽእል ህዝባዊ ተቛውሞ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ኣትዩ ምህላዉ ዝንገረሉ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ በቲ ሓደ ንህዝቢ እታ ከተማ ንምርዓድ፡ በቲ ካል ድማ ህግዳፍ ብመንገዲ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የስሉኽ ከምዘሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድንጋር ፣ ንኤርትራውያን ግዳይ ኪገብር ዝመረጸ ከምዝመስል እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብረታዊ ምፍርራሃን ምጉብዕባዕን ዝተሓወሶም ግፋታትን ተፍትሻትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ እንተርኢኻ ዜጋታት እታ ሃገር ክስንብዱን ክርዕዱን ብቐንዱ ድማ ካብ መንግስቲ ኪመጽኦ ዝኽእል ስጒምቲ ከተሓሳስቦምን ስለዘኽእል ፡ ኣማስያኡ ተቛውሞ ካብ ምስማዕን ናብ ጎደና ወጽዩም ካብ ምስላፍን ኪቚጠቡ እዮም ዝብል እምነት ሒዙ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዘገንዝቡ።

ስለዝኾነ  እቶም ሓሓሊፎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስኣበባ ብሓይልታት ጸጥታ ዝንጸባረቚ ዘለዉ ሓይሊ ዝተሓወሶም ግፋታት ነዚ እምነት እዚ ንምዕዋት ዝትግበሩ ዘለዉ ይመስሉ።
ፖሊስ ኣዲስኣበባ ንስደተኛታት ሓለፋ ግዳይ ኪገብር ዝኽእል ጸጥታዊ ኮለላን ተፍትሽን ብዝተወሃሃደ መልክዑ ከካይድ ተበጊሱ ብምህላዉ  ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን  ንስደተኛነቶም ዘረጋግጽ ሰነዳት ካብ ኢዶም ከይፈልዩን ምሕባርና ኣይርሳዕን።

ዘቤታዊ ጸጥታ ኣብ ምብዳህ ኣመና ተሸጊሩ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ኮለላን ተፍትሽን ንምቕናዕ መደባት ሰሪዑ ከምዘሎ ኣብዚ ቀዳሞት ዝጽለዉን ዝግድዑን ድማ ስደተኛታት ከምዝኾኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስኣበባ ኣልመምቲ ዝመስሉ ግፋታት እንዳተለምዱ ክምጸኡ ምስንሖም ዝፍለጥ ኾይኑ ብፍላይ ሕጂ ኣገልግሎት ተመላሶን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ RRSን ሰነዳት ስደተኛታት ምሕዳስ ዳግም ጀሚሩ ምህላዉ ስለዝሓበረ ነቶም እኹል ሰነድ ከይሓዙ ዝጸንሑ ስደተኛታት ንምግፋፍን ንምድጓንን ዝለዓለ ምኽኒት ተፈጢሩ ከምዘሎ እዉን ይንገር።

ብፍላይ ምስ ዝሽሕክር ዘሎ ዝምድና ኣቢይን ኢሳያሳን ፣ ሕጋዊ ሰነድ ስደተኛ ዘይሓዙ ኤርትራዉያን ኣብ ዓይኒ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣትዉን ግዳይ ግፋታትን ማእሰርቲን ኪኾኑን ጸኒሖም እዮም።

ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሰነ መጽናዕቲ ዘካየደ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ጸብጺቡ ነይሩ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ፣ ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።