ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብምኽንያት እቲ ኸይተተግበረ 23 ዓመታት ኣፍቂዱ ዘሎ ዉዕል ኣልጀርስ በብወገኖም ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንትግባረ እቲ ዉዕል ኣብ ምጽፋፍን ሕድሕድ ልኣላዉነተንን መሬታዊ ሓድነተንን ብምኽባር ድማ ንሰላምን ርግኣትን እዚ ዞባ ክሰርሓ ጸዊዖም ኣለው።
እቲ ዉዕል ድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝተሓደሰ ዝምድና ተስፋ ከምዝዘርአ ዘዘኻኸሩ እቶም ወገናት ኣብቲ እዋን ክልቲኤን ሃገራት ንዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ምትግባር ሓቢረን ክሰርሓ ተረዳዲኤን ምንባረን ኣስሚሮምሉ።
ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ሞንጎ ኢሳያስን ኣብይን ዝተኣትወ ወገናዊን ዝርዝራቱ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለን ስምምዕ ክሳብ እዚ ሰዓት እዚ እንትርፎ ኲናት ዘፍረዮ ነገር ከምዘየለ ዝግለጽ ኾይኑ እቲ ካብ ዝብጻሕ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ወገናዊ ስምምዕ ሕጂ’ዉን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ሓደጋ ኲናት መዚዙ ከምዘሎ ይንገር።
ጉዳይን ትግባሬ ዉሳኔታትን ዉዕል ኣልጀርስ ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ህግደፍ ወሳኒ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ኣብ እዋን ምምስራት ሓድሽ ዝምድና ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ብሰንኪ ኣብያ ህወሓት ንልዕሊ 20 ዓመት ተኾሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሽግር ኣዉዲቕዎ ዝተባህለ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ተዋሂብሉ ዝትግበር ኢሳያስ ምስ ኣብይ ሕሉፍ ዕርከነት መስሪቱ ሓድሽ ኲናት ኣብ ትግራይ ክዉድብ ተራእዩ እዩ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝዛዘም ድሮ ሓደ ዓመት ሓሊፉ እዉን ህግደፍ ብዛዕባ ትግባሬ ዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኪዛረብ ይኹን ኪሓስብ ኣይመርጽን ዘሎ። በንጻሩ ምስ’ቲ ብዘቤታዊ ጉዳያት ተጫኒቚ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ ተሻሪኹ ንኽልቲኦም ኣብ ስልጣን ከጻንሖም ዝኽእል ካልእ ሓድሽ ኲናት ኣብ ምህንዳስ ተጸሚዱ ይርከብ።
እቲ ኣብ 2018 ዝተሓንጠጠ ወገናዊ ስምምዕ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፣ ከም ኩሎም ዘስፈሮም ነጥባታት፡ ንትግባሬ ስምምዕ ኣለጀርስ ብዝምልከት – ከመይ ዝመስሉ መርሓታት ከምእተሓንጸጹ ኣይፍለጥን።
ካብዚ ዝገደደ፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ንነጥብታት ዉዕል ኣልጀርስ ዳግማይ ክፍትሾ ወሲኑ ከምዘሎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ። እብቲ እዋን’ቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ናብ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ ጸብጻብ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኽትከዶ እትሕልን ጎደና ዘሳልይ ከምዝኸዉን ንምርግጋጽ ፡ ዘድሊ መጽናዕትታት በብዝምልከቶም ኣካላት ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ መንግስቱ ብዛዕባ እቲ ዉዕል ዕቃቤታት ከምዘለዎ ዘፍእም መግለጺ ኪህብ ምድፋሩ ኪንዮ’ቲ ኣብቲ ሽዑ ዝኸይድ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ሞንጎ እዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህግደፍን ገዚፍ ጎነጽ ኪህሉ ምዃኑ ዘመላኽት ምዃኑ ኣብቲ እዋን ሓቢርና ኔርና።
ቅድሚ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበረ ስርዓት ትሕዞታት ዉዕል ኣልጀርስ ምምሕያሻት ኪግበረሎምን ተወሳኺ ዘተ ኽካተተሉን ስለዝጸውዔ ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህዉ ብዙሕ ከምተእኸስረ ዝፍለጥ ኮይኑ እዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ብዘይፍለ ንነጥብታት እቲ ዉዕል ኽፍትሽን ኣርባሕነቱ ኽግምግምን ምምራጹ ፣ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን መዘዙ ከምዘይጸንቀቐ ዘርእይ ምዃኑ እዉን ተገሊጹ ነይሩ።